ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 135

የሱስ ምስ ተንስአ፡ ንብዙሓት ተራእዮም

የሱስ ምስ ተንስአ፡ ንብዙሓት ተራእዮም

ሉቃስ 24:13-49 ዮሃንስ 20:19-29

  • የሱስ ናብ ኤማሁስ ኣብ እትወስድ መገዲ ተራእየ

  • ንደቀ መዛሙርቱ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ገለጸሎም

  • ቶማስ ንጥርጣረኡ ኣጥፍኦ

ሰንበት 16 ኒሳን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጕህዮም ነበሩ። ትርጉም እቲ ጥራዩ ዝጸንሐ መቓብር ኣይተረድኦምን። (ማቴዎስ 28:9, 10፣ ሉቃስ 24:11) በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቀለዮጳን ካልእ ወደ መዝሙርን ካብ የሩሳሌም ናብታ ኣስታት 11 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኤማሁስ ነቐሉ።

ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር ይዛራረቡ ነበሩ። ሽዑ፡ ሓደ ጋሻ ምሳታቶም ተጸምቢሩ፡ “እናኸድኩም እትዛራረቡሉ ዘለኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧” በሎም። ቀለዮጳ ድማ፡ “በዘን መዓልትታት እዚአን ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ኣብኣ በይንኻ እትቕመጥ ጋሻ ዲኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።—ሉቃስ 24:17-19

ንሳቶም ድማ፡ “እዚ ናይ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነገር፡ . . . ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ ኸም ዝዀነ ተስፋ ንገብር ኔርና” በልዎ።—ሉቃስ 24:19-21

ቀለዮጳን እቲ ብጻዩን ብዛዕባ እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ነገራት ነገርዎ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ ገለ ኣንስቲ ናብቲ የሱስ እተቐብረሉ መቓብር ከይደን ጥራዩ ኸም ዝረኸባኦ፡ የሱስ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን መላእኽቲ ድማ ብራእይ ከም ዝረኣያ ነገርዎ። ካልኦት እውን ናብቲ መቓብር ከም ዝኸዱ፡ ‘ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ኸኣ ከም ዝረኸብዎ’ እውን ሓበርዎ።—ሉቃስ 24:24

እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ትርጉም እቲ ዝዀነ ነገራት ኣይተረድኦምን ነይሩ። እቲ ጋሻ ድማ ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኦም ንምእራም፡ “ኣቱም ንዅሉ እቲ ነብያት እተዛረብዎ ንምእማን ልቦም ዝድንጉይ ዓያሹ! ክርስቶስ እዚ መከራ እዚ ኺጸግብን ናብ ክብሩ ኺኣቱን ናይ ግዲ ደይኰነን፧” ኢሉ ብስልጣን መለሰሎም። (ሉቃስ 24:25, 26) ድሕርዚ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ እተጻሕፈ ብዙሕ ቅዱሳት ጽሑፋት ተርጐመሎም።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ሰለስቲኦም ናብ ጥቓ ኤማሁስ በጽሑ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ተወሳኺ ኺሰምዑ ስለ ዝደለዩ፡ ነቲ ጋሻ፡ “መስዩ እዩ፡ መዓልቲ እውን ዳርጋ ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር” ኢሎም ግዲ በልዎ። ንሱ ድማ ምሳታቶም ኪሓድር ተሰማምዐ፡ ኣብ መኣዲ ድማ ተቐመጡ። እቲ ጋሻ ጸልዩ እንጌራ ቘሪሱ ኺህቦም ከሎ፡ ኣለለይዎ፣ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። (ሉቃስ 24:29-31) ሽዑ፡ የሱስ ህያው ምዃኑ፡ ብርግጽ ፈለጡ።

እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ብታሕጓስ፡ “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኪገልጸልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድ ኣይነበረን፧” ተባሃሃሉ። (ሉቃስ 24:32) ከይተደናጐዩ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ፣ ነቶም ሃዋርያትን ምሳታቶም ንዝነበሩ ኻልኦትን ድማ ረኸብዎም። ቀለዮጳን እቲ ብጻዩን ቅድሚ ምዝራቦም ከኣ፡ እቶም ካልኦት፡ “ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እውን ተራእይዎ” በልዎም። (ሉቃስ 24:34) እቶም ክልተ ድማ፡ የሱስ ንዓታቶም እውን ብኸመይ ከም እተራእዮም ነገርዎም። እወ፡ ንሳቶም እውን ብዓይኖም ዝረኣዩ መሰኻኽር እዮም ነይሮም።

ድሕርዚ፡ የሱስ ኣብታ ኽፍሊ ተረኣዮም፣ ስለዚ፡ ኵላቶም ሰምበዱ! ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ መዓጹ ሸጒሮም ብምንባሮም፡ እዚ ዘይእመን መሰሎም። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ኣብ ማእከሎም እዩ ደው ኢሉ ነይሩ። ብህድኣት ድማ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ግና ፈሪሆም ነበሩ። ከምቲ ቕድሚኡ ኣብ ሓደ እዋን ዝሓሰብዎ፡ “መንፈስ ዝረኣዩ መሰሎም።”—ሉቃስ 24:36, 37፣ ማቴዎስ 14:25-27

የሱስ ድማ፡ ምትሃት ወይ ብኣእምሮኦም ዝሰኣልዎ ዘይምዃኑ፡ የግዳስ፡ ስጋዊ ኣካል ዘለዎ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን እናኣርኣዮም፡ “ስለምንታይ እትርበሹ፧ ስለምንታይከ ኣብ ልብኹም ጥርጣረ ዚፍጠር፧ ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ፣ መንፈስሲ ኸምዚ ኣባይ እትርእይዎ ዘለኹም ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምስሱንን ርኣዩንን” በሎም። (ሉቃስ 24:36-39) ብዙሕ ተሓጒሶምን ተገሪሞምን እኳ እንተ ነበሩ፡ ንምእማን ግና ተጠራጠሩ።

ንሱ ኸኣ ናይ ሓቂ ምዃኑ ምእንቲ ኼእምኖም ኢሉ፡ “ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኩም፧” በሎም። ካባታቶም ምቃል ጥቡስ ዓሳ ተቐቢሉ ድማ በልዖ። ድሕርዚ፡ “እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ [ቕድሚ ሙማተይ]፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ኣብ ነብያትን ኣብ መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ከም ዚግባእ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ” በሎም።—ሉቃስ 24:41-44

የሱስ ኣቐዲሙ ንቀለዮጳን ንብጻዩን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣረዲእዎም ነይሩ እዩ፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ፡ “ከምዚ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ፦ ክርስቶስ መከራ ኺጸግብ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ንስሓ ኻብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ እዩ፣ ንስኻትኩም ናይዚ መሰኻኽር ክትኰኑ ኢኹም” ኢሉ ኣረድዎም።—ሉቃስ 24:46-48

ሃዋርያ ቶማስ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይነበረን። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ መዓልትታት ድማ፡ እቶም ካልኦት ብሓጐስ፡ “ንጐይታ ርኢናዮ!” በልዎ። ቶማስ ግና፡ “ኣሰር እቲ መሳምር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርእየ፡ ኣጻብዐይ ድማ ኣብቲ ኣሰር እቲ መሳምር እንተ ዘየእትየ፡ ኣብ ጐድኑ እውን ኢደይ እንተ ዘየእትየ፡ ከቶ ኣይኣምንን እየ” ኢሉ መለሰ።—ዮሃንስ 20:25

ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸም ብሓድሽ መዓጹኡ ኣብ እተሸጐረ ቤት ነበሩ፣ ቶማስ ድማ ምሳታቶም ነበረ። የሱስ ከኣ ስጋ ለቢሱ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” በሎም። ንቶማስ ድማ፡ “ኣጻብዕካ ኣብዚ ግበር፡ ኣእዳወይ ከኣ ርአ፣ ኢድካ እውን ናብ ጐድነይ ኣእቱ፣ እመን እምበር፡ ደጊም ኣይትጠራጠር” በሎ። ቶማስ ከኣ፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን!” በለ። (ዮሃንስ 20:26-28) እወ፡ ቶማስ ድሕሪ ደጊም፡ የሱስ ህያው ምዃኑን ወኪል የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጡር ምዃኑን ኣይተጠራጠረን።

የሱስ ድማ፡ “ስለ ዝረኣኻኒዶ ኣሚንካ፧ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ሕጉሳት እዮም” በለ።—ዮሃንስ 20:29