ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ

ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ

7ይ ክፋል

ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ

1, 2. ኣምላኽ ንእከይን ስቓይን መወዳእታ ምእንቲ ኽገብረሉ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

1 ብዓይኒ ሰብ ክርአ ኸሎ: ኣምላኽ ዘይፍጽምናን ስቓይን ንነዊሕ ግዜ ክቕጽል ዘፍቀደ እኳ እንተ መሰለ: ሕማቕ ኵነታት ንሓዋሩ ክቕጽል ግን ኣይከፍቅድን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ነገራት ክፍጸም ዘፍቀደ ንእተወሰነ እዋን ምዃኑ ይነግረና ኢዩ።

2 “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ።” (መክብብ 3:⁠1) እቲ ኣምላኽ እከይን ስቓይን ንኽቕጽል ዘፍቀደሉ እዋን ምስ ተወድአ: ሽዑ ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት ኢዱ ከእቱ ኢዩ። ንእከይን ስቓይን መወዳእታ ክገብረሉ: ነቲ ኣብ ማእከል ገነታዊ ኵነታት ምሉእ ሰላምን ቁጠባዊ ድሕንነትን ብዘስተማቕሩ ፍጹማትን ሕጕሳትን ሰብኣውያን ስድራቤት ዝመልአት ምድሪ ንኽትህሉ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላምኡ ድማ ክፍጽሞ ኢዩ።

ፍርድታት ኣምላኽ

3, 4. መጽሓፍ ምሳሌ ነቲ ኣምላኽ ኢዱ ምስ ኣእተወ ዝህሉ ውጽኢት ብኸመይ ኢያ እትገልጾ፧

3 ገለ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ኢድ ምእታው ማለት ናይ ፍርድታቱ ውጽኢት: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንሰብኣዊ ስድራቤት እንታይ ከም ዘምጽኣሎም ዝገልጽ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ሒደት ርአ:⁠-

4 “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”​—⁠ምሳሌ 2:​21, 22

5, 6. መዝሙር 37 ኣምላኽ ኢዱ ምስ ኣእተወ እንታይ ከም ዝፍጸም እትገልጽ ብኸመይ ኢያ፧

5 “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:​9⁠-11

6 “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር [“ንምድሪ:” NW ] ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ። ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም: ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:​34, 37, 38

7. ቃል ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ምኽሪ ኢዩ ዝህበና፧

7 ስለዚ እምበኣር: ነቶም እቲ ዅሉ ዝኽእል ፈጣሪ ክገዝኣና መሰል ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ዝህቡ ሰባት ዝጽበዮም ዘሎ ዘደንቕ መጻኢ ብምርኣይ ከምዚ ዝስዕብ ክንገብር ተማዒድና ኣሎና:⁠- “ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ እሞ: . . . ልብኻ ንትእዛዛተይ ይሓልወን።” እወ: ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ዝመረጹ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክውሰኸሎም ኢዩ! ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ዝመኽረና:⁠- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 3:​1, 2, 5, 6

ካብ ሰማይ ዝመጽእ ግዝኣት ኣምላኽ

8, 9. ኣምላኽ ነዛ ምድሪ እዚኣ ብምንታይ ገይሩ ኢዩ ከጽርያ፧

8 ኣምላኽ ነዚ ንምድሪ ናይ ምጽራይ ዕዮ ብሓንቲ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ፈጺሞም ከምጽእዋ ዘይከኣሉ ዝበለጸት ዓይነት መንግስቲ ገይሩ ኢዩ ክፍጽሞ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና ስለ እትገዝእ ሰማያዊ ጥበብ እተንጸባርቕ መንግስቲ ኢያ። እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ንዅሉ ዓይነት ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ካብ ምድሪ ክትጸርጎ ኢያ። ሰባት እንደገና ካብ ኣምላኽ ወጺኦም ብርእሶም ክመሓደሩ ናይ ምፍታን ኣማራጺ ፈጺሙ ኣይክህልዎምን ኢዩ።

9 ነዚ ኣመልኪቱ እቲ ኣብ ዳንኤል 2:44 ዘሎ ትንቢት ከምዚ ይብል:⁠- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሎሚ ዘለዉ መንግስታት] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን [ሰባት ድሕሪ ደጊም ካብ ኣምላኽ ወጺኦም ብርእሶም ክመሓደሩ ኣይክፍቀደሎምን ኢዩ] መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ሎሚ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”​—⁠ራእይ 19:​11⁠-21፣ 20:​4⁠-​6 እውን ርአ።

10. ኣብ ትሕቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እንደገና ናይ ኣገዛዝኣ ብልሽውና ፈጺሙ ከም ዘይህሉ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ስለዚ: ደቅሰብ ድሕሪ ደጊም ብልሹው ዝዀነ ዓይነት ኣገዛዝኣ ኣይክህልዎምን ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ምስ ኣጥፍኦ: ካብ ኣምላኽ ወጺኡ ብርእሱ ዝኸይድ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ። እታ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ ድማ መስራቲኣን ሓላዊኣን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ብልሽውቲ ኣይክትከውንን ኢያ። ኣብ ክንድኡ: ንዝበለጸ ረብሓታት ሰብኣውያን ተገዛእታ ኢያ ክትዓዪ። ድሕርዚ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ዝማሃሮም።​—⁠ማቴዎስ 6:10

ክሳዕ ክንደይ ኢና ናብ መወዳእታ ቀሪብና ዘሎና፧

11. ናብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ክንደይ ቀሪብና ከም ዘሎና ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ትንቢታት ኣበየናይ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንረክብ፧

11 ናብቲ እዚ ዕግበት ዘይርከቦ ኣገባብ ዝውድኣሉን ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እትጅምረሉን ግዜ ክሳዕ ክንደይ ኢና ቀሪብና ዘሎና፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ንጹር ብዝዀነ መገዲ መልሲ ይህበና ኢዩ። ንኣብነት: ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” (NW ) ኢሉ ዝገልጾ ብምትሕሓዝ ኵነታትና ከመይ ከም ዘሎ ክንርዳእ ምእንቲ ኽንክእል: የሱስ ባዕሉ እቲ እንጽበዮ ነገር እንታይ ከም ዝዀነ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። እዚ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከምኡውን 25: ማርቆስ 13: ከምኡውን ሉቃስ 21 ተመዝጊቡ ንረኽቦ። ከምቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3 ተመዝጊቡ ዘሎ: ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣብቲ ናይ ግዜ ጕዕዞ ኣበየናይ እዋን ከም ዘሎና ዝያዳ ዘነጽር እተፈላለየ ፍጻመታት ዝርኣየሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዋን ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ።

12, 13. የሱስን ጳውሎስን ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ እንታይ ኢዮም ዝበሉ፧

12 የሱስ እዚ እዋን እዚ በዚ ዝስዕብ ፍጻመታት ከም ዝጅምር ተዛሪቡ ኢዩ:⁠- “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን . . . ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:⁠7) ሉቃስ 21:11 ድማ ‘ኣብ በቦታኡ ፌራ’ ከም ዝህሉ ምጥቃሱ እውን ትሕብር ኢያ። ብዛዕባ ‘ምብዛሕ ዓመጻ’ እውን ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:12

13 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ተነበየ:⁠- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን [“ንኸትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ:” NW ] ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ። . . . መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ: . . . እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​1⁠-5, 13

14, 15. ኣብዚ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበን እተራእየ ፍጻመታት ብርግጽ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘሎና ዘነጽር ብኸመይ ኢዩ፧

14 እቲ የሱስን ጳውሎስን ብትንቢት እተዛረብሉ ነገራት ኣብዚ ግዜና ይፍጸምዶ ኣሎ፧ እወ: ብርግጽ ይፍጸም ኣሎ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብቲ ክሳዕ ሽዑ እተኻየደ ውግኣት እቲ ዝበርትዐ ኢዩ ነይሩ። ናይ ዓለም ቀዳማይ ውግእ: ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ድማ ነጥበ⁠-መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። ምስቲ ውግእ እቲ ተተሓሒዙ ድማ ጥሜት: ናይ ሕማም ለበዳታት: ከምኡውን ካልእ መቕዘፍትታት ሰዓበ። እዚ ፍጻመታት እዚ ካብ 1914 ንነጀው ከምቲ የሱስ ገሊጽዎ ዘሎ “መጀመርታ ቕልውላው” ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:⁠8) መጀመርታ ናይቲ ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዋን: መጀመርታ ናይቲ ኣምላኽ ንእከይን ስቓይን ደው ዘብለሉ ናይ መወዳእታ ወለዶ ኢዩ ነይሩ።

15 ምስቲ ኣብ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ ፍጻመታት ሌላ ከም ዘሎካ ፍሉጥ ኢዩ። ነቲ እተላዕለ ሕንፍሽፍሽ ትፈልጦ ኢኻ። ገለ 100 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብውግእ ተቐቲሎም ኢዮም። ካልኦት ብኣምኣታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ጥሜትን ሕማምን ሞይቶም ኢዮም። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ኣጥፊኡ ኢዩ። ንህይወትን ንብረትን ዕሽሽ ምባል እናወሰኸ ከይዱ። ናይ ገበን ፍርሂ ክፍሊ መዓልታዊ ናብራ ዀይኑ። ስነ⁠-ምግባራዊ መዐቀኒታት ንጐድኒ ተጐስዩ። ብዝሒ ህዝቢ ገና ዘይተፈትሐ ግድላት ኣስዒቡ። ብከላ ንህይወት ይምርዞ ኣብ ሓደጋ ከይተረፈ እውን የውድቖ ኢዩ ዘሎ። ብሓቂ: ካብ 1914 ኣትሒዝና ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢና ዘለና: ንግዜና ዝምልከት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ መዛዘሚኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ድማ ንቐርብ ኢና ዘሎና።

16. እተን ዳሕሮት መዓልትታት ክንደይ ዝኣክል ናይ ግዜ ንውሓት ዝሓዛ ኢየን፧

16 እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንውሓተን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ክኸውን፧ የሱስ ነቲ ካብ 1914 ንነጀው “መጀመርታ ቕልውላው” ዝርኢ ወለዶ ኣመልኪቱ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ [ኣይሓልፍን ኢዩ]” ኢሉ ነበረ። (ማቴዎስ 24:​8, 34⁠-36) ስለዚ ኵሉ እቲ ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ምልክታት ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ናይ ግዜ እዋን ክፍጸም ኣለዎ። ራእይ 12:12 ሰይጣን ናብ ከባቢ ምድሪ ምስ ተደርበየ ሓጺር ግዜ ጥራይ ከም ዝህልዎ ትዛረብ።

17, 18. ናብ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣዚና ቐሪብና ከም ዘለና ዝሕብር ትንቢት ኣየናይ ኢዩ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣዝዩ ከም ዝቐረበ ዝሕብር ካልእ ትንቢት እውን ሂቡ ኢዩ: ከምዚ ብምባል ድማ ተነበየ:⁠- “መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ [ኢያ እትመጽእ] . . . ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ . . . ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።”​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:​2, 3፣ ሉቃስ 21:​34, 35 እውን ርአ።

18 ሎሚ ዝሑል ኲናት ኣብቂዑ ኢዩ: ኣህጉራዊ ውግኣት እውን ምናልባት ድሕሪ ደጊም ዓቢ ስግኣት ኣይከውንን ይኸውን። ስለዚ ሃገራት ናብ ናይ ዓለም ሓድሽ ስርዓት ገጸን ዝቐረባ ኰይኑ ይስምዐን ይኸውን። ጻዕርታተን ይዕወት ከም ዘሎ እናተሰምዐን ምስ ከደ ግና: ኣንጻር እቲ ዝሓሰብኦ ኢዩ ክፍጸም: ከመይሲ እዚ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣገባብ እዚ ዘውርዶ ጥፍኣት ኣዝዩ ምቕራቡ ዝሕብር ናይ መወዳእታ ምልክት ኢዩ ክኸውን። ፖለቲካዊ ስምምዓትን ውዕላትን ኣብ ሰባት ዝዀነ ይኹን ናይ ሓቂ ለውጢ ከም ዘየምጽአ ዘክር። ሰባት ንሓድሕዶም ከም ዝፋቐሩ ኣይገብሮምን ኢዩ ዘሎ። ናይ ዓለም መራሕቲ ንገበን ደው ኣየበልዎን ንሕማምን ሞትን ድማ ኣየልገስዎን። ስለዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ንሰብኣዊ ሰላምን ደሓንን ዝምልከት ምዕባለ ኣይትወከል: እዛ ዓለም እዚኣ ግድላታ ናብ ምፍታሕ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ገይርካ ድማ ኣይትሕሰብ። (መዝሙር 146:⁠3) ከምዚ ዝበለ ናይ ሰላምን ደሓንን ጭድርታ ክስማዕ ከሎ እዛ ዓለም እዚኣ ናብ መወዳእታ ገጻ ምቕራባ ዝሕብር ኢዩ።

ስብከት ብስራት

19, 20. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንዝካየድ ስብከት ዝምልከት እንታይ ትንቢት ክፍጸም ኢና እንርኢ ዘለና፧

19 ካብ 1914 ኣትሒዝና ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘሎና ዝሕብር: የሱስ ዝሃቦ ካልእ ትንቢት ድማ “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” ዝብል ኢዩ። (ማርቆስ 13:10) ወይ ድማ ከምቲ ማቴዎስ 24:​14 ገሊጻቶ ዘላ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”

20 ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ: እቲ ንጥፍኣት እዛ ዓለም እዚኣን ንምምጻእ ናይታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ገነታዊት ሓዳስ ዓለምን ዝምልከት ብስራት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ይስበኽ ኢዩ ዘሎ። ብመን፧ በቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር። ኣብ ምድሪ ኣብ ዘላ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ይሰብኩ ኢዮም ዘለዉ።

21, 22. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛታት ክርስትያናት ምዃኖም ብፍላይ ዘፍልጦም እንታይ ኢዩ፧

21 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምስባኾም ከም ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ከፍልጦም ብዝኽእል መገዲ ኢዮም ዝመላለሱ ዘለዉ: ከመይሲ ንሱ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓደ ዘይብተኽ ማእሰር ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣህጉራዊ ሕውነት እተጠርነፉ ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 13:35፣ ከምኡውን ኢሳይያስ 2:​2-4፣ ቈሎሴ 3:14፣ ዮሃንስ 15:​12-14፣ 1 ዮሃንስ 3:​10-12፣ 4:​20, 21፣ ራእይ 7:​9, 10 ርአ።

22 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ኢሉ ዝዛረበሉ ይኣምንዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:​34, 35) ኣብ ኵለን ሃገራት ንዝርከቡ መሰኻኽር ብጾቶም: ዓሌቶም ወይ ሕብሮም ብዘየገድስ ከም መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኢዮም ዝርእይዎም። (ማቴዎስ 23:⁠8) ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ከምዚ ዝበለ ኣህጉራዊ ሕውነት ምህላዉ ድማ ነቲ ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከም ዝፍጸም ዝሕብር መርትዖ ዘትርሮ ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ኣምላኽ ፍጽምቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣብታ ሓዳስ ዓለም እታ ንደቅሰብ እትገዝእ እንኮ ምምሕዳር ክትከውን ኢያ