ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መገድን ሓቅን ህይወትን

መገድን ሓቅን ህይወትን

ብስራት ምስማዕ ከም ዜሐጕሰካ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ንዓኻን ንእትፈትዎም ሰብካን ዚኸውን ኣዝዩ ባህ ዜብል ብስራት ድማ ብርግጽ ኣሎ።

እዚ ብስራት እዚ ኣብቲ እቲ ንዩኒቨርስ ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዜጽሓፎ መጽሓፍ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ባህ ዜብል ብስራት ኣብ ዝሓዛ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኸነተኵር። እዘን መጻሕፍቲ እዚአን፡ ብስም እቶም ኣምላኽ ንዓታተን ንምጽሓፍ እተጠቕመሎም ሰባት፡ ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ ተባሂለን እየን ዚፍለጣ።

ብዙሓት ሰባት ነዘን ኣርባዕተ መጻሕፍቲ እዚአን ኣርባዕተ ወንጌላት ኢሎም እዮም ዚጽውዕወን። ኣርባዕቲኤን ከኣ ወንጌል ወይ ብስራት የሱስ ማለት፡ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ንሰባት ድሕነት ከም ዚህቦም፡ ከም ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ድማ ነቶም ብእኡ ዚኣምኑ ነባሪ በረኸት ከም ዜምጽኣሎም ይገልጻ።—ማርቆስ 10:17, 30፣ 13:13

ስለምንታይ ኣርባዕተ ወንጌላት ተጻሒፈን፧

‘ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ ብዛዕባ ህይወትን ትምህርትታትን የሱስ ዚገልጽ ኣርባዕተ ጸብጻባት ኣጽሒፉ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት እተፈላለየ ጸብጻባት ምህላው ጥቕምታት ኣለዎ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ኣርባዕተ ሰባት ጥቓ እቲ ውሩይ መምህር ደው ኢሎም ኸም ዘለው ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ መምህር ደው ኢሉ ዘሎ ኣብ መደበር ቀረጽ እዩ ዚሰርሕ። እቲ ብየማኑ ዘሎ ሓኪም እዩ። እቲ ኣብ ጸጋማይ ጐድኑ ዀይኑ ዚሰምዕ ዘሎ ኸኣ፡ ገፋፍ ዓሳን ናይ ቀረባ ዓርኪ እቲ መምህርን እዩ። እቲ ብድሕሪት ኰይኑ ዚዕዘብ ዘሎ ራብዓይ ሰብኣይ ድማ፡ ካብ ኵሎም ዝነኣሰ እዩ። ኣርባዕቲኦም ቅኑዓትን እተፈላለየ ዝንባለ ኣለዎም፡ ኣብ እተፈላለየ ነገራት ከኣ እዮም ዜተኵሩ። ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ እቲ መምህር ዝበሎን ዝግበሮን እንተ ዚጽሕፉ፡ ኵሎም ኣብ እተፈላላየ ዝርዝራት ወይ ፍጻመታት መተኰሩ። ነተን እተፈላለየ ሸቶ ሒዘን ካብ እተፈላለየ ኣንፈት እተጻሕፋ ኣርባዕቲአን መጻሕፍቲ ብምምርማር፡ ብዛዕባ እቲ መምህር ዝበሎን ዝገበሮን ምሉእ ጸብጻብ ክንረክብ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብተን ብዛዕባ ህይወት እቲ ዝዓበየ መምህር ዚገልጻ ኣርባዕተ እተፈላለያ መጻሕፍቲ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።

ናብታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ምሳሌ እሞ ንመለስ። እቲ ኣካብ ቀረጽ እቲ ጸብጻቡ ንኣይሁድ ኪስሕብ ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ንገለ ኻብ ትምህርትታት የሱስ ነቶም ኪሰምዑ ቐዳምነት እተዋህቦም ህዝቢ ኸም ዚሕግዝ ገይሩ እዩ ጺሕፉዎ። እቲ ሓኪም ድማ ኣብቲ ሕሙማት ወይ ቈራያት ዝሓወዩሉ ጸብጻባት ስለ ዘተኰረ፡ ገለ ኻብቲ እቲ ኣካብ ቀረጽ ዝጸሓፎ ጸብጻባት ኣይጸሓፎን፣ ንገለ ኻብቲ ዝጸሓፎ ኸኣ ብእተፈልየ መስርዕ እዩ ጽሒፍዎ። እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ዝነበረ ድማ ንስምዒታትን ባህርያትን እቲ መምህር እዩ ኣጕሊሑ። ጸብጻብ እቲ መንእሰይ ከኣ ሓጺርን ዝያዳ ንጹርን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ናይ ኵሎም ጸብጻብ ቅኑዕ እዩ። ብዛዕባ ህይወት የሱስ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ምህላዉ እምበኣር፡ ብዛዕባ ንንጥፈታቱን ትምህርትታቱን ባህርያቱን ብዝያዳ የፍልጠና እዩ።

ሰባት ብዛዕባ ‘ወንጌል ማቴዎስ’ ወይ ‘ወንጌል ዮሃንስ’ ይዛረቡ ይዀኑ። ኣርባዕቲአን “ብስራት የሱስ ክርስቶስ” ሒዘን ስለ ዘለዋ፡ ‘ወንጌል’ ተባሂለን ኪጽውዓ ይግብአን እዩ። (ማርቆስ 1:1) ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣርባዕቲኡ መጻሕፍቲ ብዛዕባ የሱስ ተጻሒፉ ዚርከብ ሓደ ወንጌል ወይ ብስራት እዩ ዘሎ።

መብዛሕትኦም ተምሃሮ ቓል ኣምላኽ ነቲ ኣብ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዮሃንስን ዚርከብ ጸብጻባትን ፍጻመታትን ኣወዳዲሮምን ኣብ ንሓድሕዱ ኸም ዚቃዶ ኣረጋጊጾምን እዮም። ኣብ ከባቢ 170 ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ቴሽን ዚብሃል ሶርያዊ ጸሓፊ እውን ከምኡ እዩ ገይሩ። ንሱ ድማ እዘን ኣርባዕተ መጻሕፍቲ እዚአን ልክዕን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋን ምዃነን ስለ ዝኣመነ፡ ድያተሳሮን ዚብሃል ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዚገልጽ ጽሑፍ ኣዳለወ።

እዛ የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን ዘርእስታ መጽሓፍ እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዝያዳ ልክዕን ምሉእን ኰይና እያ ተዳልያ። እዚ ዝዀነ ኸኣ ሎሚ ብዛዕባ ፍጻመ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢታትን ምሳሌታትን ዝሓሸ ግንዛበ ስለ ዘሎና እዩ። እዚ ግንዛበ ድማ ነቲ ንሱ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት፡ ከምኡ እውን ነቲ መስርዕ ፍጻመታት ዝያዳ ኣነጺርዎ እዩ። ስነ ጥንታዊ ርኽበታት እውን ኣብ እተወሰነ ዝርዝር ነገራትን ኣብቲ እቶም ጸሓፍቲ ዝጸሓፉሉ ኣንፈትን ተወሳኺ ብርሃን ኣብሪሁ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ነቲ መስርዕ ፍጻመታት ብልክዕ ኪፈልጦ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። እንተ ዀነ ግና፡ ኣብዛ የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እቲ ፍጻመታት ኪኸውን ብዚኽእል መስርዕ እዩ ተጻሒፉ ዚርከብ።

መገድን ሓቅን ህይወትን

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸተንብባ ከለኻ፡ ኣብቲ ንዓኻን ንእትፈትዎም ሰብካን ሒዛቶ ዘላ ቐንዲ መልእኽቲ ኣተኵር። የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንሃዋርያ ቶማስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ከም ዝበሎ ዘክር።—ዮሃንስ 14:6

እዛ የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ የሱስ ብርግጽ “መገዲ” ምዃኑ ምእንቲ ኽትርዳእ፡ ክትሕግዘካ እያ። ብእኡ ኣቢልና ጥራይ ኢና ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኽእል። ብተወሳኺ ኸኣ፡ የሱስ፡ ምስ ኣምላኽ እንዕረቐሉ መገዲ እዩ። (ዮሃንስ 16:23፣ ሮሜ 5:8) ስለዚ እምበኣር፡ ብየሱስ ኣቢልና ጥራይ ኢና ምስ ኣምላኽ ርክብ ክንምስርት እንኽእል።

የሱስ፡ “ሓቂ” እዩ። ሓቂ ተዛሪቡ እዩ፡ ምስ ሓቂ ብዚሰማማዕ መገዲ እውን ይነብር ነይሩ እዩ፣ ሓቂ ኣብ የሱስ እያ ነይራ ኺብሃል ይከኣል እዩ። የሱስ፡ “ብእኡ ‘እወ’” ዝዀነ ብዙሕ ትንቢታት እዩ ፈጺሙ። (2 ቈረንቶስ 1:20፣ ዮሃንስ 1:14) እዚ ትንቢታት ድማ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ኸነስተብህል ይሕግዘና እዩ።—ራእይ 19:10

የሱስ “ህይወት” እውን እዩ። ከመይሲ፡ በቲ ዝኸፍሎ በጃ ኣቢሉ ፍጹም ህይወቱን ደሙን ብምሃብ፡ ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት” ዝዀነት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክንረክብ መገዲ ኸፊቱልና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19፣ ኤፌሶን 1:7፣ 1 ዮሃንስ 1:7) የሱስ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እሞ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንምንባር ዚትንስኡ ሚልዮናት እውን፡ “ህይወት” ኪዀኖም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ኵላትና ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኸነማስወሉ ይግብኣና እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ “መገድን ሓቅን ህይወትን” ዝዀነ የሱስ ተምሃር።