ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 132

“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ”

“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ”

ማቴዎስ 27:45-56 ማርቆስ 15:33-41 ሉቃስ 23:44-49 ዮሃንስ 19:25-30

  • የሱስ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ሞተ

  • ኣብ እዋን ሞት የሱስ ዝዀነ ዘይልሙድ ፍጻመታት

“ሻድሸይቲ ሰዓት” ወይ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ እዩ ነይሩ። “ክሳዕ ታሽዐይቲ ሰዓት፡” ማለት ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ፡ “ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ።” (ማርቆስ 15:33) እቲ ዜፍርህ ጸልማት ብግርደተ ጸሓይ ኣይኰነን ተኸሲቱ። ምኽንያቱ፡ ግርደተ ጸሓይ ኣብ ሰርቂ ወርሒ እዩ ዚኽሰት፣ እቲ እዋን እቲ ግና ቅነ ፋስጋ ብምንባሩ፡ ምልእቲ ወርሒ እያ ነይራ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጸልማት ካብቲ ኣብ ግርደት ዚህሉ ሒደት ደቓይቕ ኣጸቢቑ ንዝነውሐ እዋን እዩ ጸኒሑ። ስለዚ፡ ኣምላኽ እዩ ጸልማት ከም ዚኸውን ገይሩ!

እቲ ጸልማት ኣብቶም ንየሱስ ዜላግጹሉ ዝነበሩ ሰባት ዘሕደሮ ጽልዋ እሞ ገምቶ። ኣብቲ ጸልማት ዝነበረሉ እዋን፡ ኣርባዕተ ኣንስቲ ናብቲ ጕንዲ ስቅያት ቀረባ። ንሳተን ከኣ ኣደ የሱስን ሰሎሜን ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ሃዋርያ ያእቆብ እቲ ንእሽቶን እየን ነይረን።

ሃዋርያ ዮሃንስ ምስታ እትሓዝን ዝነበረት ኣደ የሱስ “ኣብ ጥቓ ጕንዲ ስቅያት” ነበረ። ማርያም ድማ ነቲ ዝወለደቶን ዘጥበወቶን ወዳ ተሰቒሉ ኺሳቐ ኽትርእዮ ኸላ፡ “ነዊሕ ሰይፊ” ኸም ዝወግኣ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዋ። (ዮሃንስ 19:25፣ ሉቃስ 2:35) የሱስ ግና ብርቱዕ ቃንዛ እናሃለዎ ኽነሱ፡ ብዛዕባ ድሕንነታ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ብርእሱ ናብ ዮሃንስ እናኣመልከተ ንኣዲኡ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ” በላ። ቀጺሉ ብርእሱ ናብ ማርያም እናኣመልከተ ንዮሃንስ፡ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ።—ዮሃንስ 19:26, 27

በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ነቲ ብፍላይ ዚፈትዎ ሃዋርያኡ፡ ነታ ሽዑ መበለት ነይራ ኽትከውን ዘለዋ ኣዲኡ ኺኣልያ ሕድሪ ገደፈሉ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቶም ካልኦት ደቂ ማርያም ክሳዕ ሽዑ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ይፈልጥ ብምንባሩ እዩ። ስለዚ፡ ንኣዲኡ ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልያ ዘበለ ኸም ዚማልኣላ እዩ ዚገብር ነይሩ። ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰነ እዩ!

ኣጋ እቲ ጸልማት ዘብቅዓሉ እዋን፡ የሱስ፡ “ጸሚአ” በለ። በዚ ኸምዚ ድማ ቅዱስ ጽሑፍ ተፈጸመ። (ዮሃንስ 19:28፣ መዝሙር 22:15) ንጽህናኡ ኽሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ኺፍተን ኢሉ፡ ኣቦኡ ዕቝባኡ ኸም ዘልገሰ ድማ ተፈለጦ። ስለዚ፡ ኣብ ገሊላ ብዚዝረብ ላህጃ ኣራማይስጢ፡ “ኤሊ፡ ኤሊ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ማለት እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ነዚ ሰሚዖም፡ “እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ” በሉ። ሓደ ኻባታቶም ድማ ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ወይኒ ኣሊኹ፡ ኣብ ሻምብቆ ገይሩ ኺሰትዮ ሃቦ። ገሊኦም ግና፡ “ሕደግዎ! ኤልያስ ኬውርዶ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ” በሉ።—ማርቆስ 15:34-36

ሽዑ፡ የሱስ፡ “ተፈጺሙ!” በለ። (ዮሃንስ 19:30) እወ፡ ነቲ ኣቦኡ ኺገብሮ ኢሉ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ነገራት ኵሉ ፈጺምዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ “ኣቦ፡ መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ” በለ። (ሉቃስ 23:46) በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ነቲ ሓይሊ ህይወቱ መሊሱ ኸም ዚህቦ ብምትእምማን፡ ኣብኡ ተማዕቈበ። ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ ኸይነከየ ኸኣ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ሞተ።

ሽዑ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ኣኻውሕ ከኣ ተጨድዱ። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ዝነበረ መቓብር ተኸፊቱስ ኣብኡ ዝነበረ ሬሳታት ወጸ። ነቲ ሬሳታት ወጺኡ ዝረኣዩ ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ ናብታ “ቕድስቲ ኸተማ” ኣትዮም ዝረኣይዎ ነገሩ።—ማቴዎስ 12:11፣ 27:51-53

ብዘይካዚ፡ የሱስ ምስ ሞተ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ንቕድስቲ ኻብ ቅድስተ ቕዱሳን ዚፈሊ ነዊሕን ኸቢድን መጋረጃ ካብ ላዕሊ ኽሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እዚ ዜገርም ፍጻመታት እዚ፡ ኣምላኽ ነቶም ቀተልቲ ወዱ ኸም እተቘጥዖም ዜርኢ፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን፡ ማለት ናብ ሰማይ ኪእቶ ኸም ዚከኣል ዚሕብር እዩ ነይሩ።—እብራውያን 9:2, 3፣ 10:19, 20

እቶም ሰባት ኣዝዮም ፈርሁ። እቲ ፍርዲ ዜፈጽም ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” በለ። (ማርቆስ 15:39) የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ ኣብ እተመርመረሉ እሞ ወዲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ እተዘራረቡሉ እዋን ኣብኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ዜደንቕ ፍጻመታት ምስ ረኣየ ድማ፡ የሱስ ጻድቕን ወዲ ኣምላኽን ምንባሩ ኣመነ።

ካልኦት ነቲ ዘይተለምደ ፍጻመታት ርእዮም ስለ ዝደንጸዎም፡ ከም መግለጺ ኸቢድ ሓዘንን ውርደትን “ኣፍ ልቦም እናወቕዑ” ተመልሱ። (ሉቃስ 23:48) ካብቶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ዚዕዘቡ ዝነበሩ ድማ፡ ምስ የሱስ ዚጐዓዛ ዝነበራ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ነበራ። ንሳተን እውን በቲ ዘይርሳዕ ፍጻመታት ተተንክየን እየን።