ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 31

ብሰንበት ሰዊት ቀንጠቡ

ብሰንበት ሰዊት ቀንጠቡ

ማቴዎስ 12:1-8 ማርቆስ 2:23-28 ሉቃስ 6:1-5

  • ደቀ መዛሙርቲ ብሰንበት ሰዊት ቀንጠቡ

  • የሱስ “ጐይታ ሰንበት” እዩ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ሰሜን ናብ ገሊላ ተጓዕዙ። እቲ ወቕቲ ድማ፡ ግዜ ሰዊት ነበረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጠምዮም ብምንባሮም፡ ሰዊት ቀንጢቦም በልዑ። እታ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ነይራ፣ ፈሪሳውያን ድማ ነቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝገበርዎ ነገር ረኣይዎ።

ኣቐዲሞም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ንሰንበት ጥሒሱ ኢሎም ንየሱስ ኪቐትልዎ ደልዮም ነይሮም እዮም። ደቀ መዛሙርቲ ሰዊት ምስ በልዑ ድማ፡ ፈሪሳውያን ክሲ ኣቕረቡሉ። “እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።—ማቴዎስ 12:2

እቶም ፈሪሳውያን፡ ሰዊት ቀንጢብካ ብኣእዳውካ ሓሲኻ ምብላዕ፡ ኣኺድካ ኸም ምእታው ይቘጽርዎ ነበሩ። (ዘጸኣት 34:21) ሰንበት፡ መዓልቲ ሓጐስን መንፈሳዊ ንጥፈታትን ክትከውን ተሓሲባ እኳ እንተ ነበረት፡ ፈሪሳውያን ብሰንኪ እቲ ጥብቂ ኣተራጕማኦም ንዘይረብሕ ነገራት ምስ ስራሕ ይምድብዎ ብምንባሮም ግና ንሰንበት ጾር ገይሮምዋ ነበሩ። ስለዚ፡ የሱስ፡ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ሕጊ ሰንበት ከምዚ ዝበለ ጥብቂ ኣወዓዕላ ኺህልዎ ፈጺሙ ዕላማኡ ኸም ዘይኰነ ንምግላጽ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኣቕረበሎም።

የሱስ ዝሃቦም ሓደ ኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ዳዊትን ሰቡን ዝገበርዎ እዩ ነይሩ። ምስ ጠመዩ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከይዶም ካብ እንጌራ መባእ በልዑ። ነቲ ድሮ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ተኣልዩ ብኻልእ ሓድሽ ተተኪኡ ዝነበረ እንጌራ፡ ካህናት ጥራይ እዮም ኪበልዕዎ ዚግብኦም ነይሩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ዅነታት ግና፡ ዳዊትን ሰቡን ብምብልዖም ኣይተዀነኑን።—ዘሌዋውያን 24:5-9፣ 1 ሳሙኤል 21:1-6

የሱስ ኣብቲ ኻልኣይ ኣብነት ከምዚ በለ፦ “ብሰናብቲ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚዓይዩ ኻህናት ንሰንበት ከም ዚስዕርዋን በደል ከም ዘይኰኖምንሲ፡ ኣብ ሕጊዶ ኣየንበብኩምን፧” እወ፡ ካህናት ብሰንበት እውን ከይተረፈ መስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ይሓርዱን ካልእ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዕዮ ይዓይዩን ነይሮም እዮም! የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።—ማቴዎስ 12:5, 6፣ ዘሁልቍ 28:9

የሱስ ቀንዲ መልእኽቱ ንምምሕልላፍ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ፡ “‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ምሕረት እየ ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ነዞም ዘይበደሉ ኣይምዀነንኩምዎምን ኔርኩም” በሎም። ድሕርዚ፡ “ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ” ኢሉ ዘረባኡ ደምደመ። የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ነቲ ሰላም ዝሰፈኖ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት መንግስቱ እዩ ዜመልክት ነይሩ።—ማቴዎስ 12:7, 8፣ ሆሴእ 6:6

ደቂ ሰብ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ዓመጻን ውግእን ዝመልኦ ናይ ሰይጣን ድያብሎስ ከቢድ ባርነት ይሳቐዩ እዮም ዘለዉ። ኣብ ትሕቲ እታ ክርስቶስ ዚገዝኣላ ዓባይ ሰንበት ግና ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ ኪኸውን እዩ፣ እወ፡ ንሱ ነቲ ሃረር እንብሎን ዜድልየናን ዕረፍቲ ኺህበና እዩ!