ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 128

ጲላጦስን ሄሮድስን ገበን ኣይረኸቡሉን

ጲላጦስን ሄሮድስን ገበን ኣይረኸቡሉን

ማቴዎስ 27:12-14, 18, 19 ማርቆስ 15:2-5 ሉቃስ 23:4-16 ዮሃንስ 18:36-38

  • የሱስ ብጲላጦስን ብሄሮድስን ተመርመረ

የሱስ ንጉስ ምዃኑ ንጲላጦስ ኪሓብኣሉ ኣይፈተነን። ኰይኑ ግና፡ መንግስቱ ንሮሜ እተስግእ ኣይነበረትን። የሱስ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ንኣይሁድ ከይውሃብ፡ ገላዎይ ምተጋደሉለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። (ዮሃንስ 18:36) እወ፡ የሱስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነት መንግስቲ እያ ዘላቶ።

ጲላጦስ ነቲ ጕዳይ ኣብዚ ኣይሓደጎን። “እምበኣር፡ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ ንጲላጦስ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኸም ዝበጽሐ ኺነግሮ ኸሎ፡ “ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ እዚ ተወሊደ፡ ምእንቲ እዚ እውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ፡ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።—ዮሃንስ 18:37

የሱስ ኣቐዲሙ ንቶማስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ ነጊርዎ ነይሩ እዩ። ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ምስ ቀረበ ድማ፡ “ንሓቂ” ኺምስክር፡ ብፍላይ ብዛዕባ መንግስቱ ዚገልጽ ሓቂ ኺምስክር ናብ ምድሪ ኸም እተላእከ ገሊጹ እዩ። የሱስ ህይወቱ ኽሳዕ ምኽፋል እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ሓቂ እሙን ኪኸውን ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ጲላጦስ ድማ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ፣ ምላሽ ኪውሃቦ ግና ኣይተጸበየን። ኣብቲ ሰብኣይ እቲ ብይን ንምሃብ ዜኽእሎ እኹል ሓበሬታ ዝሰምዐ ዀይኑ ተሰምዖ።—ዮሃንስ 14:6፣ 18:38

ጲላጦስ ናብቶም ካብ ቤተ መንግስቲ ወጻኢ ዀይኖም ዚጽበዩ ዝነበሩ ህዝቢ ተመልሰ። ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ምሳታቶም ዝነበሩን፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ ሓንቲ ገበን እኳ ኣይረኸብኩን” ኪብሎም ከሎ፡ የሱስ ኣብ ጐድኑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ህዝቢ በቲ ውሳነ ስለ እተቘጥዑ፡ “ካብ ገሊላ ኣትሒዙ ኽሳብ ኣብዚ፡ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የለዓዕል ኣሎ” ኢሎም ተረሩ።—ሉቃስ 23:4, 5

እቶም ኣይሁድ ኣኽረርቲ ምንባሮም ንጲላጦስ ኣገሪምዎ ኪኸውን ኣለዎ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ምጭዳር ምስ ቀጸሉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ፡ “ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉስ ኣይትሰምዕን ዲኻ፧” በሎ። (ማቴዎስ 27:13) የሱስ ግና ኪምልሰሉ እኳ ኣይፈተነን። ብዙሕ ክስታት እናቐረበሉ ኽነሱ ህዱእ ምዃኑ ንጲላጦስ ገረሞ።

እቶም ኣይሁድ ኣብ ዘረባኦም፡ የሱስ “ካብ ገሊላ” ምዃኑ ምስ ሓበሩ፡ ጲላጦስ፡ የሱስ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሓቲቱ ፈለጠ። እዚ ኸኣ ንጲላጦስ፡ ካብቲ ንየሱስ ንምፍራድ ዝነበሮ ሓላፍነት ናጻ ኪዀነሉ ዚኽእል መገዲ ኸፈተሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሄሮድስ ኣንቲጳስ (ወዲ ሄሮድስ እቲ ዓብዪ) ገዛኢ ገሊላ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ቅነ እቲ ፋስጋ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ሄሮድስ ኣንቲጳስ፡ እቲ ኣቐዲሙ ንዮሃንስ መጥምቕ ዘሰየፎ እዩ። ድሕሪኡ፡ ሄሮድስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ምስ ሰምዐ፡ የሱስ ካብ ምዉታት ዝተንስአ ዮሃንስ ከይከውን ፈሪሁ ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 9:7-9

ሽዑ፡ ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ተሓጐሰ። መሐጐሲኡ ኸኣ ንየሱስ ኪሕግዞ ወይ ክሱ ሓቂ እንተ ዀይኑ ኼረጋግጽ ብምድላዩ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኪፈልጥ ስለ እተሃንጠየ፡ “ንሱ ዚገብሮ ገለ ትእምርቲ ኺርኢ እውን ተስፋ ይገብር” ስለ ዝነበረ እዩ። (ሉቃስ 23:8) የሱስ ግና ነቲ ሄሮድስ ንምፍላጥ ዝነበሮ ህንጥዮት ኬዕግብ ኣይደለየን። አረ ሄሮድስ ምስ ሓተቶስ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። ሄሮድስ በዚ ስለ ዘይተሓጐሰ ድማ፡ ምስ ወተሃደራቱ ዀይኑ “ኣቃለሎ።” (ሉቃስ 23:11) ብሉጽ ክዳን ከዲኖም ከኣ ኣላገጹሉ። ድሕርዚ፡ ሄሮድስ ንየሱስ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ። ቅድሚኡ፡ ሄሮድስን ጲላጦስን ጽልኢ እኳ እንተ ነበሮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ተዓራረኹ።

የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ጲላጦስ ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ንኣሕሉቕ ኣይሁድን ንህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፡ “ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ ነዚ እትኸስስዎ ዘለኹም ክሲ፡ ዋላ ሓንቲ መሰረት ኣይረኸብኩሉን። ሄሮድስ እውን መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረኸበሉን፣ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። ስለዚ፡ ቀጺዐ ኽፈትሖ እየ” በሎም።—ሉቃስ 23:14-16

ጲላጦስ፡ እቶም ካህናት ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኺፈትሖ ደልዩ ነበረ። ጲላጦስ ንየሱስ ኪፈትሖ እናፈተነ ኸሎ ድማ፡ ከምኡ ኺገብር ብዝያዳ ዚድርኾ ነገር ረኸበ። ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሰበይቱ፡ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ [ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኪኸውን ኣለዎ] ብሰሩ ብዙሕ መከራ ረኺበ እየ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ ኣይትእቶ” ኢላ ለኣኸትሉ።—ማቴዎስ 27:19

እሞኸ ጲላጦስ ነቲ ኺፍታሕ ዚግብኦ ዝነበረ ንጹህ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ኺፈትሖ ዚኽእል ዝነበረ፧