ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 83

ኣምላኽ ንመን እዩ ዚዕድም፧

ኣምላኽ ንመን እዩ ዚዕድም፧

ሉቃስ 14:7-24

  • ብዛዕባ ትሕትና እተዋህበ ትምህርቲ

  • ዕዱማት መመኽነይታ ኣቕረቡ

የሱስ ነቲ ኣካላቱ ዝሓበጠ ሰብኣይ ድሕሪ ምሕዋዩ፡ ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ተቐሚጡ ነበረ። እቶም ካልኦት ዕዱማት ከኣ ኣብቲ መኣዲ ምርኡይ ቦታ ይሓርዩ ኸም ዘለዉ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ብዛዕባ ትሕትና ትምህርቲ ንምሃብ ተጠቕመሉ።

የሱስ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ናብ መርዓ ምስ ዚዕድመካ፡ ኣብ ምርኡይ ቦታ ኣይትቀመጥ። ምናልባት ካባኻ ዚኸብር ዓዲሙ እንተ ኣልዩ፡ እቲ ንኽልቴኹም ዝዓደመኩም መጺኡ፡ ‘እዛ ቦታ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ’ ኺብለካ እዩ። ሽዑ፡ እናሓፈርካ ናብታ ዝተሓተት ቦታ ኽትወርድ ትጅምር።”—ሉቃስ 14:8, 9

ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ከምዚ በለ፦ “ምስ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ‘ዓርከይ፡ ናብ ዝለዓለ ኺድ’ ምእንቲ ኺብለካ፡ ኬድካ ኣብታ ዝተሓተት ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መተዓድምትኻ ኽትከብር ኢኻ።” የሱስ ብዛዕባ ስነ ስርዓት ጥራይ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣስዒቡ፡ “ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ከኣ ኪልዕል እዩ” ኢሉ እዩ። (ሉቃስ 14:10, 11) እወ፡ ንሰማዕቱ፡ ትሕትና ኼማዕብሉ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝዓደሞ ፈሪሳዊ ኸመይ ገይሩ ንኣምላኽ ባህ ዜብል ዕድመ ኸም ዜዳሉ ትምህርቲ ንምሃብ ከምዚ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር ምስ እትገብር፡ ኣዕሩኽካ፡ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትዓድም። እንተ ዘይኰነስ፡ መሊሶም እንተ ዓዲሞምኻ፡ ክትፍደ ኢኻ። ድግስ ምስ እትገብርሲ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ዓድም፣ ዚፈድዩኻ ስለ ዘይብሎም፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ።”—ሉቃስ 14:12-14

ንፈተውቲ፡ ንኣዝማድ፡ ወይ ንጐረባብቲ ምዕዳም ንቡር እዩ፣ የሱስ ድማ እዚ ጌጋ ምዃኑ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ንኸም ድኻታት፡ ቈራያት፡ ወይ ዕዉራት ዝኣመሰሉ ሽጉራት ምግቢ ምድላው ግና፡ ብዙሕ በረኸት የምጽእ እዩ። የሱስ ነቲ ዓዳሚኡ፡ “ብትንሳኤ ጻድቃን ክትፍደ ኢኻ” በሎ። ሓደ ኻብቶም መተዓደምቱ ኸኣ፡ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበልዕ ሕጉስ እዩ” ኢሉ ምስዚ ሓሳብ እዚ ኸም ዚሰማማዕ ገለጸ። (ሉቃስ 14:15) እዚ ዓብዪ ኽብሪ ምዃኑ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ከምቲ የሱስ ብምሳሌ ገይሩ ዝገለጾ ግና፡ ኵሉ ኣይኰነን ነዚ ዚግንዘብ።

የሱስ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፣ ንብዙሓት እውን ዓደመ። . . . ነቶም ዕዱማት፡ ‘ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ’ ኺብሎም ባርያኡ ለኣኸ። ኵላቶም ግና ተመሳሳሊ መመኽነይታ ኬቕርቡ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፡ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ፡ ወፊረ ኽርእያ ድማ ኣሎኒ፣ ከተመኻንየለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ። ካልእ ከኣ፡ ‘ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፡ ክፍትኖም ከኣ ክኸይድ እየ፣ ከተመኻንየለይ እልምነካ ኣለኹ’ በለ። ካልእ ድማ፡ ‘ተመርዕየ ኣለኹ፣ ስለዚ፡ ክመጽእ ኣይክእልን እየ’ በለ።”—ሉቃስ 14:16-20

ከመይ ዝበለ ዕባራ መመኽነይታታት ኰን እዩ! ሰብ ንግራት ዚርእያ ወይ ንብዕራይ ዚፍትኖ፡ ቅድሚ ምዕዳጉ እዩ፣ ስለዚ፡ ድሕሪ ምዕዳጉ ብህጹጽ ኪርእዮ ወይ ኪፍትኖ ኣየድልዮን እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ገና ዚምርዖ ዘይኰነስ፡ ተመርዕዩ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣገዳሲ ዕድመ እቲ ኸይቅበል ዚዓግቶ ነገር ኣይነበሮን። እቲ ጐይታ ነዚ መመኽነይታታት እዚ ምስ ሰምዐ፡ ተቘጢዑ ንባርያኡ ከምዚ በሎ፦

“ናብ ጐደናታትን መተሓላለፊታትን ከተማ ቐልጢፍካ ውጻእ፣ ድኻታትን ቈራያትን ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብዚ ኣእቱ።” እቲ ባርያ ኸምኡ ምስ ገበረ፡ ገና ቦታ ነበረ። እቲ ጐይታ ኸኣ ንባርያኡ፡ “ናብ ጐደናታትን ናብ መገድታትን ውጻእ እሞ፡ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ግዲ በሎም። ካብቶም ተዓዲሞም ዝነበሩ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎ።—ሉቃስ 14:21-24

እቲ የሱስ ዘዘንተዎ ነገር፡ ነቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንውልቀ ሰባት ኣብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትዉ ዘቕረብዎ ዕድመ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ እተዓደሙ፡ ኣይሁድ፡ ምናዳ ኸኣ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም ነይሮም። ንሳቶም ድማ ነቲ ብኣገልግሎት የሱስ ኣቢሉ ዝቐረበሎም ዕድመ ብሓፈሻኡ ኣይተቐበልዎን። እቲ ዕድመ ግና ኣባታቶም ኣየብቅዐን። ኣብ መጻኢ ነቶም ትሑታት ክፋል ህዝቢ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ዕድመ ኸም ዚቀርበሎም የሱስ ብንጹር ሓበረ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ዕድመ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይብቑዓት ከም ዝዀኑ ጌርካ ብኣይሁድ ዚርኣዩ ዝነበሩ ሰባት ኸም ዚቐርበሎም ተገልጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:28-48

እወ፡ እቲ የሱስ ዝበሎ ንሓቅነት እቲ ሓደ መተዓድምቱ፡ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበልዕ ሕጉስ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ዜረጋግጽ እዩ።