ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ዕላማ ኣለዋዶ፧

ህይወት ዕላማ ኣለዋዶ፧

1ይ ክፋል

ህይወት ዕላማ ኣለዋዶ፧

1. ብዛዕባ ዕላማ ህይወት መብዛሕትኡ ግዜ ዝቐርብ ሕቶ እንታይ ኢዩ: ሓደ ሰብከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ሓሳብ ኢዩ ዝሃበ፧

 ውዒሉ ሓዲሩ: ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ህይወት ዕላማ እንታይ ኰን ይኸውን ብምባል ይግረም ኢዩ። ኵነታት ናብራና ንምምሕያሽ: ንስድራቤታትና ዘድሊ ነገራት ንምቕራብ ኣበርቲዕና ክንዓዪ: ምናልባት ድሕሪ 70 ወይ 80 ዓመታት ክንመውት: ድሕሪኡ ድማ ንዘለኣለም ካብ ህላወ ከነቋርጽ ድዩ፧ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዝነበሮ ሓደ መንእሰይ: ህይወት ካብ “ምንባር: ቈልዑ ምውላድ: ሕጕስ ምዃን ድሕሪኡ ድማ ሙማት” ሓሊፉ ካልእ ዕላማ የብላን በለ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ሞትከ ብሓቂ መወዳእታ ናይ ኵሉ ነገር ድዩ፧

2, 3. ህይወት ዕላማ ንኽህልዋ ስጋዊ ሃብቲ ጥራይ ምእካብ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ኣብ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ሃገራት ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ናይ ምንባር ቀንዲ ዕላማ ስጋዊ ሃብቲ ንምእካብ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስምዖም። እዚ ድማ ናብ ሕጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ክመርሕ ከም ዝኽእል ይኣምኑ። ግናኸ ብዛዕባ እቶም ድሮ ስጋዊ ሃብቲ ዘለዎም ሰባትከ እንታይ ይበሃል፧ ካናዳዊ ጸሓፊ ሃሪ ብሩስ “ቍጽሮም እናበርከተ ዝኸይድ ዘሎ ሃብታማት ሰባት ሕጕሳት ከም ዘይኰኑ ኢዮም ኣትሪሮም ዝዛረቡ” በለ። ወሲኹ ድማ ከምዚ ይብል:⁠- “ወትሩ ኣሉታዊ ነገራት ናይ ምሕሳብ ሓደገኛ ኣረኣእያ ንሰሜን ኣመሪካ ለቢድዋ ከም ዘሎ መጽናዕታት ይሕብሩ። . . . ኣብዛ ዓለም እዚኣስ ሕጕስ ሰብ ይህሉ ዶዀን ይኸውን፧ እንተድኣ ኣልዩኸ እቲ ምስጢር እንታይ ኢዩ፧”

3 ናይ ሕ.መ.ኣ. ፕረዚደንት ዝነበረ ጂሚ ካርተር “ነገራት ምውናን ከምኡውን ነገራት ምህላኽ ነቲ ናይ ህይወት ትርጕም ንምርካብ ዘሎና ሃንቀውታ ከም ዘየዕግቦ ፈሊጥና ኣሎና። . . . ስጋዊ ጥሪት ምድላብ ነቲ ርእሰ⁠-ተኣማንነት ወይ ዕላማ ዘይብሉ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ናይ ባዶነት ስምዒት ክመልኦ ኣይክእልን ኢዩ” በለ። ካልእ ፖለቲካዊ መራሒ ድማ ከምዚ በለ:⁠- “ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይን ብዛዕባ ህይወተይን ዘሎ ሓቅታት ንምፍላጥ ንሓያለይ ዓመታት ዓሚቝ ምርምር ክገብር ጸኒሐ ኢየ፣ ኣነ ዝፈልጦም ካልኦት ብዙሓት ሰባት ድማ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝበዝሐ ቍጽሪ ዘለዎም ሰባት ‘እንታዎት ኢና፧ ብህይወት ናይ ምንባርና ዕላማኸ እንታይ ኢዩ፧’ ብምባል ይሓቱ ኢዮም ዘለዉ።”

ዝኸፍአ ኵነታት

4. ገሊኦም ሰባት ህይወት ገለ ዕላማ ከም ዘለዋ ዝጠራጠሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

4 ብዙሓት ሰባት ኵነታት ናብራ እናኸፍአ ክኸይድ ክርእዩ ኸለዉ ህይወት ዕላማ ከም ዘለዋ ይጠራጠሩ። ኣብ ምልእቲ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ከቢድ ሕማም ወይ ዋሕዲ መግቢ የጋጥሞም: እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሞት ናይ ገለ ዓሰርተ ሚልዮን ዝዀኑ ቈልዑ የስዕብ። ናብ 6 ቢልዮን ገጹ ዝጸጋጋዕ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም: ኣብ ዓመት ካብ 90 ሚልዮን ንላዕሊ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: 90 ካብ ሚእቲ ናይዚ ወሰኽ እዚ ድማ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኢዩ ዝርአ። እዚ ብቐጻሊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ: ነቲ ናይ መግቢ: መንበሪ ኣባይቲ: ከምኡውን ናይ ኢንዱስትሪ ኣድላይነት ይውስኸሉ ኢዩ: እዚ ድማ በቲ ካብ ኢንዱስትሪን ካልኦት በከልቲ ነገራትን ዝመጽእ ሳዕቤን ንምድሪ: ማይ: ከምኡውን ኣየር ተወሳኺ ጕድኣት ዘስ​ዕብ ኢዩ።

5. ነዚ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ኣግራብ እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞ ዘሎ፧

5 ዎርልድ ሚሊታሪ ኤንድ ሶሻል ኤክስፐንዲቸር 1991 እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ ጽሕፍቲ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ትህብ:⁠- “ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክንዲ [ዓባይ ብሪጣንያ] ዝስፍሓቱ ዱር ዘለዎ ከባቢ ይበርስ። በዚ ሕጂ ዘሎ መጠን (ናይ ኣግራብ ምብራስ) እንተድኣ ቀጺሉ: ኣብ 2000 ዓመት: 65 ካብ ሚእቲ ናይቲ ኣብ ጠሊ ዘለዎ ትሮፒካዊ ዞባታት ዝርከብ ዱር ክበርስ ኢዩ።” ብመሰረት ናይ ሕ.ሃ. ወኪል ዝሃቦ ጸብጻብ: ኣብቲ ከባቢ እቲ 10 ኣግራብ ክቝረጽ ከሎ 1 ገረብ ጥራይ ኢያ እትትከል፣ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ መጠነ⁠-​ዝምድና 20 ን1 ኢዩ። ስለዚ ናይ ምድረ በዳ ከባቢታት እናሰፍሐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ክንዲ ቤልጁም ዝኸውን ቦታ ንሕርሻዊ መዓላ ተባሂሉ ይባድም።

6, 7. ገለ ካብቲ ሰብኣውያን መራሕቲ ክፈትሕዎ ዘይከኣሉ ግድላት እንታይ ኢዩ: እንታይ ዝብሉ ሕቶታትከ ኢዮም መልሲ ዘድልዮም፧

6 ብተወሳኺ ድማ: ኣብዚ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበን ብሰንኪ ውግእ ዘጋጠመ ሞት: ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣርባዕተ ክፍለ⁠-ዘበናት ተደሚሩ ካብ ዘጋጠመ: ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኵሉ ቦታ: ገበን ብፍላይ ድማ ጭከና ዝመልኦ ገበን ይውስኽ ኢዩ ዘሎ። ናይ ስድራቤታት ምብትታን: ሓሽሽ ብዘይ ግቡእ ምጥቃም: አይድስ: ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት: ከምኡውን ካልእ ኣሉታዊ ረቛሒታት ንህይወት እናኸፍአ ከም ዝኸይድ ኢዩ ዝገብሮ ዘሎ። ናይ ዓለም መራሕቲ ድማ ነቲ ንሰብኣዊ ዓሌት ዘሳቕዮ ዘሎ ብዙሕ ግድላት መፍትሒ ክገብርሉ ኣይከኣሉን። ስለዚ እምበኣር: ሰባት ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብምባል ዝሓትሉ ምኽንያት ርዱእ ኢዩ።

7 ምሁራትን ሃይማኖታውያን መራሕትን ብዛዕባ እዚ ሕቶ እዚ እንታይ ይብሉ፧ እዚ ዅሉ ዘበናት ድሕሪ ምሕላፉኸ ዘዕግብ መልሲ ሂቦምዶ፧

ንሳቶም ዝብልዎ

8, 9. (ሀ) ሓደ ቻይናዊ ምሁር ብዛዕባ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ (ለ) ካብቲ ናይ ናዚ ደምበ⁠-ሞት ዝደሓነ ሰብ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

8 ሰዓቢ እምነት ኮንፉሽየስ ዝዀነ ዱ ዋ⁠-ሚንጅ እተባህለ ምሁር “እቲ ዝለዓለ ትርጕም ህይወት ኣብቲ ልሙድ: ሰብኣዊ ህላወና ኢዩ ዝርከብ።” ብመሰረት እዚ ኣረኣእያ እዚ: ሰባት ምውላድ: ንኽነብሩ ምቅላስ: ከምኡውን ሙማት ክቕጽሉ ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ተስፋ የብሉን። ንምዃኑኸ ሓቂ ድዩ፧

9 ካብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ናይ ናዚ ደምበታት ሞት ዝደሓነ ኤሊ ዊሰል “‘ስለምንታይ ኢና ንነብር ዘሎና፧’ ዝብል ሕቶ ደቅሰብ ክምልስዎ ዘለዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶ ኢዩ። . . . ትርጕም ዘይብሉ ሞት ርእየ እኳ እንተ ዀንኩ: ህይወት ትርጕም ከም ዘለዋ ኢየ ዝኣምን” በለ። ናይ ህይወት ትርጕም እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ግን ኣይከኣለን።

10, 11. (ሀ) ሓደ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ: ሰብ ነቲ መልሲ ክረኽቦ ከም ዘይክእል ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ናይ ፍልቀት ሊቅ ዝሃቦ ርእይቶ ኣዕጋቢ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ኣሰናዳኢ ጋዜጣ: ቨርሞንት ሮይስተር “ብዛዕባ ሰብ: . . . ኣብዚ ኣድማስ እዚ ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ክንሓስብ ከሎና ካብቲ ህይወት ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዝና ዝፈለጥናዮ ነገር ዳርጋ የለን። እንታዎት ኢና: ስለምንታይ ንነብር ኣለና: ናበይከ ኢና እንኸይድ ዘሎና ዝብሉ ሕቶታት ድማ ገና ኣይተመለሱን” ብምባል ገለጸ።

11 ናይ ፍልቀት ሊቅ ዝዀነ ስቴፈን ጀይ ጎልድ “ ‘ዝለዓለ’ መልሲ ክንረክብ ሃንቀው ንብል ንኸውን​—⁠ግናኸ የለን” በለ። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ናይ ፍልቀት ሊቃውንቲ: ህይወት እቲ ዝሓየለ ንምንባር ዝግበሮ ቃልሲ: ሞት መጺኡ ድማ ንዅሉ መወዳእታ ዝገብረሉ ኢዩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ እውን እንተዀነ ተስፋ ኣይህብን ኢዩ። ሕጂውን እንተዀነ እዝስ ሓቂ ድዩ፧

12, 13. ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን መራሕቲ ርእይቶታት እንታይ ኢዩ: ካብቲ እቶም ዓለማውያን ተዓዘብቲ ዝሃብዎ ርእይቶታትከ ብገለ መገዲ እውን ይኹን ኣዕጋቢ ድዩ፧

12 ብዙሓት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ድማ: ናይ ሓደ ሰብ ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት ናብ ሰማይ ከይዳ ንዘለኣለም ክትነብር ምእንቲ ክትክእል ሕጂ ጽቡቕ ምግባር ዕላማ ህይወት ከም ዝዀነ ይዛረቡ። እቲ ሕማቕ ንዝገብሩ ሰባት ዝዋሃብ ኣማራጺ ግን ኣብ ሲኦል ሓዊ ዘለኣለማዊ ስቓይ ምሕላፍ ኢዩ። ብመሰረት እዚ እምነት እዚ ግን: ከምቲ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ልሙድ ዝነበረ: ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተመሳሳሊ ዘየዕግብ ህይወት ምንባር ክቕጽል ኢዩ። ዕላማ ኣምላኽ ሰባት ከም መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ክነብሩ እንተድኣ ነይሩ ግን: ከምቲ ንመላእኽቲ ዝገበሮ ስለምንታይ ብመጀመርትኡ ኣብኡ ከም ዝነብሩ ገይሩ ዘይፈጠሮም፧

13 ኣቕሽሽቲ እውን ከይተረፉ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያታት የሸግሮም ኢዩ። ናይቲ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ሰይንት ፓውል ካቴድራል ዲን ዝነበረ ዶክተር ዳብሊው. ኣር. ኢንጅ ሓደ ግዜ ከምዚ በለ:⁠- “ምሉእ ህይወተይ ናይ ምንባር ዕላማ እንታይ ምዃኑ ንኽፈልጥ ጽዒረ ኢየ። ኵሉ ግዜ መሰረታውያን ኰይነን ዝስምዓኒ ዝነበራ ሰለስተ ሕቶታት ክምልሰን ድማ ፈተንኩ:⁠- ናይ ዘለኣለምነት ግድል፣ ናይ ሰብኣዊ ባህርይ ግድል፣ ከምኡውን ናይ እከይ ግድል። ኣይተዓወትኩን። ካብዚኣተን ሓንቲ ግድል እውን ትኹን ኣይፈታሕኩን።”

እቲ ሳዕቤን

14, 15. እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ርእይቶታት ኣብ ብዙሓት ሰባት እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ፧

14 ነቲ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዝለዓል ሕቶ ኣመልኪቶም ምሁራትን ሃይማኖታውያን መራሕትን ዝሃብዎ ኣዝዩ ብዙሕ እተፈላለየ ሓሳባት እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ፧ ብዙሓት ሰባት ከምቲ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ “ዳርጋ ምሉእ ህይወተይ ስለምንታይ ኢየ ዝነብር ዘሎኹ ኢለ ክሓትት ጸኒሐ ኢየ። ምንባረይ ዕላማ እንተድኣ ኣለዎ ድማ: ድሕሪ ደጊም ኣይግድሰንን ኢዩ” ዝበሎ ዓይነት መልሲ ኢዮም ዝህቡ።

15 ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ዓለም ሃይማኖታት ዘሎ ብዙሕ ርእይቶታት እተዓዘቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ: ሓደ ሰብ ኣብ ዝኣመነ ይእመን ብሓቂ ዘገድስ ኣይኰነን ኣብ ዝብል መደምደምታ ኢዮም በጺሖም። ሃይማኖት ናይ ኣእምሮ መዛነዪ ጥራይ: ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ህይወት ግድላት ክዋጽኣሉ ምእንቲ ክኽእል ንእሽቶ ናይ ኣእምሮ ሰላም ዝህቦ ነገር ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስምዖም። ካልኦት ድማ ሃይማኖት ካብ ማሪት ሓሊፉ ዝዀኖ ነገር ከም ዘየለ ኢዩ ዝስምዖም። ንዘበናት ዝኣክል ግዜ ዝቐጸለ ሃይማኖታዊ ግምታት ነቲ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዘሎ ሕቶ ኣይመለሶን: ንናብራ ናይቶም ተራ ሰባት እውን እንተዀነ ኣየማሓየሾን። እኳ ድኣስ: ናይዛ ዓለም እዚኣ ሃይማኖታት ንወድሰብ ካብ ምዕባለ ንድሕሪት ከም ዝጐተትኦ: ጠንቂ ጽልእን ውግእን ድማ ከም ዝዀንኦ ኢዩ ታሪኽ ዝሕብር።

16. ናይ ህይወት ዕላማ ምፍላጥ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧

16 እንተዀነ ግን: ነቲ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዘሎ ሓቂ ምፍላጡኸ ኣገዳሲ ድዩ፧ ናይ ኣእምሮ ጥዕና በዓል ሞያ ዝዀነ ቪክቶር ፍራንከል ከምዚ ዝብል መልሲ ይህብ:⁠- “ህይወት ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ክትፈልጥ ኢልካ ምጽዓር ኣብ ውሽጢ ሰብ ዝርከብ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ ኢዩ። . . . ደፊረ ክዛረበሉ ዝኽእል: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ህይወት ትርጕም ዘለዋ ምዃኑ ከም ምፍላጥ ገይሩ ንሓደ ሰብ ኣብ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንኽነብር ዝሕግዞ ካልእ ነገር የለን።”

17. ሕጂ ክንሓቶም ዘድልየና ሕቶታት ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧

17 ሰብኣዊ ፍልስፍናታትን ሃይማኖታትን ዕላማ ህይወት እንታይ ምዃኑ ብዘዕግብ መገዲ ካብ ዘይገለጽዎ: ዕላምኣ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ናበይ ኢና ክንከይድ እንኽእል፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘሎ ሓቂ ክነግረና ዝኽእል ናይ ዝለዓለ ጥበብ ምንጪ ኣሎዶ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክንዲ [ዓባይ ብሪጣንያ ] ዝስፍሓቱ ዱር ዘለዎ ከባቢ ይበርስ ”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

“ዳርጋ ምሉእ ህይወተይ ስለምንታይ ኢየ ዝነብር ዘሎኹ ኢለ ክሓትት ጸኒሐ ኢየ ”