ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 120

ደቀ መዛሙርቲ ፍረ ኺፈርዩን ኣዕሩኽ የሱስ ኪዀኑን ይግባእ

ደቀ መዛሙርቲ ፍረ ኺፈርዩን ኣዕሩኽ የሱስ ኪዀኑን ይግባእ

ዮሃንስ 15:1-27

  • ናይ ሓቂ ወይንን ጨናፍሩን

  • ከመይ ጌርካ ኣብ ፍቕሪ የሱስ ጸኒዕካ ኸም ዚንበር

የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ ልቦም ዘሎ ድሕሪ ምዝርራቦም እሞ ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ፡ የሱስ ሓንቲ ንተግባር እተለዓዕል ምሳሌ መሰለ፦

“ኣነ ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ እየ፣ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” ኢሉ ጀመረ። (ዮሃንስ 15:1) እቲ ኣብታ ምሳሌኡ ዝበሎ ነገር፡ ምስቲ ዘመናት ኣቐዲሙ ብዛዕባ እቲ ተኽሊ ወይኒ የሆዋ ተባሂሉ እተጸውዐ ህዝቢ እስራኤል እተባህለ ነገር ይመሳሰል እዩ። (ኤርምያስ 2:21፣ ሆሴእ 10:1, 2) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ህዝቢ እቲ ኺድርብዮ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ። (ማቴዎስ 23:37, 38) ስለዚ፡ የሱስ ሓድሽ ሓሳብ እውን ኣተኣታተወ። ንሱ ብ29 ድ.ክ. ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዚቕባእ ኣትሒዙ፡ እቲ ኣቦኡ ዚዅስኵሶ ዝነበረ ተኽሊ ወይኒ እዩ ዀይኑ ነይሩ። ግናኸ፡ የሱስ፡ እቲ ተኽሊ ወይኒ ንዕኡ ጥራይ ከም ዘየመልክት እውን ኸምዚ ኢሉ ገለጸ፦

“[ኣቦይ] ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ጨንፈር ይቘርጾ፣ ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዅሉ ግና፡ ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። . . . ከምቲ ጨንፈር ምስ ተኽሊ ወይኒ ጸኒዑ እንተ ዘይነቢሩ፡ ባዕሉ ኺፈሪ ዘይክእል፡ ንስኻትኩም እውን ምሳይ ብሓድነት እንተ ዘይነቢርኩም፡ ከምኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ ተኽሊ ወይኒ ኣነ እየ፣ እቲ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም።”—ዮሃንስ 15:2-5

የሱስ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ ንሱ ምስ ከደ ሓጋዚ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሰድደሎም ቃል ኣትዩሎም ነይሩ እዩ። ድሕሪ 51 መዓልቲ፡ እቶም ሃዋርያትን ካልኦትን ነቲ መንፈስ እቲ ምስ ተቐበሉ፡ ጨናፍር እቲ ተኽሊ ወይኒ ዀኑ። ኵሎም እቶም “ጨናፍር” ከኣ ምስ የሱስ ብሓድነት ኪነብሩ ነበሮም። ስለምንታይ፧

የሱስ፡ “ብዘይካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር፡ ኣነ እውን ምስኡ ብሓድነት ዝነብር፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ይፈሪ” በለ። እቶም “ጨናፍር፡” ማለት እቶም እሙናት ሰዓብቱ፡ ባህርያት የሱስ ብምቕዳሕን ብንጥፈት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋርን ተወሰኽቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን እዮም ብዙሕ ፍረ ዚፈርዩ። ሓደ ሰብ ምስ የሱስ ብሓድነት እንተ ዘይነቢሩን ፍረ እንተ ዘይፈርዩንከ፧ የሱስ፡ “ምሳይ ብሓድነት ዘይነብር እንተሎ፡ . . . ንወጻኢ ይድርበ” በለ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ “ምሳይ ብሓድነት እንተ ነቢርኩም፡ ቃለይ እውን ኣባኻትኩም እንተ ሓዲሩ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም” በለ።—ዮሃንስ 15:5-7

ድሕርዚ፡ የሱስ ናብቲ ኽልተ ሳዕ ጠቒስዎ ዝነበረ ምሕላው ትእዛዛቱ ተመልሰ። (ዮሃንስ 14:15, 21) ደቀ መዛሙርቱ ትእዛዛቱ ይሕልዉ ምህላዎም ዜርእዩሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ “ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦ ዝሓለኹ እሞ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዐ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም እውን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም” ብምባል ገለጸ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱን ምፍቃር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ነገር ከም ዜድሊ እውን የሱስ ከምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን። ንስኻትኩም፡ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።”—ዮሃንስ 15:10-14

የሱስ ድሕርዚ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ህይወቱ ብእኡ ንዚኣምኑ ዅሎም ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። ኣብነቱ ኸኣ ንሰዓብቱ፡ ብተመሳሳሊ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ፍቕሮም ኬርእዩ ኺድርኾም ይግባእ። ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ፡ እዛ ፍቕሪ እዚኣ መለለዪቶም እያ እትኸውን።—ዮሃንስ 13:35

እቶም ሃዋርያት፡ የሱስ “ኣዕሩኸይ” ኢሉ ኸም ዝጸውዖም ኣስተብሂሎም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበሎም ኪገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ” በሎም። ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ የሱስ ምዃንን እቲ ኣቦ ዝነገሮ ዘበለ ምፍላጥንሲ፡ ከመይ ዝበለ ኽቡር ርክብ ኰን እዩ! ነዚ ርክብ እዚ ሒዝካ ንምቕጻል ግና፡ ‘ፍረ ኺፈርዩ’ ነበሮም። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ የሱስ፡ “ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ . . . ኺህበኩም [እዩ]” በሎም።—ዮሃንስ 15:15, 16

እታ ኣብ መንጎ እቶም “ጨናፍር፡” ማለት ደቀ መዛሙርቱ ዝነበረት ፍቕሪ፡ ድሕሪኡ ንዚመጾም ነገራት ኪጻወሩ እትሕግዝ እያ። የሱስ፡ ዓለም ከም እትጸልኦም ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ዓለም እንተ ጸሊኣትኩም፡ ንዓይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ትፈትዎ እያ። . . . ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፣ ስለዚ፡ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” ኢሉ ዜጸናንዕ ነገር ነገሮም።—ዮሃንስ 15:18, 19

የሱስ፡ ዓለም ስለምንታይ ከም እትጸልኦም ተወሳኺ ምኽንያት ኪገልጸሎም ከሎ፡ “ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም” በለ። እቲ ተኣምራዊ ግብርታቱ ነቶም ዚጸልእዎ ኸም ዚዅንኖም ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ “ካልእ ዘይገበሮ ግብርታት ኣብ መንጎኦም እንተ ዘይገብር፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፣ ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንዓይን ንኣቦይን ጸሊኦምና ኣለዉ” በለ። ከም ሓቂ፡ እቲ ጽልኦም ፍጻመ ትንቢት እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 15:21, 24, 25፣ መዝሙር 35:19፣ 69:4

የሱስ መሊሱ ሓጋዚ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሰድድ ቃል ኣተወሎም። ኵሎም ሰዓብቱ፡ እቲ ብርቱዕ ሓይሊ እቲ ኪቕበሉ ይኽእሉ እዮም፣ ምስ ተቐበልዎ ኸኣ ‘ኪምስክሩ’ ይሕግዞም እዩ።—ዮሃንስ 15:27