ክንድዚ ዝኣክል ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
6ይ ክፋል
ክንድዚ ዝኣክል ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
1, 2. ንሰብኣዊ ተመክሮ ብምርኣይ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ክሕተት ዝከኣል፧
1 እዚ ዝለዓለ ኣካል ፍጹማት ሰባት ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከል ገነታዊ ኵነታት ንዘለኣለም ክነብሩ ዕላምኡ እንተድኣ ነይሩ: ገና ድማ ዕላምኡ እንተድኣ ኰይኑስ: ሕጂ ገነት ዘየለ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብኣንጻሩ: ወድሰብ ንኣዝዩ ብዙሕ ዘበናት ዝኣክል ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ዘሕለፈኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ሰብኣዊ ታሪኽ ውግእ: ሃጸያዊ ጐበጣ: ምዝመዛ: ምጕዳል ፍትሒ: ድኽነት: ዕንወት: ሕማም: ከምኡውን ሞት ብዘስዓቦ መከራ ዝመልአ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣዝዮም ብዙሓት ንጹሃት ግዳያት ኣዝዩ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ዝወረዶም ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣምላኽ ምሉእ ሓይሊ ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ: ክንድዚ ዝኣክል ብዙሕ ስቓይ ንኣሽሓት ዓመታት ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣምላኽ ነዚ ኣድማስ ጽቡቕ ገይሩ ነዲፉን ስርዓት ኣትሒዙን ከብቅዕ: ኣብ ምድሪ ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን ክህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧
ሓደ ኣብነት
3-5. (ሀ) ሓደ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሕንፍሽፍሽ ክህሉ ስለምንታይ ከም ዘፍቅድ ንምርድኡ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) ካብቲ ዝቐረበ እተፈላለየ ኣማራጺታት ኣየናይ ኢዩ ምስቲ ናይ ምድሪ ኵነታት ዝሰማማዕ፧
3 ሓደ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ስለምንታይ ኣብ ምድሪ ሕንፍሽፍሽ ክህሉ ከም ዘፍቀደ ንምብራህ ሓደ ኣብነት ንጠቐም። በጃኻ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ጫካ ክትጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ ሓንቲ ገዛ ከም እትረክብ ገይርካ ሕሰብ። ነታ ገዛ ክትዕዘባ ከሎኻ: ዓንያ ከም ዘላ ትርኢ። እቲ መሳዅቲ ተሰባቢሩ: እቲ ናሕሲ ኣጸቢቑ ዓንዩ: እቲ ናይ ዕንጨይቲ ገበላ ነዃላት መሊኡ: እቲ ማዕጾ ካብ ሰፈሩ መሊቑ: እቲ ሻምቆታት ማይ ድማ ተበላሽዩ ኢዩ።
4 ነዚ ዅሉ ጕድለታት ርእይ ኣቢልካ: ነዛ ገዛ እዚኣ ክነድፋ ዝኽእል መስተውዓሊ ነዳፊ የለን ኢልካዶ ምደምደምካ፧ እቲ ምዕናዋ እዛ ገዛ እዚኣ ብኣጋጣሚ ጥራይ ኢያ ክትመጽእ እትኽእል ኢልካ ከም እትኣምን ይገብረካ ድዩ፧ ወይ ድማ ሓደ ዝነደፋን ዝሃነጻን ሰብ ኣሎ ኢልካ እንተድኣ ደምዲምካኸ: እዚ ሰብ እዚ ክእለት የብሉን መስተውዓሊ ድማ ኣይኰነን ኢልካዶ ምሓሰብካ፧
5 ነቲ ህንጻ ዝያዳ ኣጸቢቕካ ምስ መርመርካዮ: ኣብ መጀመርታ ብስርዓት ተሃኒጹ ምንባሩን ብዙሕ ምስትውዓል ዝሓትት ጥንቃቐ ድማ ከም እተገብረሉን ኢኻ እትርዳእ። ሕጂ ግን ሸለል ተባሂሉን ኣብ ምዕናዉን ኢዩ ዘሎ። እቲ ጕድለታትን ምብልሻውንከ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧ (1) እቲ ዋና ከም ዝሞተ፣ (2) ክኢላ ሃናጺ ኢዩ: ሕጂ ግን ነቲ ገዛ ከም ዘይግደሰሉ፣ ወይ (3) ንግዚኡ ሞሳ ንዘይብሎም ተኻረይቲ ከም ዘካረዮ ክሕብር ይኽእል ኢዩ። እዛ ሳልሰይቲ ምኽንያት ምስ ናይ ምድሪ ኵነታት እትመሳሰል ኢያ።
እንታይ ጕድለት ተረኽበ
6, 7. ኣዳምን ሄዋንን ሕጊ ኣምላኽ ምስ ጠሓሱ እንታይ ኣጋጠሞም፧
6 ካብቲ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ክሳቐዩ ወይ ክሓሙ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ፈሊጢና ኢና። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ ጥራይ ኢዮም ሞይቶም። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 2 ከምኡውን 3) ምእዛዝ ምስ ኣበዩ: ድሕሪኡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣቋሪጾም ኢዮም። ካብ ትሕቲ ሓልዮት ኣምላኽ ወጺኦም ኢዮም። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ምስቲ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ዝዀነ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ኣቋረጹ።—መዝሙር 36:9
7 ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ማሽን ካብቲ ሓይሊ ዝህባ ምንጪ ምስ ተፈላለየት ቀስ ኢላ እትዝሕልን ደው እትብልን: ኣካላቶምን ኣእምሮኦምን ካብቲ ዝነበሮ እናሓመቐ ከደ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣዳምን ሄዋንን ኣካላቶም ተበላሸወ: ኣረጉ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሞቱ። ድሕርዚኸ እንታይ ኰነ፧ ናብቲ እተፈጥረሉ ቦታ ተመልሱ: “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” ኣምላኽ ንሕግታቱ ዘይምእዛዝ ሳዕቤኑ ሞት ከም ዝዀነ “ሞት ክትመውት ኢኻ” ብምባል ኣጠንቂቕዎም ነበረ።—ዘፍጥረት 2:17፣ 3:19
8. እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ንሰብኣዊ ስድራቤት ዝተንከፎ ብኸመይ ኢዩ፧
8 እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ጥራይ ዘይኰኑስ: ኵሎም ዘርኦም: ምሉእ ሰብኣዊ ዓሌት እውን ናይ ሞት ተገዛኢ ኰይኑ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብመሰረት ሕግታት ስነ-ውርሻ: ውሉዳት ባህርያት ወለዶም ኢዮም ዝወርሱ። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ዘውረሱና ድማ ዘይፍጽምናን ሞትን ኢዩ። ሮሜ 5:12 ከምዚ ትብለና:- “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [እቲ ኣባሓጎ ደቅሰብ ዝዀነ ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ [ዘይፍጽምና ማለት ሓጥእ ዝንባለታት: ብምውራሶም] ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” ሰባት መዋእሎም ዝፈልጥዎ ሓጢኣት: ዘይፍጽምና: ከምኡውን ሞት ጥራይ ስለ ዝዀነ: ገሊኦም ነዚ ነገራት እዚ ከም ባህርያውን ዘይተርፍ ነገርን ገይሮም ይወስድዎ። እንተዀነ ግን: እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ክእለትን ድሌትን ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም። ስለዚ ድማ ኢዮም መብዛሕትኦም ሰባት ህይወቶም ኣብ መጻኢ ብሞት ክትቍጸ ምዃና ምፍላጦም ኣዝዩ ዘጨንቖም።
ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ፧
9. ኣምላኽ ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ስቓይ ክቕጽል ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ኣምላኽ ሰባት ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ከም ድላዮም ክኸዱ ዘፍቀደሎም ስለምንታይ ኢዩ፧ ንኽንድዚ ዝኣክል ብዙሕ ዘበናት ስቓይ ክቕጽል ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ካብቲ ዘፍቀደሉ ኣድላዪ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክርክር ስለ እተላዕለ ኢዩ:- ክገዝእ መሰል ዘለዎ መን ኢዩ፧ ንሰባት ዝገዝእ ኣምላኽ ድዩ ክኸውን ዘለዎ: ወይስ ሰባት ካብኡ ተፈልዮም ንገዛእ ርእሶም ብዓወት ከመሓድሩ ይኽእሉ ኢዮም፧
10. ንሰባት እንታይ ክእለት ኢዩ እተዋህቦም: ምስ ከመይ ዝበለ ሓላፍነትከ፧
10 ሰባት ናጻ ምርጫ ዘለዎም: ማለት ክመርጹ ክእለት ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም። ከም ሮቦት ወይ ከምቶም ብቐንዱ ብባህርያዊ መገዲ ዝምርሑ እንስሳታት ኰይኖም ኣይተፈጥሩን። ስለዚ ሰባት ንመን ከም ዘገልግሉ ክመርጹ ይኽእሉ ኢዮም። (ዘዳግም 30:19፣ 2 ቈረንቶስ 3:17) በዚ ኸኣ ኢዩ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ዝመክር:- “ከም ውጹኣት ሓራ: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር: ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ።” (1 ጴጥሮስ 2:16) ይኹን እምበር: ሰባት ዘደንቕ ህያብ ናጻ ምርጫ ዘለዎም እኳ እንተዀኑ: ንሳዕቤን ናይቲ ዝመርጽዎ ተግባር ክቕበሉ ግን ኣለዎም።
11. ካብ ኣምላኽ ወጺእካ ብርእስኻ ናይ ምሕዳር ስጕምቲ ዕዉት ክኸውን ይኽእልዶ ኣይክእልን ዝፍለጠሉ እንኮ መገዲ እንታይ ኢዩ፧
11 እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ጌጋ ምርጫ ኢዮም ገይሮም። ካብ ኣምላኽ ወጺኦም ብርእሶም ናይ ምሕዳር ስጕምቲ ኢዮም መሪጾም። ሓቂ ኢዩ: ኣምላኽ ነቶም ዝዓለዉ ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበበይትን ሰባት ነቲ ናጻ ምርጭኦም ብጌጋ ምስ ተጠቕሙሉ ብኡንብኡ ብሞት ክቐጽዖም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እዚ ግን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሰባት ክገዝእ ዘለዎ መሰል ኣመልኪቱ እተላዕለ ሕቶ ዘደቅስ ኣይነበረን። እቶም ናይ መጀመርታ ጽምዲ ሰባት ካብ ኣምላኽ ወጺኦም ብ ር እ ሶ ም ክሓድሩ ስለ ዝደለዩ: እ ቲ እ ተ ወ ስ ደ ስጕምቲ ሕጕስን ዕዉትን ህይወት ከፍሪ ይኽእልዶ፧ ዝብል ሕቶ ክምለስ ነበሮ። እዚ ክፍለጠሉ ዝከኣል እንኮ መገዲ ድማ: ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድናን ዘርኦምን ብመገዶም ክኸዱ ምሕዳጎም ኢዩ: ምኽንያቱ ምርጭኦም ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ሰባት ኣብ ፈጣሪኦም ከይተወከሉ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ምምራሕ ዕዉታት ክዀኑ ድዮም ተፈጢሮም ወይ ኣይተፈጥሩን: ግዜ ክምልሶ ነበሮ።
12. ኤርምያስ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ብኸመይ ኢዩ መደምደምታ ዝሃበ: ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያትከ እንታይ ኢዩ፧
12 እቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኤርምያስ ናይዚ ውጽኢት እንታይ ከም ዝኸውን ፈሊጡ ነበረ። በቲ ናይ ኣምላኽ ሓያል መንፈስ ቅዱስ: ወይ መስለጢ ሓይሊ ተመሪሑ: ሓቅነት ብዘለዎ መገዲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ። ጐይታየ: ቅጽዓኒ [“ኣርመኒ:” NW ]።” (ኤርምያስ 10:23, 24) ሰባት መሪሕነት ሰማያዊ ጥበብ ኣምላኽ ክህልዎም ከም ዝግባእ ፈሊጡ ነበረ። ስለምንታይ ክህልዎም ዝግባእ፧ ብሕጽር ዝበለ ኣምላኽ ሰባት ካብ መሪሕነቱ ወጺኦም ክዕወቱ ስለ ዘይፈጠሮም ኢዩ።
13. ውጽኢት ናይቲ ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ብዘይጥርጥር እንታይ ምዃኑ ኢዩ እተራእየ፧
13 ውጽኢት ናይቲ ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለ ሰብኣዊ ግዝኣት: ብዘይጥርጥር ሰባት ካብ ፈጣሪኦም ወጺኦም ጕዳያቶም ከቃንዑ ከም ዘይክእሉ ኢዩ ዘርኢ። ስለ ዝፈተንዎ: በቲ ዝሰዓበ መቕዘፍቲ ዝውቀሱ ንሳቶም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ንጹር ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ:- “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ [ኣምላኽ] ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ። ንሳቶም ተባላሸውዎ: ደቁ ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም [“እቲ ጕድለት ናይ ገዛእ ርእሶም ኢዩ:” NW ]።”—ዘዳግም 32:4, 5
ኣምላኽ ቀልጢፉ ኢዱ ከእቱ ኢዩ
14. ኣምላኽ ድሕሪ ደጊም ኢዱ ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት ንምእታው ዘይድንጒ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ኣምላኽ ንዘበናት ዝኣክል ጕድለት ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ንኽግለጽ እኹል ግዜ ብምፍቃዱ: ሕጂ ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት ኢዱ ከእቱን ስቓይ: ሓዘን: ሕማም: ከምኡውን ሞት ደው ንምባል ድማ ስጕምቲ ክወስድን ይኽእል ኢዩ። ሰባት ኣብ ስነ-ፍልጠት: ኢንዱስትሪ: ሕክምና: ከምኡውን ኣብ ካልእ ዓውድታት ኣብቲ ዝለዓለ ዓወታት ክበጽሑ ስለ ዘፍቀደሎም: ኣምላኽ ሰባት ኣብ ፈጣሪኦም ከይተወከሉ ሓንቲ ሰላም ዝመልኣን ገነታዊትን ዓለም ከምጽኡ ይኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ንምርኣይ ካብዚ ንንዮ ካልእ ተወሳኺ ዘበናት ከፍቅድ ኣየድልዮን ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣይከኣሉን ንዝመጽእ እውን ኣይክእሉን ኢዮም። ካብ ኣምላኽ ወጺእካ ብርእስኻ ምሕዳር ሓንቲ ግናይ: ጽልኢ ዝመልኣ: ቀዛፊት ዓለም ኢዩ ኣፍርዩ።
15. ነየናይ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከነቕልበሉ ኢዩ ሰናይ ዝዀነ፧
15 ንደቅሰብ ንምሕጋዝ ዝበሃጉ ቅኑዓት መራሕቲ ነይሮም እኳ እንተዀኑ: ጻዕርታቶም ግን ኣይተዓወተን። ሎሚ ኣብ ዝኸድካዮ ቦታ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እናፈረሰ ይኸይድ ምህላዉ ዝሕብር መርትዖ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ዝመክር:- “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።”—መዝሙር 146:3
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]
ቅኑዓት ዝዀኑ ናይ ዓለም መራሕቲ እውን ከይተረፉ ሰላም ዝመልኣ ገነታዊት ዓለም ከምጽኡ ኣይከኣሉን