ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 116

ኣብቲ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ብዛዕባ ትሕትና መሃረ

ኣብቲ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ብዛዕባ ትሕትና መሃረ

ማቴዎስ 26:20 ማርቆስ 14:17 ሉቃስ 22:14-18 ዮሃንስ 13:1-17

  • የሱስ ምስ ሃዋርያቱ፡ ናይ መወዳእታ ፋስጋ በልዐ

  • ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ፡ ሓደ ትምህርቲ መሃረ

ጴጥሮስን ዮሃንስ ከምቲ የሱስ ዝበሎም ናብ የሩሳሌም ከይዶም ንፋስጋ ዚኸውን ኣዳለዉ። የሱስን እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ሃዋርያቱን ከኣ ጸኒሖም ናብኡ ኸዱ። የሱስን እቶም ሃዋርያቱን ካብ ደብረ ዘይቲ ኺወርዱ ኸለዉ፡ ኣጋ ምሸት እዩ ነይሩ፡ ጸሓይ እውን ብምዕራባዊ ሰማይ ተንቈልቍል እያ ነይራ። የሱስ ክሳዕ እቲ ኻብ ምዉታት ዚትንስኣሉ ግዜ፡ ነታ ኸተማ ብመዓልቲ ዚርእያ ዘሎ ንመወዳእታ ግዜኡ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ የሱስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኣብታ ኸተማ በጽሑ እሞ፡ ናብታ ፋስጋ ዜብዕሉላ ቤት ከዱ። በቲ ናብ ሰፊሕ ደርቢ ዜደይቦም መደያይቦ ኸኣ ደየቡ። ኣብኡ ድማ ንበይኖም ዚበልዑሉ ዅሉ ምድላዋት ተገይሩ ጸንሖም። የሱስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ይጽበዮ ስለ ዝነበረ፡ “መከራ ቕድሚ ምጽጋበይ፡ እዚ ፋስጋ እዚ ምሳኻትኩም ክበልዕ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣለኹ” በሎም።—ሉቃስ 22:15

ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ገለ ጽዋኣት ወይኒ ኣብ መንጎ እቶም ፋስጋ ዜብዕሉ ሰባት እናኣዞርካ ናይ ምስታይ ልማድ ተኣታትዩ ነበረ። የሱስ ድማ ንሓንቲ ኻብተን ጽዋኣት ምስ ተቐበለ፡ ኣመስጊኑ፡ “ነዚኣ ውሰድዋ እሞ፡ ተኻፈልዋ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእሲ፡ ካብ ፍረ ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። (ሉቃስ 22:17, 18) ሞቱ ኸም ዝቐረበ ንጹር እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ድራር ፋስጋ ድማ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ኰነ። የሱስ ተንሲኡ፡ ክዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉ እውን ተዓጥቀ። ድሕሪኡ፡ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕረቐ። ከም ንቡር፡ ኣአንጋዲ እዩ ኣእጋር ኣጋይሽ ዚሓጽብ ዝነበረ፣ ምናልባት እውን ንጊልያኡ ኸም ዚሓጽብ ይገብሮ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 7:44) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግና ኣአንጋዲ ኣይነበረን፣ ስለዚ፡ የሱስ ኣእጋሮም ኪሓጽቦም ተላዕለ። ሓደ ኻብቶም ሃዋርያት ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ኺገብሮ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ሓደ እኳ ኸምኡ ኣይገበረን። ኣብ መንጎኦም እተወሰነ ውድድር ስለ ዝነበረ ድዮም ከምኡ ዘይገበሩ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ኣእጋሮም ኪሓጽቦም ምስ ጀመረ፡ ሓፈሩ።

የሱስ ናብ ጴጥሮስ ምስ መጸ፡ ጴጥሮስ፡ “ከቶ ኣእጋረይ ኣይክትሓጽበንን ኢኻ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እንተ ዘይሓጺበካስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ። ጴጥሮስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን እውን ሕጸበኒ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን” ኢሉ ብውዕዉዕ ስምዒት ተዛረበ። ሽዑ የሱስ፡ “እቲ እተሓጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እምበር፡ ብዘይካ ኣእጋሩ፡ ኪሕጸብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ንጹሃት ኢኹም፣ ግናኸ፡ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን” ኢሉ ምስ መለሰ፡ ጴጥሮስ ብዙሕ ተገሪሙ ኪኸውን ኣለዎ።—ዮሃንስ 13:8-10

የሱስ ኣእጋር ኵሎም እቶም 12 ሃዋርያት፡ እንተላይ ኣእጋር እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ እውን ከይተረፈ ሓጸበ። ክዳውንቱ ምስ ተኸድነን ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠን ከኣ ከምዚ በሎም፦ “እንታይ ከም ዝገበርኩልኩምሲ ተረዲእኩምዶ፧ ንስኻትኩም፡ ‘መምህር’ን ‘ጐይታ’ን ትብሉኒ ኣለኹም፣ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ቅኑዕ ትዛረቡ ኣለኹም። እምበኣር፡ ኣነ ጐይታን መምህርን ክነሰይ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም። ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን፡ ልኡኽ እውን ካብ ለኣኺኡ ኣይዓብን እዩ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም።”—ዮሃንስ 13:12-17

እዝስ ብትሕትና ብዛዕባ ምግልጋል እተዋህበ ኸመይ ዝበለ ትምህርቲ ዀን እዩ! ሰዓብቲ የሱስ ኣገደስቲ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ብምሕሳብ ቀዳማይ ቦታ ኺደልዩን ኪግልገሉ ኺጽበዩን ኣይግባእን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ኣለዎም፣ ነዚ ድማ እግሪ ብምሕጻብ ብዚግበር ሃይማኖታዊ ወግዒ ዘይኰነስ፡ ብትሕትናን ብዘይ ኣድልዎን ንምግልጋል ፍቓደኛ ብምዃን እዮም ዚገብርዎ።