ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ዓቢ ዕላማ ኣለዋ

ህይወት ዓቢ ዕላማ ኣለዋ

5ይ ክፋል

ህይወት ዓቢ ዕላማ ኣለዋ

1, 2. ኣምላኽ ብዛዕባና ይግደስ ኢዩ ክንብል እንኽእል ብኸመይ ኢና: ብዛዕባ ህይወት ንዝለዓል ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ናበይ ኢና ክንከይድ ዘሎና፧

1 እቲ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ህያው ነገራትን እተሰርሕሉ ኣገባብ እቲ ዝፈጠሮም ብሓቂ ዝሓሊ: ኣምላኽ ፍቕሪ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ይሓሊ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ፣ ነቲ ስለምንታይ ኢና ኣብዛ ምድሪ እንነብር ዘሎና፧ ከምኡውን ናበይ ገጽና ኢና እንኸይድ ዘሎና፧ ዝብል ሕቶታት ዝበለጸ መልሲ ኢዩ ዝህበና።

2 ነቲ መልስታት ምእንቲ ክንረኽቦ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ የድልየና። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:⁠- “እንተ ደሌኹምዎ . . . ይርከበልኩም እዩ: ንስኻትኩም እንተ ሐደግኩምዎ ግና: ንሱ ኸኣ ኪሐድገኩም እዩ።” (2 ዜና መዋእል 15:⁠2) ስለዚ እምበኣር: ንቓል ኣምላኽ ምምርማር ብዛዕባ ዕላምኡ እንታይ ኢዩ ዝገልጸልና፧

ኣምላኽ ንሰባት ዝፈጠረሉ ምኽንያት

3. ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ብፍላይ ንሰባት ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ንምድሪ ከም ዘዳለዋ ኢዩ ዝገልጸልና። ኢሳይያስ 45:18 ኣምላኽ ንምድሪ “ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ’ ምዃኑ ኢያ እትዛረብ። ንምድሪ ድማ ሰባት ክነብሩላ ጥራይ ዘይኰነስ ንህይወት መሊኦም ንኽሕጐስሉ ዘድልዮም ኵሉ ነገራት ከም እተቕርብ ገይሩ ኢዩ ኣዳልዩዋ።​—⁠ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ከምኡውን 2

4. ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ዝፈጠሮም ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ብዛዕባ ምፍጣር ናይቶም ናይ መጀመርታ ሰባት: ኣዳምን ሄዋንን: ይዛረብ ኢዩ: ንሰብኣዊ ስድራቤት እንታይ ሓሲቡሎም ከም ዝነበረ ድማ ይገልጽ። “ኣምላኽ ከኣ፤ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ” በለ። (ዘፍጥረት 1:26) ሰባት ‘ንብዘላ ምድሪ’ ከምኡውን ነቶም ኣብኣ ዘለዉ እንስሳ ክገዝኡ ኢዩ ነይርዎም።

5. እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ኣበይ ኢዮም ዝቕመጡ ነይሮም፧

5 ኣምላኽ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤደን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ: ገፊሕ ስፍራ ኣታኽልቲ ገበረ። ድሕርዚ “ንሰብ ወሲዱ: ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን ኣቐ​መጦ።” ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ንመግቦም ዘድልዮም ኵሉ ነገራት ዝሓዘት ገነት ኢያ ነይራ። “ምርኣዩ ዜብህግ: ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም:” ከምኡውን ካልእ ዓይነት ኣትክልትን ብዙሓት ባህ ዘብሉ እንስሳታትን እውን ነይሩዋ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 2:​7⁠-9, 15

6. ሰባት ከመይ ዝበለ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ባህርያት ሒዞም ኢዮም እተፈጥሩ፧

6 እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ኣካላቶም ፍጹም ኰይኑ ስለ እተፈጥረ: ኣይሓሙን: ኣይኣርጉን: ወይ ኣይሞቱን ኢዮም ነይሮም። ከም ናጻ ምርጫ ዝኣመሰለ ካልእ ባህርያት እውን ተዋሂብዎም ኢዩ። ኣፈጣጥራኦም ኣብ ዘፍጥረት 1:27 ተገሊጹ ኣሎ:⁠- “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።” ብምስሊ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ኣካላውን ኣእምሮኣውን ባህርያት ጥራይ ዘይኰነስ: ስነ⁠-ምግባራውን መንፈሳውን ባህርያት እውን ተዋሂቡና ኢዩ: ብሓቂ ሕጕሳት ክንከውን እንተድኣ ኴንና ድማ እዚ መዳያት እዚ ክዓግብ ኣለዎ። ኣምላኽ ነዚ ድሌታት እዝን ነቲ መግቢ: ማይ: ከምኡውን ኣየር ክንረክብ ዘሎና ድሌትን ከነዕግበሉ እንኽእል መገዲ ከዳሉ ነበሮ። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠4

7. እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ትእዛዝ ኢዩ እተዋህቦም፧

7 ኣብ ርእሲ እዚ: ኣምላኽ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኤደን ከለዉ ‘ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ’ ዝብል ዘሐጕስ ትእዛዝ ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ ክፋረዩን ፍጹማት ቈልዑ ክወልዱን ይኽእሉ ነበሩ። ሰባት እናበዝሑ ምስ ከዱ ድማ: ንዶባት ናይታ ኣብ መጀመርታ ዝነበረት ስፍራ ኣታኽልቲ: ገነት ኤድን: ናይ ምስፍሕፋሕ ባህ ዘብል ዕዮ ክህልዎም ነበሮ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ምልእቲ ምድሪ በቶም ንዘለኣለም ክነብሩ ዝኽእሉ ፍጹማትን ሕጕሳትን ሰባት ክትመልእ ነበራ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ነገራት ስርሑ ከም ዝጅምር ገይሩ ምስ ኣዳለዎ “ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ብምባል ይሕብረና።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠31፣ ከምኡውን መዝሙር 118:17 ርአ።

8. ሰባት ብኸመይ ኢዮም ንምድሪ ክከናኸንዋ ዝነበሮም፧

8 ሰባት ነታ ዝገዝእዋ ምድሪ ንረብሕኦም ኢሎም ክጥቀሙላ ከም ዝነበሮም ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ግን ተሓታትነት ብዘለዎ መገዲ ኢዩ ክግበር ነይርዎ። ሰባት ንምድሪ መበላሸውታ ክዀኑ ዘይኰነስ: ብኽብሪ ዝሕዝዋ ኣገልገልቲ ክዀኑ ነበሮም። እዚ ሎሚ ብዓይንና እንርእዮ ዘሎና ምብልሻው ምድሪ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝጻረር ኢዩ: እቶም ኣብዚ ምብልሻው እዚ ግደ ዘለዎም ሰባት ድማ ኣንጻር እቲ ህይወት ኣብ ምድሪ ዘለዋ ዕላማ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ናይዚ መቕጻዕቲ ድማ ክረኽብዎ ኢዮም: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ከጥፍኦም’ ምዃኑ ኢዩ ዝዛረብ።​—⁠ራእይ 11:⁠18

ገና ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ

9. ዕላማ ኣምላኽ ከም ዝፍጸም ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

9 ስለዚ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ፍጹም ሰብኣዊ ስድራቤት ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብር ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ገና ድማ ዕላምኡ ኢዩ! እቲ ዕላማ እቲ ብዘይ ሓንቲ ጕድለት ክፍጸም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:⁠- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፤ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብኩዎ ኪኸውን: ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።” “ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ: ኣሚመ ኽገብሮውን እየ።”​—⁠ኢሳይያስ 14:24፣ 46:⁠11

10, 11. የሱስ: ጴጥሮስ: ከምኡውን ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ገነት እንታይ ኢዮም ዝበሉ፧

10 የሱስ ክርስቶስ ንመጻኢ ግዜ ዝኸውን ተስፋ ይደሊ ንዝነበረ ሰብኣይ ክዛረቦ ከሎ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገነት ንምምላስ ዘለዎ ዕላማ ነጊሩ ኢዩ:⁠- ‘ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ።’ (ሉቃስ 23:43) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን “ከምቲ ተስፋኡ [ናይ ኣምላኽ]: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን [ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዝገዝእ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ስርዓት] ሓድሽ ምድርን [ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ] ንጽበ አሎና” ብምባል ክንበ ኸሎ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓለም ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

11 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን ብዛዕባ እታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለምን ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም እትነብርን ጽሒፉ ኢዩ። “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” NW ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (መዝሙር 37:29) ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” ብምባል እተመባጽዐ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠5

12, 13. ኣምላኽ ንወድሰብ ዘለዎ ዓቢ ዕላማ ጽሙቕ ኣቢልካ ግለጽ።

12 ካብ ኵሉ ዓይነት እከይ: ገበን: ሕማም: ሓዘን: ከምኡውን ቃንዛ ናጻ ኣብ ዝዀነት ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ምንባርሲ ከመይ ዝበለ ዓቢ ተስፋ ኰን ኢዩ! ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ: ትንቢታዊ ቃል ኣምላኽ ነዚ ዓቢ ተስፋ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሚቑ የቕርቦ:⁠- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸ​ውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይ​ኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” ወሲኹ ኸኣ ከምዚ ይብል:⁠- “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ጽሐፍ: በለኒ።”​—⁠ራእይ 21:​4, 5

13 እወ: ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኡ ዓቢ ዕላማ ኣለዎ። እቲ ዕላምኡ ኸኣ በቲ እተማባጽዖ ክፍጽም ዝኽእልን ክፍጽሞ ድማ ዘለዎን ኣካል ኣቐዲሙ ተዘሪቡላ ዝነበረት ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም: ዘለኣለማዊት ገነት ክኸውን ኢዩ: ከመይሲ ‘ቃሉ እሙንን ሓቅን ኢዩ።’

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ስእልታት]

ኣምላኽ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ዓሊሙ ኢዩ። እዚ ድማ ገና ዕላምኡ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ዋና ገዛ ነቶም ገዝኡ ዘዕነዉ ተኻረይቲ ክጸባጸቦም ይኽእል ኢዩ