ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 96

የሱስ ንሓደ ሃብታም ጐበዝ መለሰሉ

የሱስ ንሓደ ሃብታም ጐበዝ መለሰሉ

ማቴዎስ 19:16-30 ማርቆስ 10:17-31 ሉቃስ 18:18-30

  • ሓደ ሃብታም ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓተተ

የሱስ ብጴርያ ኣቢሉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ሓደ ሃብታም ጐበዝ ናብኡ ጐይዩ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኸ። እቲ ጐበዝ “ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ” እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ምናልባት መራሕ ምኵራብ ወይ ኣባል እቲ ዋዕላ ኣይሁድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “ኣታ ሕያዋይ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” ኢሉ ኸኣ ሓተቶ።—ሉቃስ 8:41፣ 18:18፣ 24:20

የሱስ ድማ፡ “ስለምንታይ ሕያዋይ [ወይ፡ “ሰናይ”] እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ ሕያዋይ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። (ሉቃስ 18:19፣ እግረ ጽሑፍ) እቲ ጐበዝ ነታ፡ “ሕያዋይ” እትብል ቃል ከም ንማለቱ እትጽውዓሉ መዓርግ ገይሩ እዩ ተጠቒሙላ፣ እዚ እውን ኣብቶም ረቢታት ልሙድ ነበረ። የሱስ “ሕያዋይ፡” ትምህርቱ እውን “ሰናይ” እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ “ሕያዋይ” ወይ “ሰናይ” ዚብል መዓርግ ንኣምላኽ ጥራይ ከም ዜመልክት ነቲ ጐበዝ ኣፍለጦ።

የሱስ ከኣ፡ “ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ግና፡ ብቐጻሊ ትእዛዛት ሓሉ” ኢሉ መዓዶ። እቲ ጐበዝ ድማ፡ “ኣየኖት፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ ሓሙሽተ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ማለት “ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ኢሉ ጠቐሰሉ። ኣስዒቡ እውን፡ “ብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብምባል ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዋ ትእዛዝ ወሰኸሉ።—ማቴዎስ 19:17-19

እቲ ጐበዝ ድማ፡ “ነዚ ዅሉስ እሕልዎ ኣለኹ፣ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ፧” በለ። (ማቴዎስ 19:20) ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዜብቅዖ ሓደ ፍሉይ ሰናይ ተግባር ከም ዝጐደሎ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ካብ ልቡ ኸም ዝሓተተ ኣስተውዒሉ፡ “ፈተዎ።” (ማርቆስ 10:21) እቲ ጐበዝ ግና ሓደ ዕንቅፋት ነበሮ።

እቲ ጐበዝ ጥሪቱ ይፈቱ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ “ሓንቲ ጐዲላትካ፦ ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ። እወ፡ እቲ ጐበዝ ገንዘቡ ነቶም ኪፈድይዎ ዘይክእሉ ድኻታት ዓዲሉ ወደ መዝሙር የሱስ ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ እናረኣዮ ተንሲኡ እናጐሃየ ኸደ። እቲ ጐበዝ ነቲ ‘ብዙሕ ጥሪቱ’ ይፈትዎ ብምንባሩ፡ እዚ ነገር እዚ ናይ ሓቂ መዝገብ ከይርኢ ኣዖሮ። (ማርቆስ 10:21, 22) የሱስ ድማ፡ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉስ፡ ክንደይ ጭንቂ እዩ ዚዀኖም!” በለ።—ሉቃስ 18:24

እቶም ደቀ መዛሙርቲ በዘን ቃላት እዚአንን በቲ የሱስ ቀጺሉ፡ “ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” ኢሉ እተዛረቦ ቓላትን ተገረሙ። ስለዚ ድማ፡ “መን ደኣ ኺድሕን ይኽእል፧” ኢሎም ሓተቱ። ድሕነት ክሳዕ ክንድቲ ሰብ ኪበጽሖ ዘይክእል ድዩ፧ የሱስ እናጠመቶም፡ “እቲ ብሰባት ዘይከኣል፡ ብኣምላኽ ይከኣል እዩ” ኢሉ መለሰሎም።—ሉቃስ 18:25-27

ጴጥሮስ ከኣ፡ ንሳቶም ካብቲ ናይቲ ሃብታም እተፈልየ ምርጫ ኸም ዝገበሩ ንምሕባር፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ “ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ 12 ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ን12 ነገዳት እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም” ብምባል ቅኑዕ ምርጫኦም ዜምጽኣሎም ናይ መወዳእታ ውጽኢት ገለጸ።—ማቴዎስ 19:27, 28

የሱስ ኣብ መጻኢ፡ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ዅነታት ኣብ ምድሪ ዳግም ከም ዚፍጠር እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ጴጥሮስን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ከኣ ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ብምግዛእ ዓስቦም ኪረኽቡ እዮም፣ እዚ ድማ ብሓቂ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኪኽፈለሉ ዚግባእ እዩ!

እቲ ዚርከብ ዓስቢ ግና ብምሉኡ ናይ መጻኢ ኣይኰነን። ደቀ መዛሙርቱ ሕጂ ዚረኽብዎ ዓስቢ እውን ኣለዎም። የሱስ፡ “ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ውሉዳት ዝሓደገ ዘበለ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ዕጽፊ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም።—ሉቃስ 18:29, 30

እወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ካብቲ ምስ ስድራ ቤቶም ዝነበሮም ርክብ ንላዕሊ፡ ምስ ክርስትያን ብጾቶም ዝጠበቐን ዝኸበረን ሕውነት ኬስተማቕሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሃብታም ጐበዝ ነዚ ዓስቢ እዝን ነቲ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ስኢኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ድሕርዚ፡ የሱስ፡ “ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 19:30) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

እቲ ሃብታም ሓለቓ ሓደ ኻብቶም መራሕቲ ኣይሁድ ብምንባሩ፡ ካብቶም “ቀዳሞት” እዩ ነይሩ። ትእዛዛት ኣምላኽ ይሕሉ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ተስፋን ትጽቢትን ዚግበረሉ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ህይወቱ ንሃብትን ንጥሪትን እዩ ቐዳማይ ቦታ ሂቡ። ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ተራ ህዝቢ እታ ምድሪ ንትምህርታት የሱስ ከም ሓቅን መገዲ ህይወትን ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። ንሳቶም፡ “ዳሕሮት” እኳ እንተ ነበሩ፡ “ቀዳሞት” ኪዀኑ እዮም። ምስ የሱስ ኣብ ዝፋናት ኪቕመጡ፡ ኣብ ልዕሊ ገነት እትኸውን ምድሪ እውን ኪገዝኡ እዮም።