ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ

ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ

3ይ ክፋል

ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ

1, 2. ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

1 መጽሓፍ ቅዱስ ናይቲ ዝለዓለ ጥበብ መዝገብ ድዩ፧ ነቲ ምስ ዕላማ ህይወት እተተሓሓዘ ኣገደስቲ ሕቶታት ዝኸውን ናይ ሓቂ መልስታት ክህበና ይኽእልዶ፧

2 ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ዝግብኣና መጽሓፍ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ምኽንያት: ቅድሚ ሕጂ ካብ እተዳለወ ዝዀነ ካልእ ዓይነት መጻሕፍቲ ኣዝዩ ዝበለጸን እተፈልየን ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ጭብጥታት ርአ።

ጥንታውን ብሰፊሑ እተዘርግሐን መጽሓፍ

3, 4. መጽሓፍ ቅዱስ ዕድሚኡ ክንደይ ኢዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ሕጂ ካብ እተጻሕፉ መጻሕፍቲ እቲ ናይ ጥንቲ ኢዩ: ገለ ክፍልታቱ 3,500 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ኢዩ ተዳልዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ዝበሃል መጻሕፍ ንላዕሊ ናይ ብዙሕ ዘበናት ዕድመ ዘለዎ ኢዩ። ካብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ 66 መጻሕፍቲ እታ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ካብ ቡድሃን ኮንፊሽየስን ዳርጋ ቅድሚ ሽሕ ዓመታት: ካብ መሓመድ ድማ ገለ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቐዲማ ኢያ ተጻሒፋ።

4 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ካብቲ ሰብኣዊ ዓሌት እተፈጥረሉ እዋን ኢዩ ዝጅምር: ከመይ ኢልና ኣብዛ ምድሪ ክንነብር ከም ዝጀመርና ድማ ይገልጽ። ንኣመሰራርታ ምድሪ ዝምልከት ጭብጥታት ብምሃብ ናብቲ ሰባት ቅድሚ ምፍጣሮም ዝነበረ ግዜ እውን ከይተረፈ ይወስደና ኢዩ።

5. ምስቲ ዓለማዊ ጽሑፋት ክወዳደር ከሎ ክንደይ ዝኣክል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ⁠-ጽሑፋት ኢዩ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርከብ፧

5 ካልእ ሃይማኖታውን ዘይሃይማኖታውን መጻሕፍቲ: ካብቲ ጥንታዊ ኢደ⁠-ጽሑፋቱ ሒደት ቅዳሓት ጥራይ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ። ዳርጋ 11,000adjustment notice ዝኸውን ብኢድ እተጻሕፈ ቅዳሓት ናይ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ክፋሉ ብቛንቋታት እብራይስጥን ግሪኽን ይርከብ ኣሎ: ገለ ካብኡ ድማ ናብቲ እቲ በዅሪ ጽሑፋት እተዳለወሉ ግዜ ዝቀራረብ ዕድመ ኢዩ ዘለዎ። ኣንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ጽዑቕ ዝዀነ ብርቱዕ መጥቃዕቲ እኳ እንተ ተፈተነ: እዚ ጽሑፋት እዚ ግን ክሳዕ ሕጂ ክጸንሕ ክኢሉ ኢዩ።

6. መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ኢዩ ተዘርጊሑ ዘሎ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ እቲ ብብዝሒ እተዘርግሐ መጽሓፍ እውን ኢዩ። ዳርጋ ሰለስተ ቢልዮን ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ክፋሉ ብገለ ክልተ ሽሕ ቋንቋታት ተዘርጊሑ ኢዩ። 98 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ዓሌት ሰብ ብቛንቋኡ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ ከም ዝኽእል ይንገር። ናብ ከምዚ ዝበለ ዝርጋሐ ዝቐርብ ካልእ መጽሓፍ የለን።

7. ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕነት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧

7 ብተወሳኺ: ብልክዕነቱ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወዳደር ካልእ ጥንታዊ መጽሓፍ የለን። ሊቃውንቲ: ጸሓፍቲ ታሪኽ: ተመራመርቲ ስነ⁠-ጥንቲ: ናይ ጂኦግራፍ ምሁራት: ናይ ቋንቋ ክኢላታት: ከምኡውን ካልኦት ሰባት ሓቅነት ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም ኢዮም።

ስነ-ፍልጠታዊ ልክዕነት

8. መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ⁠-ፍልጠት ዝመጸ ልክዕ ዝዀነ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧

8 ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ⁠-ፍልጠት መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ: ብዛዕባ ስነ⁠-ፍልጠታዊ ነገራት ክዛረብ ከሎ ምስቲ ሓቀኛ ስነ⁠-ፍልጠት ይሰማማዕ ኢዩ። ከም ቅዱስ ዝርአ ካልእ ጥንታዊ መጻሕፍቲ ግን ስነ⁠-ፍልጠታዊ ጽውጽዋያት: ብዙሕ ጌጋታት: ከምኡውን ጭው ዝበለ ሓሶት ዝሓዘ ኢዩ። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ንስነ⁠-ፍልጠታዊ ልክዕነት ዝምልከት ብዙሕ ኣብነታት ኣርባዕተ ጥራይ ርአ:⁠-

9, 10. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ እተጻሕፈሉ ግዜ ንዝነበረ ዘይስነ⁠-ፍልጠታዊ ኣረኣእያታት ኣብ ክንዲ ዘንጸባርቕ: ብዛዕባ እቲ ንምድሪ ደጊፍዋ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

9 ምድሪ ኣብ ጠፈር ብኸመይ ተታሒዛ ከም ዘላ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጽሓፍ ከሎ ዝነበረ ጥንታዊ ግዝያት: ምድሪ ኣብ ጠፈር ብኸመይ ተታሒዛ ከም ዘላ ዝምልከት ብዙሕ ግምታት ነይሩ ኢዩ። ገሊኦም ሰባት ምድሪ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓቢ ጎብየ ባሕሪ ደው ዝበሉ ኣርባዕተ ሓራምዝ ኢዮም ደጊፎምዋ ዘለዉ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ⁠-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላስፋን ሊቅን: ኣሪስቶትል: ምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ ጠፈር ፈጺማ ጠልጠል ክትብል ከም ዘይትኽእል መሃረ። ኣብ ክንድኡ: ሰማያውያን ኣካላት ነፍሲ ወከፍ ድንቡልቡል ቅርጺ ዘለዎ ነገር ኣብ ውሽጢ እቲ ኻልእ ብምስዅዃዕ ተተሓሒዙ ናብ ዝርከብ ጽኑዕ: ኣሕሊፉ ዘርኢ ድንቡልቡል ቅርጺ ዘለዎ ነገር ከም ዘሎ መሃረ። ምድሪ ኣብ ማእከል እቲ ዱንቡልቡል ቅርጺ ዘለዎ ነገር ኢያ ዘላ: እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ስፌር ድማ ንከዋኽብቲ ሒዝዎም ኣሎ ዝብል ግምት ኢዩ ነይሩ።

10 እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ እተጻሕፈሉ እዋን ንዝነበረ ሃጠው ቀጠውን ዘይስነ⁠-ፍልጠታውን ኣረኣእያታት ኣብ ክንዲ ዘንጸባርቕ: (ዳርጋ ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ) ብቕልል ዝበለ መገዲ “[ኣምላኽ] ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ” ብምባል ገለጸ። (እዮብ 26:⁠7 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብቲ በዅሪ ቋንቋ እብራይስጢ: እታ “ገለ ዜብሉ” ተባሂላ ዘላ ቃል “ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይብሉ” ማለት ኢያ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ጥራይ ኢያ ተጠቒሳ ዘላ። እቲ ንሓንቲ ብባዶ ጠፈር እተኸበት ምድሪ ኣመልኪቱ ዘቕርቦ ስእሊ: ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ብሉጽ ኣቐዲምካ ናይ ምርኣይ ክእለት ምንባሩ ምሁራት ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። ቴዮሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:⁠- “እዮብ 26:7 ነታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ኣብ ጠፈር ተጠንልጢላ ከም ዝነበረት ብዘገርም መገዲ ኢያ ገሊጻታ ነይራ። እዚ ድማ ንመጻኢ ግዜ ስነ⁠-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ይጽበ ነበረ።”

11, 12. ሰባት ንሓቅነት እዮብ 26:⁠7 ክርድእዎ ዝጀመሩ መዓስ ኢዩ፧

11 እቲ ናይ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ልክዕ ዝዀነ ሓሳብ ንኣሪስቶትል ብ1,100 ዓመታት ኢዩ ዝቕድሞ። ናይ ኣሪስቶትል ርእይቶታት ግን ሓቂ ከም ዝዀነ ተወሲዱ ድሕሪ ሞቱ ንገለ 2,000 ዓመታት ዝኸውን ትምህርቲ ይዋሃበሉ ነይሩ ኢዩ! ኣብ መወዳእታ: ብ1687 ከ.ኣ.ዘ. ሰር ኣይዛክ ኒውተን: ነቲ ምድሪ ብተዛማዲ መገዲ ምስ ካልኦት ሰማያውያን ኣካላት ብሓባራዊ ምስሕሓብ: ማለት ሕጊ ስሕበት: ኣብ ጠፈር ተንጠልጢላ ከም ዘላ ተመራሚሩ ዝረኸቦ ነገር ኣብ ጽሑፍ ሓቲሙ ዘርግሖ። እዚ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብኣዝዩ ቅልል ዝበለ መገዲ ምድሪ “ኣብ ገለ ዜብሉ” ተንጠልጢላ ከም ዘላ ምስ ገለጸ: ዳርጋ 3,200 ዓመታት ጸኒሑ እተረኽበ ነገር ኢዩ።

12 እወ: መጽሓፍ ቅዱስ 3,500 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ምስቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተረኽበ ሕግታት ስሕበትን ምንቅስቓስን ዝሰማማዕ ጭብጢ: ማለት ምድሪ ዝርአ ደጋፊ ነገር ከም ዘይብላ ብልክዕ ገሊጹ ነበረ። ሓደ ምሁር “እዮብ ነቲ ሓቂ ከመይ ገይሩ ፈለጦ ዝብል ሕቶ: ቅዱሳት ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዝኽሕዱ ሰባት ብቐሊሉ ክምልስዎ ዘይክእሉ ኢዩ” በለ።

13. ዘበናት ይገብር ሰባት ነቲ ናይ ምድሪ ቅርጺ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ ነይሮም: ግናኸ ንኣተሓሳስብኦም ዝለወጦ እንታይ ኢዩ፧

13 ናይ ምድሪ ቅርጺ። ዘ ኢንሳይክሎፐድያ ኣመሪካና ከምዚ በለ:⁠- “እቲ ሰባት ብዛዕባ ቅርጺ ምድሪ ዝነበሮም ናይ ቀደም ፍሉጥ ኣተሓሳስባ ጸፋሕ: ኣብ ማእከል ኣድማስ ሰጥ ዝበለት ሰተታ ከም ዝዀነት ኢዩ። . . . ምድሪ ከባብ ኢያ ዝብል ኣምር ክሳዕ እቲ ናይ ምርዳእ ተሃድሶ እተጀመረሉ እዋን ሰፊሕ ተቐባልነት ኣይነበሮን።” ገለ ናይ ቀደም ባሕረኛታት ናብቲ ጫፍ ናይታ ጸፋሕ ምድሪ ብመርከብ ተጓዒዞም ከይጸድፉ ዝብል ፍርሂ ከይተረፈ እውን ነይርዎም ኢዩ። ድሕርዚ ግን ምትእትታው ናይ ኮምፓስን ካልእ ምዕባለታትን ነቲ ናይ ውቅያኖስ ጕዕዞታት ናብ ርሑቕ ከም ዝበጽሕ ገይርዎ ኢዩ። ካልእ መዝገበ⁠-ፍልጠት ከኣ እዚ “ናይ ዳህሳስ ጕዕዞታት: ከምቲ ብዙሓት ሰባት ምድሪ ጸፋሕ ምዃና ዝኣምንዎ ዝነበሩ ዘይኰነስ: ከባብ ምዃና ኣርኣየ” ብምባል ይገልጽ።

14. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ምድሪ ቅርጺ ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዎ: መዓስከ፧

14 እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ጕዕዞታት ቅድሚ ምክያዱ ዳርጋ 2,700 ዓመታት ይገብር: መጽሓፍ ቅዱስ “ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ” ኢሉ ነበረ። (ኢሳይያስ 40:22 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ ኣብዚ “ኸባብ” ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል: ከምቲ እተፈላለየ መወከሲ ጽሑፋት ዝገልጾ: “ድንቡልቡል” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። በዚ ምኽንያት እዚ: ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት “ናይ ኩዕሶ ቅርጺ ዘለዋ ምድሪ” (ዱዋይ ቨርሽን ): ከምኡውን “ከባብ ምድሪ” (ሞፋት ) ይብል።

15. መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ንምድሪ ዝምልከት ዘይስነ⁠-ፍልጠታዊ ኣረኣእያታት ዘይተጸልወ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንምድሪ ደጊፍዋ ዘሎ ነገርን ቅርጻን ዝምልከት በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ ዝነበረ ዘይስነ⁠-ፍልጠታዊ ኣረኣእያታት ኣይተጸልወን። እቲ ዘይተጸልወሉ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ:⁠- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ እቲ ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ኢዩ። ንምድሪ ባዕሉ ስለ ዝፈጠራ: ኣብ እንታይ ተንጠልጢላ ከም ዘላን ቅርጻ ድማ ከመይ ምዃኑን ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ከጽሕፎ ከሎ: ካልኦት ሰባት ንመብዛሕትኡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ርእይቶታት ይኣምንዎ እኳ እንተ ነበሩ: ዘይስነ⁠-ፍልጠታዊ ኣረኣእያታት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ንጽርቲ ክትከውን ከም ዘይተሓናፈጽ ገይሩ ኢዩ።

16. እቲ ህይወት ዘለዎም ነገራት እተሰርሕሉ መገዲ ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ዝሰማማዕ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ህይወት ዘለዎም ነገራት እተሰርሕሉ ውህደት። ዘፍጥረት 2:7 “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ” ትብል። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ድማ ከምዚ ይብል:⁠- “ኵሉ እቲ ህይወት ዘለዎም ነገራት እተሰርሕሉ ስነ⁠-ቐመማዊ ንጥረ⁠-ነገራት ኣብ ህይወት ዘይብሎም ነገራት እውን ይርከብ ኢዩ።” ስለዚ ኵሉ እቲ ንሰብ ሓዊስካ ህይወት ዘለዎም ፍጥረታት እተሰርሕሉ መሰረታዊ ንጥረ⁠-ነገራት ኣብ ምድሪ እውን ይርከብ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ኣምላኽ ንሰባትን ንዅሎም ካልኦት ህይወት ዘለዎም ነገራትን ኣብ ምፍጣር እተጠቕመሉ ነገር ምዃኑ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ዝሰማማዕ ኢዩ።

17. ህይወት ዘለዎም ነገራት ብኸመይ ናብ ህላወ ከም ዝመጹ ዘሎ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧

17 “ከከም ዓይነቱ።” መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ጽምዲ ሰባት ከም ዝፈጠረን ካልኦት ደቅሰብ ድማ ካብኣቶም ከም ዝመጹን ኢዩ ዝገልጽ። (ዘፍጥረት 1:​26⁠-28፣ 3:20) ከም ዓሳ: ኣዕዋፍ: ከምኡውን መጥበውቲ ዝኣመሰሉ ካልኦት ህይወት ዘለዎም ነገራት ድማ ልክዕ ከምኡ ካብ ‘ከከም ዓይነቶም’ ከም ዝመጹ ይነግር። (ዘፍጥረት 1:​11, 12, 21, 24, 25) ሊቃውንቲ ኣብቲ ባህርያዊ ፍጥረት ዝረኸብዎ ነገር ድማ ልክዕ ከምዚ ኢዩ: ማለት ነፍሲ ወከፍ ህይወት ዘለዎ ነገር ካብ ከምኡ ዝዓይነቱ ወላዲ ኢዩ ዝመጽእ። ፍሉይ ዝበሃል ነገር የለን። ነዚ ዝምልከት እቲ ናይ ፊዚክስ ምሁር ረይሞ ከምዚ ይብል:⁠- “ህይወት ዝመጽእ ካብ ህይወት ዘለዎ ነገር ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ኵሉ ግዜ ዝርአ ነገር ኢዩ። ካብ ህይወት ዘይብሉ ነገር: ህይወት ዝመጽእ ግን ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ኣብ ስነ⁠-ህይወት ሓደ ካብቶም ገና መልሲ ዘይረኸቡ ዓበይቲ ሕቶታት ኢዩ: ክሳዕ ሕጂ ናይ ስነ⁠-ህይወት ተመራመርቲ ዕሙት ግምታት ጥራይ ኢዮም ክህቡ ዝኽእሉ። ብገለ መገዲ ህይወት ዘይብሉ ነገር ተወሃሂዱ ህይወት ዘለዎ ነገር ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። . . . እንተዀነ ግን: እቲ ናይ መጽሓፍ ዘፍጥረት ደራሲ ነዚ ልክዕ ገይሩ ገሊጽዎ ይኸውን ኢዩ።”

ታሪኻዊ ልክዕነት

18. ሓደ ጠበቓ ብዛዕባ ታሪኻዊ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሕጂ ዘሎ መጽሓፍ ንላዕሊ ልክዕነት ዘለዎ ጥንታዊ ታሪኽ ዝሓዘ ኢዩ። እታ ኤ ለውየር ኤግዛሚንስ ዘ ባይብል (ሓደ ጠበቓ ንመጽሓፍ ቅዱስ ይምርምሮ) እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻዊ ልክዕነት በዚ ዝስዕብ መገዲ ተጕልሖ:⁠- “ናይ ፍቕሪ ዛንታታት: ኣፈ⁠-ታሪኻት: ከምኡውን ናይ ሓሶት ምስክራት ንፍጻመታት ኣብ ርሑቕ ቦታን ኣብ ዘይተፈልጠ ግዜን ከም እተኻየደ ገይሮም ንምቕራብ ጥንቁቓት ብምዃን: ነቲ ንሕና ጠበቓታት ካብ ርጡብ ምጕት እንርድኦ ነገር: ማለት ‘እቲ ዝወሃብ ቃል: ግዜን ቦታን ክሕብር ኣለዎ’ ዝብል ናይ መጀመርታ ሕግታት ክጥሕሱ ከለዉ: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ግን ዝለዓለ ልክዕነት ዘለዎ ዕለትን ቦታን ናይቲ ዝዝንቶ ዘሎ ነገር ኢዩ ዘቐርብ።”

19. ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ንታሪኻዊ ዝርዝራት መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት እንታይ ሓሳባት ኢዩ ዝሃበ፧

19 ዘ ኒው ባይብል ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይህብ:⁠- “[እቲ ንግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፈ ሰብ] ነቲ ዛንትኡ ምስቲ ኣብ ግዚኡ ዝነበረ ታሪኽ ብምትሕሓዝ ኢዩ ኣቕሪብዎ፣ እቲ ጽሑፉ ንናይ ከተማ ደያኑ: ናይ ኣውራጃ ኣማሓደርቲ: ናይ ርእሰን ዘይከኣላ ሃገራት ነገስታት: ከምኡውን ንኻልእ ተመሳሳሊ ነገራት ዝምልከት ሓበሬታ ዝመልአ ኢዩ: እዚ ሓበሬታ እዚ ድማ እቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ቦታን ግዜን ልክዕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኢዩ ዘረጋግጽ።”

20, 21. ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ታሪኽ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

20 ኤስ. ኣውስቲን ኣልቦን ኣብታ ዘ ዩንየን ባይብል ኮምፓንየን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:⁠- “ሰር ኣይዛክ ኒውተን . . . ብዛዕባ ጥንታዊ ጽሑፋት ሓሳብ ብምሃብ እተፈልጠ ሰብ ኢዩ ነይሩ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ድማ ብዓቢ ጥንቃቐ መርሚርዎ ኢዩ። ኒውተን ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ እንታይ ሓሳባት ኢዩ ዝሃበ፧ ‘ካብ ዝዀነ ይኹን ዘይቅዱስ [ዓለማዊ] ታሪኽ ንላዕሊ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ሓቅነቱ ዝገልጽ ዝያዳ ርግጽ ዝዀነ ኣሰራት ረኺበ ኢየ’ በለ። ዶ/ር ጆንሰን: ካብቲ ጁልየስ ቄሳር ኣብ ካፒቶል ሙማቱ ዝሕብር መርትዖ: ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ከም ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጎልጎታ ሙማቱ ዝሕብር ዝያዳ መርትዖታት ከም ዘሎና ኢዩ ዝዛረብ። ብርግጽ: ካልእ ተወሳኺ መርትዖታት እውን ኣሎና።”

21 እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጽሑፍ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:⁠- “ንሓቅነት ናይቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ታሪኽ እጠራጠረሉ ኢየ ንዝብል ዝዀነ ይኹን ሰብ: ቄሳር ኣብ ካፒቶል ከም ዝሞተ: ወይ ሃጸይ ቻርለማኝ ብ800 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ምዕራብ ሃጸይ ክኸውን ብጳጳስ ሌዎ ሳልሳይ ዘውዲ ከም እተደፍኣሉ ንኽኣምን እንታይ ምኽንያት ከም ዘለዎ . . . ከም ቻርለስ ቀዳማይ [ናይ ዓዲ እንግሊዝ] ዝኣመሰለ ሰብኣይ ብህይወት ይነብር ከም ዝነበረ: ከም እተሰየፈ: ከምኡውን ኦሊቨር ክሮምዌል ኣብ ክንድኡ ተተኪኡ ገዛኢ ከም ዝዀነ ከመይ ገይርካ ትፈልጥ ኢልካ ሕተቶ፧ . . . ሰር ኣይዛክ ኒውተን ናይ ስሕበት ሕጊ ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ ሰብ ኢዩ . . . ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣመልኪቱ ዝቐረበ ኵሉ ሓሳባት ንኣምኖ ኢና፣ እዚ ድማ ንሓቅነቶም ዝምልከት ታሪኻዊ መርትዖ ስለ ዘለና ኢዩ። . . . ከምዚ ዝበለ መረጋገጺ እናሃለወ ክነሱ ገና ምእማን ዝኣብዩ ሰባት: ከም ዓያሹ ህልኸኛታት ወይ ተስፋ ዘይብሎም ኣብድታት ኢልና ኢና እንሓድጎም።”

22. ገለ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅነት ምቕባል ዝኣብዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

22 እዚ ጽሑፍ እዚ ብምቕጻል ከምዚ ዝስዕብ መደምደምታ ይህብ:⁠- “ብዛዕባ እቶም ንሓቅነት ቅዱሳት ጽሑፋት ዘረጋግጽ ኣኽል⁠-ታርፍ መርትዖ እናሃለወ ክነሱ: ኣይንኣምንን ኢና ዝብሉ ሰባትከ እንታይ ክንብል ኢና፧ . . . ኣእምሮኦም ዘይኰነስ ልቦም ኢዩ ሓንጊዱ ዘሎ፣ ማለት ነቲ ንትዕቢቶም ዘዋርድን እተፈልየ ኣነባብራ ክህልዎም ከኣ ዝግድዶምን ነገር ክኣምኑ ኣይደለዩን ኢዮም ኢልና ክንድምድም ብርግጽ ምኽንያት ኣሎና።”

ውሽጣዊ ስምምዕን ግልጽነትን

23, 24. እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ውሽጣዊ ስምምዕ ፈጺሙ እተፈልየ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

23 ኣብ ግዜ ሃጸይ ሮሜ ክጽሓፍ ዝጀመረ: ክሳዕ እዋን ማእከላይ መዋእል ቀጺሉ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበን ድማ እተወድአ: ብዙሓት እተፈላለዩ ጸሓፍቲ ድማ ግዲኦም ዘበርከትሉ ዓይነት መጽሓፍ እሞ ሕሰብ። እቶም ጸሓፍቲ ከም ናይ ወተሃደራት: ነገስታት: ካህናት: ገፈፍቲ ዓሳ: ጓሶት: ከምኡውን ሓካይም ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሞያታት እንተድኣ ነይርዎም እንታይ ዓይነት ውጽኢት ምተጸበኻ፧ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ዝሰማማዕን ጥርኑፍን ክኸውን ምተጸበኻዶ፧ ‘ፈጺመ ኣይጽበን ኢየ!’ ትብል ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብኸምዚ ዓይነት ኵነታት ኢዩ ተጻሒፉ። ይኹን እምበር ብምልኡ: ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣምራት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ዝደቐቐ ዝርዝራት እውን ስምምዕ ኣለዎ።

24 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ 1,600 ዓመታት: ብገለ 40 ዝዀኑ እተፈላለዩ ጸሓፍቲ እተጻሕፈ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ መጽሓፍ ኢዩ: ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ክጽሓፍ ጀሚሩ ብ98 ከ.ኣ.ዘ ድማ ተወድአ። እቶም ጸሓፍቲ ካብ እተፈላለየ ደረጃታት ናብራ ዝመጹ ኢዮም ነይሮም: ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ምስቶም ካልኦት ጸሓፍቲ ርክብ ኣይነበሮምን። እቲ ውጽኢት ስርሖም ዝዀነ መጽሓፍ ግን: ልክዕ ብሓደ ሰብ ከም እተጻሕፈ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጥርኑፍ ዝዀነ ቀንዲ ኣርእስቲ ኢዩ ዝጓዓዝ። ኣንጻር ናይቲ ገሊኦም ዝኣምንዎ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምዕራባዊ ስልጣነ ውጽኢት ዘይኰነስ ብሰብ ምብራቕ እተጻሕፈ ኢዩ።

25. እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኝነትን ግልጽነትን ነየናይ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብልዎ ነገር ኢዩ ዝድግፍ፧

25 መብዛሕትኦም ናይ ጥንቲ ጸሓፍቲ ንዓወታቶምን ክብርታቶምን ጥራይ ዝገልጽ ጸብጻብ ከቕርቡ ከለዉ: ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ጌጋታት: ከምኡውን ናይ ነገስታቶምን መራሕቶምን ጕድለት ብግልጺ ኢዮም ተኣሚኖምሉ። ዘሁልቍ 20:​1-13 ከምኡውን ዘዳግም 32:​50-52 ናይ ሙሴ ጌጋታት ኢዩ መዝጊቡ ዘሎ: ንሱ ድማ ኢዩ ነዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ጽሒፉወን። ዮናስ 1:​1-3 ከምኡውን 4:1 ጌጋታት ናይቲ ነዚ ጸብጻባት እዚ ዝጸሓፈ ዮናስ ኢዩ ዝዝርዝር። ማቴዎስ 17:​18⁠-20፣ 18:​1⁠-6፣ 20:​20⁠-28፣ ከምኡውን 26:56 ብደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተራእየ ድኹም ባህርያት መዝጊቡ ኣሎ። ስለዚ: ናይቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኝነትን ግልጽነትን ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተደረኹ ዝዛረብዎ ዝድግፍ ኢዩ።

ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ መዳይ

26, 27. መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ⁠-ፍልጠትን ካልእ ነገራትን ዝመጸ ኣዝዩ ልክዕ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

26 መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ብስነ⁠-ፍልጠት: ታሪኽ: ከምኡውን ብኻልእ ነገራት ዝመጸ ስለምንታይ ኣዝዩ ልክዕ ከም ዝዀነ ከምኡውን ኣዝዩ ዝሰማማዕን ሓቀኛን ዝገበሮ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ። እቲ ዝለዓለ ኣካል: ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ: እቲ ንኣድማስ ዝሰርሐ ፈጣሪ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ ከም ዝዀነ ይገልጽ ኢዩ። ንሰብኣውያን ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ብርቱዕ መስለጢ ሓይሉ ገይሩ ነቲ ንሱ ብመንፈሱ ዝደረኾም ዘበለ ምእንቲ ክጽሕፉ ብምልዕዓል ከም ናቱ ጸሓፍቲ ገይሩ ተጠቒሙሎም ኢዩ።

27 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:⁠- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መን​ፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተ​ግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ . . . ቓል ኣምላኽ እም​በር: ከም ቃል ሰብ [ኣይተቐበልኩምዎን]” እውን ኢሉ ኢዩ።⁠—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17፣ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠13

28. መጽሓፍ ቅዱስ ድኣ ካበይ ኢዩ መጺኡ፧

28 ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮ ናይ ሓደ ደራሲ​—⁠ኣምላኽ​—⁠እተጻሕፈ ኢዩ። በቲ ዘደንጹ ሓይሉ ገይሩ ንጽህና ናይቲ ጽሑፍ ክሳዕ ግዜና ተዓቂቡ ከም ዝጸንሕ ንምግባር ድማ ንዕኡ ቀሊል ነገር ኢዩ ነይሩ። ነዚ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ⁠-ጽሑፋት ምሁር ዝዀነ ሰር ፍረደሪክ ኬንየን: ብ1940 ከምዚ በለ:⁠- “ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓቂ ከምቲ መጀመርታ እተጻሕፎ ኰይኑ ክሳዕ ግዜና ብዛዕባ ምዕቃቡ ንዝነበረ ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ምኽንያት ዝኸውን ናይ መወዳእታ መሰረት ሕጂ ተኣልዩ ኢዩ።”

29. ኣምላኽ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዘለዎ ክእለት ከመይ ገይርካ ብኣብነት ክግለጽ ይኽእል፧

29 ሰባት ኣብ ጠፈር ኰይኖም ናይ ኣሽሓት ማይልስ ርሕቀት ካብ ዘለዎ ቦታ: ካብ ወርሒ እውን ከይተረፈ: ናይ ረድዮን ቴሌቪዥንን መልእኽትታት ክሰዱ ክእለት ኣለዎም። ናይ ጠፈር ምርመራ ሮኬታት ካብተን ብኣምእታት ሚልዮናት ማይልስ ርሒቐን ዝርከባ ፕላኔታት ፊዚካዊ ሓበሬታን ስእልታትን ናብ ምድሪ ይልእኻ ኢየን። ብርግጽ: እቲ ንሰብ ዝፈጠረ: ናይ ረድዮ ማዕበላት ፈጣሪ ዝዀነ ኣካል: እንተ ወሓደ ካብዚ ዝዓቢ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ብሓቂ: ነቲ ዅሉ ዝኽእል ሓይሉ ናብ ኣእምሮ ናይቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክጽሕፉ ዝመረጾም ሰባት ቃላትን ስእልታትን ንምትሕልላፍ ክጥቀመሉ ንዕኡ ቀሊል ነገር ኢዩ ነይሩ።

30. ኣምላኽ እቲ ብዛዕብኦም ዘለዎ ዕላማ ሰባት ክፈልጥዎ ይደሊ ድዩ፧

30 ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣምላኽ ንወድሰብ ይግደሰሉ ምዃኑ መርትዖ ዝህብ: ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ህይወትን ዝምልከት ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ኣነጺሩ ኣብ መጽሓፍ​—⁠ነባሪ ሰነድ⁠—​ከም ዝግለጽ ብምግባር: ሰባት ንሱ መን ምዃኑ: ንዓኣቶም ዘለዎ ዕላማ እንታይ ከም ዝዀነ ምእንቲ ክፈልጡ ክሕግዞም ከም ዝደሊ ርዱእ ኢዩ።

31. መንፈስ ዝነፈሶ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ መልእኽቲ: ካብቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ኣዝዩ ዝበለጸ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

31 ምስቲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቓል ጥራይ ዝመሓለለፍ ሓበሬታ ብምውድዳር ነቲ ብኣምላኽ እተደርሰ መጽሓፍ ዘለዎ ብልጫ እውን ሕሰበሉ። ሰባት ነቲ መልእኽቲ ብናቶም ኣገላልጻ ገይሮም ስለ ዝልውጥዎ: ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ድማ እቲ ትርጕሙ ስለ ዝቕይር: ብኣፍ ዝመሓላለፍ ቃል ሓቅነቱ የጠራጥር ኢዩ። ነቲ ሓበሬታ ከም ናቶም ኣረኣእያ ገይሮም ብቓል የማሓላልፍዎ። ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ: ነባሪ ዝዀነ ናይ ጽሑፍ መዝገብ ግና ጌጋታት ክርከቦ ዳርጋ ዘይመስል ኢዩ። ከምኡውን መጽሓፍ: እተፈላለየ ቋንቋታት ዘንብቡ ሰባት ካብኡ ምእንቲ ክጥቀሙ ክባዛሕን ክትርጐምን ይከኣል ኢዩ። ስለዚ ፈጣሪና ሓበሬታ ምእንቲ ከመሓላልፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ክጥቀምስ ምኽንያታዊዶ ኣይኰነን፧ ብርግጽ: ፈጣሪ ከምኡ ምግባሩ ስለ ዝዛረብ ዝያዳ ምኽንያታዊ ኢዩ።

ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢት

32-34. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ መጽሓፍ ዘይርከብ እንታይ ነገር ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧

32 ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱስ ብኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ መገዲ መለኮታዊ መሪሕነት ከም ዘለዎ ዝሕብር ምልክት ኣለዎ:⁠- ብዘይ ጕድለት ፍጻሜኡ ዝረኸበን ገና ድማ ዝፍጸም ዘሎን ትንቢታት ዝሓዘ መጽሓፍ ኢዩ።

33 ንኣብነት: ጥፍኣት ጥንታዊት ጢሮስ: ምውዳቕ ባቢሎን: ናይ የሩሳሌም እንደገና ምህናጽ: ምትንሳእን ምውዳቕን ነገስታት ሜዶ ፋርስ ከምኡውን ግሪኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብዝርዝር ተዘሪብሉ ነይሩ ኢዩ። እቲ ትንቢታት ኣዝዩ ልክዕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ገለ ነቐፌታዊ ርእይቶ ዝህቡ ሰባት እቲ ፍጻመታት ድሕሪ ምዃኑ ኢዩ ተጻሒፉ ንምባል ከንቱ ፈተነ ገይሮም ኢዮም።​—⁠ኢሳይያስ 13:​17-19፣ 44:​27–45:1፣ ህዝቅኤል 26:​3-6፣ ዳንኤል 8:​1-7, 20-22

34 እቲ የሱስ ነቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣመልኪቱ ዝሃቦ ትንቢታት ብልክዕ ተፈጺሙ ኢዩ። (ሉቃስ 19:​41⁠-44፣ 21:​20, 21) የሱስን ጳውሎስን ነዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ትንቢታት ድማ ኣብዚ ግዜና ብሰፊሑ ይፍጸም ኢዩ ዘሎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​1⁠-5, 13፣ ማቴዎስ 24፣ ማርቆስ 13፣ ሉቃስ 21

35. እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ካብ ፈጣሪ ጥራይ ክመጽእ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

35 ብዙሕ ምስትውዓል ዘለዎ እውን ይኹን: ኣብ መጻኢ ግዜ ንዝኸውን ፍጻመታት ልክዕ ገይሩ ክንበ ዝኽእል ናይ ሰብ ኣእምሮ የለን። ከምቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:​20, 21 እነንብቦ: ኣእምሮ ናይቲ ምሉእ ሓይልን ጥበብን ዘለዎ ፈጣሪ ናይዚ ኣድማስ ጥራይ ኢዩ ከምኡ ኽገብር ዝኽእል:⁠- “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”

መልሲ ይህብ ኢዩ

36. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝነግረና፧

36 ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቃል ናይቲ ዝለዓለ ኣካል ምዃኑ ብብዙሕ መገድታት መርትዖ ይህብ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ: ስለምንታይ ሰባት ኣብ ምድሪ ከም ዘለዉ: ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ ዘለወሉ ምኽንያት: ናበይ ገጽና ንኸይድ ምህላውና: ከምኡውን ኵነታት ብኸመይ ከም ዝመሓየሽ ይነግረና ኢዩ። ንሰባትን ንምድርን ብዕላማ ዝፈጠረ ሓደ ዝለዓለ ኣምላኽ ከም ዘሎ: ዕላምኡ ድማ ክፍጸም ምዃኑ ይገልጸልና ኢዩ። (ኢሳይያስ 14:24) መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና: ብኸመይ ድማ ክንረኽባ ከም እንኽእል እውን ይገልጸልና ኢዩ። ስለዚ: ብዛዕባ ኵሉ እቲ ንህይወት ዝምልከት ኣገደስቲ ሕቶታት ዘሎ ሓቂ ክነግረና ዝኽእል ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 146:3፣ ምሳሌ 3:5፣ ኢሳይያስ 2:​2⁠-4

37. ብዛዕባ ህዝበ⁠-ክርስትያን እንታይ ኢልካ ኢዩ ክሕተት ዝግባእ፧

37 ንልክዕነቱን ሓቅነቱን ዘረጋግጽ ኣኽል⁠-ታርፍ መርትዖ እኳ እንተሎ: ኵሎም እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ንቕበሎ ኢና ዝብሉ ሰባት ንትምህርትታቱ ይስዕቡዎ ድዮም፧ ንኣብነት: ነተን ክርስትያናት ኢና ዝብላ: ማለት ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ሃገራት እስከ ርአ። ንብዙሕ ዘበናት ዝኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢደን ኢዩ ነይሩ። ኣተሓሳስባአንን ግብረንን ግን ብሓቂ ነቲ ዝለዓለ ጥበብ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ድዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእልታት]

ሰር ኣይዛክ ኒውተን ምድሪ ብተዛማዲ መገዲ ምስ ካልኦት ሰማያውያን ኣካላት ብሕጊ ስሕበት ብምትሕሓዝ ኣብ ጠፈር ተንጠልጢላ ከም ዘላ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓንቲ ብባዶ ጠፈር እተኸበት ምድሪ ኣመልኪቱ ዘቕርቦ ስእሊ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ ብሉጽ ኣቐዲምካ ናይ ምርኣይ ክእለት ምንባሩ ምሁራት ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ገለ ናይ ቀደም ባሕረኛታት ናብቲ ጫፍ ናይታ ጸፋሕ ምድሪ ብመርከብ ተጓዒዞም ከይጸድፉ ዝብል ፍርሂ ከይተረፈ እውን ነይርዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ጁልየስ ቄሳር: ሃጸይ ቻርለማኝ: ኦሊቨር ክሮምዌል: ወይ ጳጳስ ሌዎ ሳልሳይ ምንባሮም ዝሕብር መርትዖ: የሱስ ክርስቶስ ብህይወት ከም ዝነበረ ዝሕብር ዝያዳ መርትዖ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ብ 70 ከ.ኣ.ዘ ዝወረደ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣመልኪቱ የሱስ ዝሃቦ ትንቢታት ከም እተፈጸመ በቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ኣርክ ኦቭ ታይተስ ዝበሃል ቅርጺ ተረጋጊጹ ኢዩ