ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 44

የሱስ፡ ማዕበል ኣህድአ

የሱስ፡ ማዕበል ኣህድአ

ማቴዎስ 8:18, 23-27 ማርቆስ 4:35-41 ሉቃስ 8:22-25

  • የሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ፡ ማዕበል ኣህደአ

የሱስ ብዙሕ ኪዓዪ ውዒሉ ምስ መሰየ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናብ ስግር ንሳገር” በሎም፣ እዚ ኸኣ ናብ ስግር ቅፍርናሆም ዘሎ ቦታ ማለቱ እዩ ነይሩ።—ማርቆስ 4:35

ብምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ጌራሴኖስ ዚብሃል ዞባ ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ ደካጶሊስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ከተማታት ደካጶሊስ ማእከል ባህሊ ግሪኽ እየን ነይረን፣ ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ኣይሁድ እውን ኣባታተን ይነብሩ ነይሮም እዮም።

የሱስ ካብ ቅፍርናሆም ናብ ካልእ ምኻዱ፡ ሰባት ፈሊጦም ነበሩ። ካልኦት ጃለቡ እውን ምሳታቶም ነቲ ባሕሪ ኺሰግራ ጀመራ። (ማርቆስ 4:36) ከም ሓቂ፡ እቲ ባሕሪ ኽሳዕ ክንድቲ ሰፊሕ ኣይኰነን። ባሕሪ ገሊላ 21 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱን እንተ በዝሐ 12 ኪሎ ሜተር ዝግፍሑን ዓብዪ ቐላይ እዩ። ግናኸ፡ ዓሚቝ እዩ።

የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ብንጥፈት ተጸሚዱ ብምውዓሉ ደኺሙ ነበረ። ስለዚ፡ ምስ ነቐሉ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ፡ ኣብ መተርኣስ ተተርኢሱ ዓሚቝ ድቃስ ደቂሱ ነበረ።

ገሊኦም ካብቶም ሃዋርያቱ ኽኢላታት ባሕረኛታት እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ጕዕዞ ግና ቀሊል ኣይነበረን። ባሕሪ ገሊላ ብኣኽራን እተኸብበ እዩ፣ እቲ ባሕሪ እውን ብዙሕ ግዜ ይመውቕ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብቲ ኣኽራን ዚርከብ ዝሑል ኣየር ምስቲ ኣብ ጽፍሒ እቲ ማይ ዚርከብ ውዑይ ኣየር ኪዋቓዕ ከሎ፡ ብሃንደበት ብርቱዕ ህቦብላ ይፍጠር ነበረ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ድማ፡ ከምኡ ዀነ። ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይጸፍዓ ነበረ። “ነታ ጃልባ ማይ መልኣ፡ ኣብ ሓደጋ እውን ወደቑ።” (ሉቃስ 8:23) እዚ ኪኸውን ከሎ ግና፡ የሱስ ደቂሱ ነበረ።

እቶም ባሕረኛታት ነታ ጃልባ ንምምራሕ ተቓለሱ፣ ቅድሚኡ ማዕበላት ኬጋጥሞም ከሎ እተጠቕሙሉ ሜላታት እውን ተጠቕሙ። ግናኸ፡ ኪዕወቱ ኣይከኣሉን። ንህይወቶም ስለ ዝፈርሁ ኸኣ፡ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። (ማቴዎስ 8:25) እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ከይጥሕሉ እዮም ፈሪሆም!

የሱስ ተንሲኡ ነቶም ሃዋርያቱ፡ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧” በሎም። (ማቴዎስ 8:26) ሽዑ፡ ንንፋስን ንባሕርን “ዝግ በል! ህዳእ!” ኢሉ ኣዘዞ። (ማርቆስ 4:39) እቲ ብርቱዕ ንፋስ ዝግ በለ፡ እቲ ባሕሪ እውን ሃድአ። (ማርቆስን ሉቃስን ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ዛንታ ኺገልጹ ኸለው፡ ፈለማ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ነቲ ማዕበል ከም ዘህድኦ፡ ድሕሪኡ ንደቂ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጕድለት እምነቶም ከም ዝገንሖም ገሊጾም ኣለዉ።)

እዚ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕደሮ ጽልዋ እሞ ገምቶ! እቲ ማዕበል ኪናወጽ ጸኒሑ ምሉእ ብምሉእ ኪሃድእ እዮም ርእዮምዎ። ስለዚ፡ ኣዝዮም ፈርሁ። ንሓድሕዶም እውን፡ “እዝስ መን ኰን እዩ፧ ንፋስን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ተባሃሃሉ። ናብ ስግር ባሕሪ ኸኣ ብደሓን በጽሑ። (ማርቆስ 4:41–5:1) ምናልባት እተን ጕዕዞ ዝጀመራ ኻልኦት ጃለቡ፡ ናብ ምዕራባዊ ገምገም ተመሊሰን ኪዀና ይኽእላ እየን።

ወዲ ኣምላኽ ንተፈጥሮ ንምቍጽጻር ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜተባብዓና! መንግስቱ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ምሉእ ቈላሕታኡ ናብ ምድርና ምስ ገበረ፡ ኵሎም ሰባት ካብ ዜፍርህ ባህርያዊ ሓደጋታት ናጻ ዀይኖም ብደሓን ኪነብሩ እዮም!