ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መን ኢዩ ክነግረና ዝኽእል፧

መን ኢዩ ክነግረና ዝኽእል፧

2ይ ክፋል

መን ኢዩ ክነግረና ዝኽእል፧

1, 2. ዕላማ ናይ ሓደ እተነድፈ ነገር ንምፍላጥ እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

1 ዕላማ ህይወት ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ክነግረና ዝኽእል መን ኢዩ፧ ናብ ሓደ ማሽን ዝነድፍ ሰብ ኬድካ ሓንቲ ዘይትፈልጣ እተሓላለኸት ማሽን ክሰርሕ ከሎ እንተ ትርእዮ: ዕላምኣ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እቲ ዝበለጸ መገዲ ነቲ ዝነድፋ ዘሎ ሰብ ምሕታቱ ኢዩ።

2 ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ከባቢና እንርእዮ: ከም ኣብ ኵሎም ህያዋን ነገራት: ክሳዕ እቲ ዝደቐቐ ህያው ዝዀነ ዋህዮ እውን ከይተረፈ ዘሎ ንድፊኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እቶም ኣብ ውሽጢ ዋህዮ ዝርከቡ ኣዝዮም ደቀቕቲ ሞለኪዩልን ኣቶምን እውን ከይተረፈ ብዘደንቕ መገዲ እተነድፉን እተሰርዑን ኢዮም። እቲ ብዘገርም መገዲ እተነድፈ ናይ ሰብ ኣእምሮኸ፧ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንሕና እንርከበሉ ስርዓተ⁠-ጸሓይ: ጸባዊ⁠-መገዲ: ከምኡውን ኣድማስ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እዚ ዅሉ ዘደንጹ ንድፍታት እዝስ ዝነድፍ ኣካል ኣየድልዮንዶ፧ ብርግጽ: እዚ ኣካል እዚ ነዚ ንኸምዚ ዝበለ ነገራት ስለምንታይ ከም ዝነደፎ ክነግረና ይኽእል ኢዩ።

ህይወት ብኣጋጣሚ ድያ ጀሚራ፧

3, 4. ህይወት ብኣጋጣሚ ንኽጅምር ዘለዎ ተኽእሎ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧

3 ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና “ነቲ ኣብ ህያዋን ፍጥረታት ዝርከብ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ሕልኽላኻትን ምምሕዳርን” ገለጾ እሞ: ወሲኹ ድማ “ኣብ ዕምባባታት: ደቀቕቲ ነፍሳት ወይ ኣብ መጥበውቲ እተገብረ ደቂቕ መርመራ: ኣብቲ ክፍሊ ኣካላት ዳርጋ ንምእማኑ ዘጸግም ልክዕነት ዝሓዘ ስርዓት ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብር” በለ። እንግሊዛዊ ናይ ስነ⁠-ኮኸብ ተማራማሪ: ሰር በርናንድ ሎቨል: ነቲ ኣብ ህያዋን ፍጥረታት ዘሎ ስነ⁠-ቐመማዊ ውህደት ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ብኣጋጣሚ ዝፍጸም ነገር . . . ነቲ ኣዝዩ ዝደቐቐ ናይ ፕሮቲን ሞለክዩል ከም ዝቐውም ንምግባር ዘለዎ ተኽእሎ ፈጺሙ ኣብ ቍጽሪ ዘይኣቱ ኢዩ። . . . ምሉእ ብምሉእ ባዶ ኢዩ።”

4 ብተመሳሳሊ: ፍሬድ ሆይል እተባህለ ናይ ስነ⁠-ኮኸብ ተመራማሪ ከምዚ በለ:⁠- “ኵሉ እቲ ቅቡል ትምህርቲ ስነ⁠-ህይወት: ገና ነቲ ህይወት ብሃውሪ ኢዩ ጀሚሩ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዝድግፍ። ተመራመርቲ ስነ⁠-ቐመም ህይወታውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ዘደንጹ ሕልኽላኻት ዝያዳ እናፈለጡ ምስ ከዱ ግን: ህይወት ሃንደበት ንኽጅምር ዝህልዎ ኣጋጣሚታት ኣብ ቍጽሪ ስለ ዘይኣቱ ፈጺሙ ክኸውን ዘይከኣል ነገር ምዃኑ ግሁድ ኢዩ። ህይወት ብኣጋጣሚ ክጅምር ኣይክእልን ኢዩ።”

5-7. ሞለኲላዊ ስነ⁠-​ህይወት: ህይወት ዘለዎም ነገራት ብኣጋጣሚ ክጅምሩ ከም ዘይክእሉ ዘረጋግጽ ብኸመይ ኢዩ፧

5 ሞለኲላዊ ስነ⁠-ህይወት ሓደ ካብቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝመጹ ዓውድታት ስነ⁠-ፍልጠት ኰይኑ: ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ነገራት ብደረጃ ጂን: ሞለክዩል: ከምኡውን ኣቶም ዝግበር መጽናዕቲ ኢዩ። ናይ ሞለኲላዊ ስነ⁠-ህይወት ተመራማሪ ሚካኤል ደንተን ብዛዕባ እቲ ክሳዕ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ይህብ:⁠- “እቲ ብዙሕ ሕልኽላኻት ከም ዘይብሉ ገይርካ ዝውሰድ ፍሉጥ ዋህዮ እኳ ኣዝዩ ብዙሕ እተሓላለኸ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ከምዚ ዝበለ ነገር ሃንደበት ብሓደ ትጽቢት ዘይተገብሮን ክኸውን ዘይክእልን ፍጻመ ንሓድሕዱ ባዕሉ እተገጣጠመ ኢዩ ኢልካ ክትቅበሎ ዘይከኣል ኢዩ።” “ዝያዳ በዳሂ ኰይኑ ዘሎ ግን እቲ ኣብ ህይወት ዘለዎም ነገራት ዝርከብ እተሓላለኸ ኣገባባት ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ወትሩ ኣብ ኣነዳድፍኦም ዝንጸባረቕ ንምእማኑ ዘጸግም ውሕልነት እውን ኢዩ።” “እቲ ናይ ስነ⁠-ህይወታዊ ንድፊ ውሕልነትን ፍጽምና ናይቲ ብእኡ ኣቢሉ እተበጽሐ ሸቶታትን ዝያዳ ጐሊሑ ዝፍለጥ . . . ኣብ ናይ ሞለክዩል ደረጃ ኢዩ።”

6 ደንተን ቀጺሉ ከምዚ ይብል:⁠- “ኣብ ኵሉ ቦታ እንተ ጠመትና: ኣዕሚቝና እውን ንርኣዮ: ነቲ ህይወት ብኣጋጣሚ ኢዩ መጺኡ ዝብል ሓሳባት ፈጺሙ ዋጋ ከም ዘይብሉ ዝገብሮ ምሉእ ብምሉእ ብሉጽ ዝዓይነቱ ኣሰራርዓን ውሕልነትን ኢና እንረክብ። እቲ ዝደቐቐ ባእታ​—⁠ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ፕሮቲን ወይ ጂን​—⁠ካብቲ ናይ ምምሃዝ ዓቕምታትና ንላዕሊ እተሓላለኸ: ምስቲ ህይወት ብኣጋጣሚ ኢዩ መጺኡ ዝብል ሓሳብ ኣዝዩ ዝጻረር: ነቲ ብናይ ሰብ ምስትውዓል እተሰርሐ ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ብዅሉ መዳይ ዝበልጾ ጭቡጥ ነገር: ብናይ ሃውሪ መስርሕ ክቐውም ይኽእል ኢዩ ምባልስ ብሓቂ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧” ወሲኹ ድማ “ኣብ መንጎ ሓደ ህያው ዋህዮን ከም ክሪስታል ወይ ከም ናይ በረድ ሓቒቕ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዝለዓለ ስርዓት ዝሓዘ ዘይስነ⁠-ህይወታዊ ኣገባብን ዘሎ ጋግ: ክንዲ እቲ ምርድኡ ንኽትክእል ዘሎ ስፍሓት ኢዩ ዝኸውን።” ቼት ረይሞ እተባህለ ናይ ፊዚክስ ፕሮፌሰር ድማ “ፈጺሙ ደንጽዩኒ ኢዩ ዘሎ። . . . ነፍሲ ወከፍ ሞለክዩል ስርሓ ክትፍጽም ተባሂላ ብዘስደምም መገዲ እተማህዘት ኢያ እትመስል” ብምባል ይገልጽ።

7 ናይ ሞለኲላዊ ስነ⁠-ህይወት ተመራማሪ ሚካኤል ደንተን “ነዚ ዅሉ ሓድሽ ጭብጥታት ውጽኢት ናይ ጭው ዝበለ ኣጋጣሚ ኢዩ ብምባል ገና ብድርቅና ዝጣበቑ ዘለዉ ሰባት” ኣብ ጽውጽዋይ ይኣምኑ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝድምድም። አረ: ነቲ ህይወት ዘለዎ ነገራት ብኣጋጣሚ ኢዩ ጀሚሩ ዝብል ናይ ዳርዊን እምነት: “ብዛዕባ መበቈል ኣድማስ ዘዘንቱ ናይ መበል ዕስራ ክፍለ⁠-ዘበን ዝዓበየ ጽውጽዋይ” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖ።

ሓደ ንድፊ ንኽህሉ ዝነድፍ ኣካል የድልዮ ኢዩ

8, 9. ኵሉ እተነድፈ ነገራት ዝነደፎ ኣካል ከም ዘለዎ ሓደ መረድኢ ሃብ።

8 ህይወት ዘይብሎም ነገራት ብኣጋጣሚ: ብገለ ሃንደበታዊ ፍጻመ ናብ ህይወት ክመጹ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ጥርጠራ ፈጺሙ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ። እወ: ነፍሲ ወከፍ እተነድፈ ነገር ናይ ግድን ዝነድፍ ኣካል ስለ ዘለዎ: ኵሎም እቶም ብዝለዓለ መገዲ እተነድፉ ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ህይወት ዘለዎም ነገራት ብሃንደበት ክመጹ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዘይ ነዳፊ ዝመጹ ገለ እትፈልጦም ፍልይ ዝበሉ ነገራት ኣለዉ ድዮም፧ ፈጺሞም የለዉን። እቲ ንድፊ ዝያዳ እተሓላለኸ ምስ ዝኸውን: እቲ ዝነድፍ ኣካል ድማ ዝያዳ ክእለት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ።

9 ነቲ ጕዳይ በዚ ዝስዕብ መገዲ እውን ከነብርሆ ንኽእል ኢና:⁠- ሓደ ስእሊ ክንርኢ ከሎና: ሓደ ሰኣሊ ምህላዉ መረገገጺ ከም ዝዀነ ገይርና ንቕበሎ ኢና። መጽሓፍ ከነንብብ ከሎና: ሓደ ደራሲ ምህላዉ ንቕበሎ ኢና። ሓደ ገዛ ክንርኢ ከሎና: ሓደ ሃናጺ ከም ዘሎ ንቕበሎ ኢና። ናይ ትራፊክ መብራህቲ ክንርኢ ከሎና: ሓደ ሕጊ ዘውጽእ ኣካል ምህላዉ ንፈልጥ ኢና። ኵሎም እዞም ነገራት እዚኣቶም በቶም ዝሰርሕዎም ሰባት ንሓደ ዕላማ ኢዮም ተሰሪሖም። ብዛዕባ እቶም ዝነደፍዎም ብዙሕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተዀንና: ዝሰርሕዎም ሰባት ምህላዎም ግና ኣይንጠራጠርን ኢና።

10. ዝለዓለ ነዳፊ ከም ዘሎ ዝሕብር እንታይ መርትዖ ኢዩ ክርአ ዝከኣል፧

10 ብተመሳሳሊ: ሓደ ዝለዓለ ነዳፊ ምህላዉ ዝሕብር መርትዖ ኣብቲ ንድፊ: ስርዓት: ከምኡውን ኣብቲ ምትሕልላኻት ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ህይወት ዘለዎም ነገራት ክርአ ይከኣል ኢዩ። ኵላቶም ሓደ ኣዝዩ ዝለዓለ ምስትውዓል ዘለዎ ኣካል ከም ዘሎ ኢዮም ዝሕብሩ። ኣድማስ: ምስቲ ነፍሲ ወከፉ ቢልዮናት ከዋኽብቲ ዝርከቦ ብቢልዮናት ዝቝጸር ጋላክሲታት ሓዊስካ: ሒዝዎ ዘሎ ንድፊ: ስርዓት: ከምኡውን ምትሕልላኻት እውን ነዚ ዝሕብር ኢዩ። ኵሉ እዚ ሰማያዊ ኣካላት ድማ: ብኸም ናይ ምንቅስቓስ: ሙቐት: ብርሃን: ድምጺ: ኤሌክትሮማግኔቲዝም: ከምኡውን ናይ ስሕበት ዝኣመሰለ ዘተኣማምን ልክዕነት ዘለዎ ሕግታት ኢዩ ዝካየድ። ብዘይ ሓጋግ ሕጊ ክመጽእ ዝኽእል ሕግታት ኣሎ ድዩ፧ ናይ ሮኬት ሊቅ ዝዀነ ዶ/ር ቨርንሀር ፎን ብራውን ከምዚ በለ:⁠- “እቲ ናይ ኣድማስ ባህርያዊ ሕግታት ኣዝዩ ዘተኣማምን ልክዕነት ዘለዎ ብምዃኑ ናብ ወርሒ እትበርር ናይ ጠፈር ሮኬት ንምስራሕ ኣይጽግመናን ኢዩ: ካብ ሓንቲ ካልኢት ብዝውሕድ ልክዕነት ገይርና ድማ ንግዜ ናይቲ በረራ ክንዕቅኖ ንኽእል ኢና። እዚ ሕግታት እዚ ግድን ብሓደ ኣካል እተሰርዐ ክኸውን ኣለዎ።”

11. ብዓይንና ክንርእዮ ስለ ዘይከኣልና ጥራይ ንህላወ ናይ ሓደ ዝለዓለ ነዳፊ ክንክሕድ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ሓቂ ኢዩ: ነዚ ዝለዓለ ነዳፍን ሓጋግ ሕግን ብስጋዊ ኣዒንትና ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ግናኸ ንኸም ስሕበት: ማግኔትነት: ኤሌክትሪሲቲ: ወይ ማዕበላት ረድዮ ዝኣመሰለ ነገራት ክንርእዮ ጥራይ ስለ ዘይከኣልናስ ህላወኡ ንኽሕድ ዲና፧ ኣይፋልናን: ኣይንኽሕድን ኢና: ከመይሲ ነቲ ከም ውጽኢት ናቱ ዝፍጸም ነገራት ክንዕዘቦ ንኽአል ኢና። እምበኣር: ንውጽኢት ናይቲ ዘደንቕ ተግባር ኢዱ ዝዀነ ነገራት ክንዕዘቦ እናኸኣልና: ብዓይንና ክንርእዮ ጥራይ ስለ ዘይከኣልና ንህላወ ናይ ሓደ ዝለዓለ ነዳፍን ሓጋግ ሕግን ዝዀነ ኣካል እንኽሕድ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧

12, 13. ብዛዕባ ህላወ ናይ ፈጣሪ እቲ መርትዖ እንታይ ኢዩ ዝብል፧

12 ናይ ፊዚክስ ፕሮፌሰር ዝዀነ ፖውል ደቪስ: ናይ ሰብ ብህይወት ምንባር ብዕድል ዝመጸ ነገር ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝድምድም። ንሱ ከምዚ ይብል:⁠- “ብሓቂ ኣብዚ ክንነብር ኢና ተፈጢርና።” ንኣድማስ ኣመልኪቱ ኸኣ “ካብቲ ስነ⁠-ፍልጠታዊ ስርሐይ: እዚ ዝርአ ኣድማስ ብሓደ ኣዝዩ ዘደንጹ ውሕልነት ዝቘመ ምዃኑ ዝያዳ ኣጸቢቐ ክኣምን ስለ ዝኸኣልኩ: ምኽንያቱ ዘይግለጽ ሓቂ ጥራይ ከም ዝዀነ ገይረ ክቕበሎ ኣይክእልን ኢየ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ: ዕምቝ ዝበለ መግለጺ ክህሉ ኣለዎ።”

13 ስለዚ: እቲ መርትዖ ኣድማስ: ምድሪ: ከምኡውን ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ህይወት ዘለዎም ነገራት ብኣጋጣሚ ክመጹ ከም ዘይክእሉ ኢዩ ዝሕብረና። ኵሎም ብዛዕባ ሓደ ዝለዓለ መስተውዓሊ ኣካል ዝዀነ ሓያል ፈጣሪ ድምጺ ዘይብሉ ምስክርነት ኢዮም ዝህቡ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል

14. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈጣሪ እንታይ መደምደምታ ኢዩ ዝህብ፧

14 እቲ ናይ ወድሰብ ጥንታዊ መጽሓፍ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ኢዩ ዝህብ። ንኣብነት: እታ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተጻሕፈት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ እብራውያን “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ብምባል ትነግረና። (እብራውያን 3:⁠4) እታ ብሃዋርያ ዮሃንስ እተጻሕፈት መወዳእታ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምዚ ትብል:⁠- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”​—⁠ራእይ 4:⁠11

15. ንገለ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ባህርያት ብኸመይ ኢና ክንርድኦ እንኽእል፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ክርአ ዘይክኣል እኳ እንተዀነ: እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ግን ካብቲ ዝፈጠሮ ነገራት ምርድኡ ከም ዝከኣል ይገልጽ ኢዩ። ከምዚ ይብል:⁠- “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ [ናይ ፈጣሪ] ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።”​—⁠ሮሜ 1:​20

16. ሰባት ንኣምላኽ ክርእይዎ ዘይምኽኣሎም ሕጕሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሳዕቤን ናብ ምኽንያት ኢዩ ዝወስደና።adjustment notice ሳዕቤን​—⁠እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ዘደንጹ ነገራት​—⁠መስተውዓሊ: ሓያል ዝዀነ ምኽንያት: ማለት ኣምላኽ ከም ዘሎ ዝሕብር መርትዖ ኢዩ። ከም ፈጣሪ ናይዚ ዅሉ ኣድማስ መጠን ብዘይ ጥርጥር መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎ: ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ብስጋዊ ዓይኖም ርእዮምዎ ብህይወት ንምንባር ትጽቢት ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም: ስለዚ ዘይርአ ብምዃኑ መመስገንቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ልክዕ ከምኡ ኢዩ ዝብል:⁠- “ሰብ ርእዩኒ [ንኣምላኽ] ብህይወት ኣይነብርን እዩ።”​—⁠ዘጸኣት 33:⁠20

17, 18. ፈጣሪ ኣሎ ዝብል ኣምር ከገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ሓደ ዓቢ ነዳፊ: ዝለዓለ ኣካል​—⁠ኣምላኽ​—⁠ኣሎ ዝብል ኣምር ኣዝዩ ከገድሰና ኣለዎ። ብሓደ ፈጣሪ እተደኰንና እንተድኣ ኴንና: ክፈጥረና ኸሎ ብርግጽ ምኽንያት: ዕላማ ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። ህይወትና ዕላማ ዘለዋ ኰይና እንተድኣ ተፈጢራ ድማ: ነገራት ንመጻኢ ግዜ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ተስፋ ንኽንገብር ምኽንያት ኣለና። እንተ ዘይኰይኑ ብዘይ ዕላማ ንነብር ብዘይ ተስፋ ድማ ንመውት። ስለዚ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባና ዘለዎ ዕላማ ምፍላጡ ኣዝዩ የገድሰና ኢዩ። ድሕርዚ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ክንነብር ንደሊ ዲና ወይስ ኣይንደልን ክንመርጽ ንኽእል ኢና።

18 መጽሓፍ ቅዱስ: ፈጣሪ ብዛዕባና ብዙሕ ዝግደስ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ እውን ይገልጽ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ” በለ። (1 ጴጥሮስ 5:7፣ ከምኡውን ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 4:​8, 16 ርአ።) ሓደ ካብቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝግደሰልና ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ: ነቲ ኣእምሮናን ኣካላትናን ክፈጥር ከሎ እተጠቕመሉ ዘገርም ኣገባብ ብምምርማር ኢዩ።

‘ዘደንቕ ኣፈጣጥራ’

19. ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ነየናይ ሓቂ ኢዩ ከም እነቕልበሉ ዝገበረ፧

19 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ” ብምባል ኣፍልጦ ሂቡ ኢዩ። (መዝሙር 139:14) ብርግጽ ድማ እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ: ከመይሲ ናይ ሰብ ሓንጎልን ኣካልን በቲ ዝለዓለ ነዳፊ ብዘደንቕ መገዲ እተነድፈ ኢዩ።

20. ሓደ መዝገበ⁠-ፍልጠት ንሓንጎል ሰብ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧

20 ንኣብነት: ሓንጎልካ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኮምፒዩተር ንላዕሊ እተሓላለኸ ኢዩ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “እቲ ኣብ ውሽጢ ስነ⁠-መትናዊ ኣገባብ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ዕዮ ካብቲ ዝዓበየ ናይ ተለፎን ርክባት ንላዕሊ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኢዩ፣ ሓንጎል ሰብ ግድላት ንምፍታሕ ዘለዎ ዓቕሚ ድማ ካብቲ ናይተን ኣዝየን ምዕቡላት ኮምፒዩተራት ዝበልጽ ኢዩ።”

21. ነቲ ሓንጎል ዝገብሮ ዕዮ ምስ ረኣና: እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም ዘሎና፧

21 ኣብ ሓንጎልካ ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ጭብጥታትን ናይ ኣእምሮ ምስልታትን ኢዩ ዝኽዘን: ናይ ጭብጥታት መኽዘን ጥራይ ግን ኣይኰነን። ብእኡ ገይርካ ብኸመይ ከም እትፋጺ: ብኸመይ ሕብስቲ ከም እትስንክት: ብኸመይ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ከም እትዛረብ: ብኸመይ ኮምፒዩተር ከም እትጥቀም: ወይ ብኸመይ ነፋሪት ከም እተብርር ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። ግዜ ዕረፍቲ ከመይ ከም ዝመስል ወይ ሓደ ፍረ ክሳዕ ክንደይ ምቁር ምዃኑ ብኣእምሮኻ ክትስእሎ ትኽእል ኢኻ። ነገራት ክትንትንን ክትሰርሕን ትኽእል። ክትምድብ: ከተማሱ: ከተፍቅር: ከምኡውን ሓሳባትካ ምስቲ ዝሓለፈን ዘሎን ዝመጽእን ግዜ ከተተሓሕዞ እውን ትኽእል ኢኻ። ንሕና ሰባት ከምቲ ዘደንጹ ናይ ሰብ ሓንጎል ዝኣመሰለ ነገራት ክንነድፍ ስለ ዘይንኽእል: እቲ ዝነደፎ ኣካል ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ዝዓበየ ጥበብን ክእለትን ከም ዘለዎ ንጹር ኢዩ።

22. ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሓንጎል ሰብ እንታይ ኢሎም ኢዮም እተኣመኑ፧

22 ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሓንጎል ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይእመኑ:⁠- “እዚ ብዘደንቕ መገዲ እተቐርጸ: ብስርዓትን ዘገርም መገድን እተሓላለኸ ንእሽቶ ማሽን: ነዚ ዕዮታት እዚ ብኸመይ ከም ዝዓዮ ፈጺሙ ክፍለጥ ዘይከኣል ኢዩ። . . . ደቅሰብ ንዅሉ እቲ ሓንጎል ዘቕርቦ እተፈላለየ ግድላት ፈጺሞም ክፈትሕዎ ኣይክእሉን ኢዮም።” (ሳይንትፊክ ኣመሪካን [እንግሊዝኛ]) ናይ ፊዚክስ ፕሮፌሰር: ረይሞ ድማ ከምዚ ይብል:⁠- “ሓቂ ክንዛረብ እንተድኣ ኴንና: ሓንጎል ሰብ ብኸመይ ሓበሬታ ከም ዝኽዝን ወይ ድማ ከመይ ኢሉ ኣብ ዝደለዮ ግዜ ተዘክሮታት ከለዓዕል ከም ዝኽእል ገና ብዙሕ ዘይንፈልጦ ነገራት ኣሎ። . . . ኣብ ሓንጎል ሰብ ሚእቲ ቢልዮን ዝዀኑ ናይ መትኒ ዋህዮታት ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ድማ ከም ናይ ገረብ ጨነፍር ዝመስል ኣሰራርዓ ብዘለዎ ሲናፕስስ እናተተሓሓዘ ምስ ካልኦት ኣሽሓት ዋህዮታት ርክብ ይገብር። እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ውሽጣዊ ርክብ ንምግባር ዘለዎ ተኽእሎታት ድማ ንምርድኡ ብዘጸግም መገዲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኢዩ።”

23, 24. ገለ ካብቶም ብዘደንቕ መገዲ እተነድፉ ክፍልታት ኣካል ጥቐስ: ሓደ መሃንድስከ እንታይ ሓሳብ ኢዩ ዝሃበ፧

23 ኣዒንትኻ ካብ ዝዀነት ትኹን ዓይነት ካሜራ ንላዕሊ ዘተኣማምን ልክዕነትን ምውህሃድን ዘለዎ ኢዩ፣ አረ: ምሉእ ብምሉእ ኣውቶማቲክ ከምኡውን ባዕሉ ዝተዓራረ ናይ ሕብራዊ ተንቀሳቐሲ ስእሊ ካሜራ ኢዩ። ኣእዛንካ እተፈላለየ ዓይነት ድምጽታት ከለሊ ዝኽእል ከምኡውን ኣንፈት ዝሕብረካን ሚዛንካ ድማ ከም እትሕሉ ዝገብረካን ኢዩ። ልብኻ እቶም ዝበለጹ መሃንድሳት ከምኡ ክሰርሑ ዘይከኣሉ ዓቕሚ ምጭንጓዕ ዘለዎ ፖምፓ ኢዩ። ካልኦት ዘደንቑ ክፍልታት ኣካል:⁠- ኣፍንጫኻ: መልሓስካ: ኣእዳውካ: ከምኡውን ናይ ዑደት ደምን ምሕቃቕ መግብን ኣገባባት ድማ ሒደት ካብኣቶም ኢዮም።

24 በዚ ድማ ኢዩ: ሓንቲ ዓባይ ኮምፒዩተር ክነድፍን ክሰርሕን እተቘጽረ መሃንድስ “እዛ ኣነ ዝሰርሓ ኮምፒዩተር ነዳፊ ዘድልያ እንተድኣ ኰይና: እቲ ንርእሱ ኣዝዩ ዝደቐቐ ክፍሊ ናይቲ ዳርጋ መወዳእታ ዘይብሉ ኣድማስ ዝዀነ ክነሱ እተሓላለኸ ኣካላውን ስነ⁠-ቐመማውን ስነ⁠-ህይወታውን ውህደት ዝጠርነፈ ማሽን: ማለት ሰብኣዊ ኣካለይከ ድኣ ክንደይ ዝያዳ ሰራሒ ዘየድልዮ፧” ብምባል ናይ ምስትውዓል ሓሳብ ሃበ።

25, 26. እቲ ዝዓበየ ነዳፊ እንታይ ክነግረና ኢዩ ክኽእል ዘለዎ፧

25 ከምቲ ሰባት ነፈርቲ: ኮምፒዩተራት: ብሽክለታታት: ከምኡውን ካልእ መተዓየዪታት ክሰርሑ ከለዉ ኣብ ኣእምሮኦም ዕላማ ዘለዎም: እቲ ንሓንጎልን ኣካልን ሰባት ዝነደፈ ድማ ክነድፈና ከሎ ግድን ዕላማ ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። ካባና ነቲ ናቱ ንድፍታት ክቐድሖ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ስለ ዘየለ: እዚ ነዳፊ እዚ ካብ ናይ ሰባት ዝበልጽ ጥበብ ክህልዎ ኣለዎ። እምበኣር: ስለምንታይ ከም ዝደኰነና: ስለምንታይ ኣብ ምድሪ ከም ዘንበረና: ከምኡውን ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘለና ክነግረና ዝኽእል ኣካል ንሱ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።

26 ነዚ ነገራት እዚ ምስ ተማሃርናዮ: ድሕርዚ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዘደንቕ ሓንጎልን ኣካልን ነቲ ህይወትና ዘለዋ ዕላማ ኣብ ምፍጻም ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ዕላማታቱ ግን ኣበይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ ነቲ ሓበሬታ እቲኸ ኣበይ ኢዩ ሂቡና ዘሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ነገር ስለምንታይ ከም እተነድፈ ንምፍላጥ እቲ ዝበለጸ መገዲ ነቲ ዝነደፎ ኣካል ምሕታት ኢዩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ህይወት ዘለዎም ነገራት ዝርከብ ሕልኽላኻትን ንድፍን ኣብቲ ናይ ዲኤንኤ ሞለክዩል ክርአ ይከኣል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

“ሓንጎል ሰብ ግድላት ንምፍታሕ ዘለዎ ዓቕሚ ካብቲ እተን ኣዝየን ምዕቡላት ኮምፒዩተራት ዘለወን ዓቕሚ ዝበልጽ ኢዩ ”