ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 15

ናይ መጀመርታ ተኣምር ገበረ

ናይ መጀመርታ ተኣምር ገበረ

ዮሃንስ 2:1-12

  • ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ

  • የሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ለወጠ

ካብቲ ናትናኤል ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ዝዀነሉ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ፡ የሱስን ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ ዝዓበዩሉ ኣብ ሰሜን ዚርከብ ኣውራጃ ገሊላ ኸዱ። ናብታ ዓዲ ናትናኤል ዝዀነት ቃና እዮም ከይዶም። ቃና ኻብታ የሱስ ዝዓበየላ ናዝሬት ናብ ሰሜን ኣብ ዚርከብ ኵርባታት እያ እትርከብ። ኣብ ቃና ኣብ ዚግበር ሓደ መርዓ እዮም ተዓዲሞም ነይሮም።

ኣደ የሱስ እውን ናብቲ መርዓ መጺኣ ነበረት። ማርያም ንስድራ ቤት እቶም ዚምርዓዉ ፈታዊቶም ብምዃና፡ ነቶም ኣጋይሽ ዜድልዮም ነገር ኣብ ምቕራብ ግደ ዝነበራ እያ እትመስል። ስለዚ፡ ዝጐደለ ነገር ከም ዘሎ ኣስተብሃለት እሞ፡ “ወይኒ የብሎምን” ኢላ ንየሱስ ነገረቶ።—ዮሃንስ 2:3

ወይኒ ብምውዳኡ፡ ማርያም ንየሱስ፡ ገለ ነገር ኪገብር እያ ሓሳብ እተቕርበሉ ነይራ። የሱስ ድማ ተቓውሞ ብዜመልክት ቍንቍኛ ገይሩ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እዚ ንዓይን ንዓኽን እንታይ የገድሰና፧” ኢሉ መለሰላ። (ዮሃንስ 2:4) ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ ስለ ዝዀነ፡ ንጥፈታቱ ኺገብር ከሎ፡ ብስድራ ቤቱ ወይ ብኣዕሩኹ ዘይኰነስ፡ ብሰማያዊ ኣቦኡ እዩ ኺምራሕ ዚግብኦ። ማርያም ድማ ነቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ፡ “ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” ብምባል ነቲ ነገር ብጥበብ ኣብ ኢድ ወዳ ገደፈቶ።—ዮሃንስ 2:5

ኣብኡ ድማ ኣኣርብዓ ሊትሮ ኪሕዝ ዚኽእል ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጡ ነበረ። የሱስ ከኣ ነቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ፡ “ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ” በሎም። ድሕሪኡ፡ የሱስ “ሕጂ ቕድሕዎ እሞ፡ ንኣቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም።—ዮሃንስ 2:7, 8

እቲ ኣቦ ዳስ፡ እቲ ወይኒ ብተኣምር ከም እተለወጠ ከይፈለጠ ብጽባቐ እቲ ወይኒ ተገረመ። ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ ድማ፡ “ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ” በሎ።—ዮሃንስ 2:10

እዚ ኸኣ የሱስ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ተኣምር እዩ ነይሩ። እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ተኣምር እዚ ምስ ረኣዩ፡ እታ ኣብኡ ዝነበረቶም እምነት ደልደለት። ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ናብታ ብሰሜናዊ ምዕራብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቅፍርናሆም ኸዱ።