ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንበር

ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንበር

8ይ ክፋል

ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንበር

1, 2. ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ከመይ ክመስል ኢዩ፧

1 ኣምላኽ ንእከይን ስቓይን ካብ ገጽ ምድሪ ኣርሒቑ: ነታ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ምምሕዳር ሰማያዊት መንግስቱ እትህሉ ሓዳስ ዓለም ምስ ኣምጽኣስ ህይወት ከመይ ክትመስል ኢያ፧ ኣምላኽ ‘ኢዱ ከፊቱ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ከጽግቦ’ ተመባጺዑ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 145:16

2 ግቡእ ባህግታትካ እንታይ ኢዩ፧ ሕጕስ ህይወት: ፍረ ጻማ ዝርከቦ ስራሕ: ኣኽል⁠-ታርፍ ስጋዊ ነገራት: ምልኩዕ ከባቢታት: ኣብ መንጎ ኵሎም ሰባት ሰላም ክሰፍን: ከምኡውን ካብ ምጕዳል ፍትሕን ሕማምን ስቓይን ሞትን ናጻ ምዃንዶ ኣይኰነን፧ ብዛዕባ ሕጕስ መንፈሳዊ ኣረኣእያኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ዘደንቕ በረኸት: ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ርአ።

ወድሰብ ፍጹም ሰላም ክህልዎ ኢዩ

3-6. ሰባት ኣብታ ሓዳስ ዓለም ሰላም ክህልዎም ምዃኑ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘለና፧

3 “[ኣምላኽ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት [ውግእ] ብሓዊ የንድዶ።”​—⁠መዝሙር 46:⁠9

4 “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 2:⁠4

5 “ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:⁠11

6 “ኵላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ አላ: ሰብውን እልል ይብሉ አለዉ።”​—⁠ኢሳይያስ 14:⁠7

ሰብን እንስሳን ብሰላም ክነብሩ ኢዮም

7, 8. ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ከመይ ዝበለ ሰላም ኢዩ ክህሉ፧

7 “ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ: ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ: ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ: ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም: ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት: እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጕድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። . . . ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 11:​6⁠-9

8 “በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክአትወሎም እየ: . . . ብደሓንውን ከንብሮም እየ።”​—⁠ሆሴእ 2:⁠18

ፍጹም ጥዕና: ዘለኣለማዊ ህይወት

9-14. ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ኵነታት ጥዕና ግለጾ።

9 “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 35:​5, 6

10 “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸው​ንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:⁠4

11 “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ እየ [“ሕሙም ኢየ:” NW ] ኣይብልን።”​—⁠ኢሳይያስ 33:⁠24

12 “ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም: ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ።”​—⁠እዮብ 33:⁠25

13 “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ . . . ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”​—⁠ሮሜ 6:⁠23

14 “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት [ክረክብ ኢዩ]።”​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

ምዉታት ናብ ህይወት ክምለሱ ኢዮም

15-17. ነቶም ድሮ ሞይቶም ዘለዉ ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧

15 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [ኢዩ]።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

16 “ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” NW ] መቓብር [ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ] ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ።”​—⁠ዮሃንስ 5:​28, 29

17 “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን [መቓብር] ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ።”​—⁠ራእይ 20:⁠13

ምድሪ: ኵሉ ዝርከባ ገነት

18-22. ምልእቲ ምድሪ ናብ እንታይ ክትልወጥ ኢያ፧

18 “ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ። ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ: ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ: ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠ህዝቅኤል 34:​26, 27

19 “ምድሪ ፍሬኣ ሂባ: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።”​—⁠መዝሙር 67:⁠6

20 “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 35:⁠1

21 “ብሓጐስ ክትወጹ: ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ: ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም: ኵሎም ኣእዋም መሮርውን ኬጣቕዑልኩም እዮም። ኣብ ክንዲ እሾዅሲ ጽሕዲ: ኣብ ክንዲ ኣምዔ ድማ ጸጾ ኺበቍል እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 55:​12, 13

22 “ምሳይ ኣብ ገነት [ክትከውን ኢኻ]።”​—⁠ሉቃስ 23:⁠43

ንዅሉ ሰብ ዝኣክል ምልኩዕ ኣባይቲ

23, 24. ንዅሉ ሰብ ዝኣክል ምልኩዕ ኣባይቲ ክህሉ ምዃኑ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎና፧

23 “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: . . . ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። . . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:​21⁠-​23

24 “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”​—⁠ሚክያስ 4:⁠4

ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ

25. ንመጻኢ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኢዩ ዘሎና፧

25 ንመጻኢ ግዜ ዝኸውን ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ! ሰባት ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኵሉ እዚ ሎሚ ዘሎ ግድላት ንዘለኣለም ነበረ ኰይኑ ከም ዝተርፍ ጽኑዕ ተስፋ ምስ ዝገብሩስ ከመይ ዝበለ ናይ ሓቂ ዕላማ ኰን ኢዩ ሕጂ ክህልዎም ዝኽእል! “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።” (ኢሳይያስ 65:17) ኣብቲ ግዜ እቲ ህይወት ዘለኣለማዊ ከም ዝኸውን ምፍላጥስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ:⁠- “[ኣምላኽ] ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ” ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠8

26. ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ንምንባር እቲ ቀንዲ ዘድሊ ነገር እንታይ ኢዩ፧

26 ኣብታ ሕጂ ኣዝያ ቐሪባ ዘላ ገነታዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧ ‘እዛ ዓለም እዚኣ ክትጠፍእ ከላ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብን ኣብታ ናቱ ሓዳስ ዓለም ድማ ንምንባርን እንታይ ክገብር ኢዩ ዘድልየኒ፧’ ብምባል ትሓትት ትኸውን። እቲ የሱስ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ከሎ ዝሓበሮ ነገር ምግባር ኢዩ ዘድልየካ:⁠- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈ​ልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

27. ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ዕላማ ግደ ምእንቲ ክህልወካ እንታይ ክትገብር ኢዩ ዘሎካ፧

27 ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ገይርካ ነቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዘንበብካዮ ነገራት ኣረጋግጾ። ካልኦት ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ዘጽንዑን ዝምህሩን ሰባት ድለ። ነተን ኣንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ነገራት ዝምህራን ዝገብራን ግቡዛት ሃይማኖታት ጠንጢንካየን ውጻእ። ምስቶም ድሮ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ብምዃን ኣብቲ ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝነብሩሉ ዕላማ ኣምላኽ: ብኸመይ ግደ ክህልወካ ከም ዝኽእል ተማሃር። መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ብዛዕባ መጻኢ ግዜ እንታይ ከም ዝብል ድማ ኣስተውዕል:⁠- “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠17

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣምላኽ ሓንቲ ምድራዊት ገነት እንደገና ንምምጻእ ዘለዎ ዕላማ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክገሃድ ኢዩ