ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 42

የሱስ ንፈሪሳውያን ገንሖም

የሱስ ንፈሪሳውያን ገንሖም

ማቴዎስ 12:33-50 ማርቆስ 3:31-35 ሉቃስ 8:19-21

  • የሱስ ብዛዕባ “ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ” ተዛረበ

  • ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ስድራ ቤቱ ይቐርብዎ

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ የሱስ ንኣጋንንቲ ብሓይሊ ኣምላኽ ከም ዘውጽኦም ብምኽሓዶም፡ ንመንፈስ ቅዱስ እዮም ዚጻረፉ ነይሮም። እሞ ደኣ ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ድዮም ነይሮም ወይስ ኣብ ጐድኒ ሰይጣን፧ ብዛዕባ እዚ የሱስ፡ “ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ወይ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ ይኸውን፣ ወይ ነቲ ኦም ሕማቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን” በለ።—ማቴዎስ 12:33

እቲ የሱስ ንኣጋንንቲ ብምውጻእ ዝፈረየ ጽቡቕ ፍረ፡ ንሰይጣን ብምግልጋሉ ኺገብሮ ኸም ዝኸኣለ ጌርካ ምዝራብ ዕሽነት እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ንጹር ከም ዝገበሮ፡ እቲ ፍረ ጽቡቕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኦም ጽቡቕ ደኣ እምበር፡ ሕማቕ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እሞ ደኣ ፈሪሳውያን ንየሱስ ትርጉም ዘይብሉ ኽሲ ኪኸስስዎ ኸለዉ፡ እንታይ ፍረ እዮም ፈርዮም፧ ሕማቕ ፍረ እዮም ፈርዮም። ስለዚ፡ የሱስ ንዓታቶም፡ “ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡ እኩያት ክነስኹም፡ ከመይ ኢልኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ” በሎም።—ማቴዎስ 7:16, 17፣ 12:34

እወ፡ ዘረባና ንዅነታት ልብና እዩ ዚገልጽ፡ በቲ እንብሎ ድማ ኢና እንፍረድ። ስለዚ የሱስ፡ “ሰባት ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዚዛረብዎ ዘይጠቅም ዘረባ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ፣ ከመይሲ፡ ብቓልካ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብቓልካ ኢኻ እውን እትዅነን” በለ።—ማቴዎስ 12:36, 37

የሱስ ግብርታት ሓይሊ እኳ እንተ ገበረ፡ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግና፡ “መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ንደሊ ኣለና” በልዎ። ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ባዕሎም ርእይዎምዎ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ተኣምራት እኹላት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ፡ “እኩይን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፣ ብዘይካ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ግና፡ ትእምርቲ ኣይኪውሃቦን እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 12:38, 39

ከምኡ ኺብል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺግምቱ ኣብ ክንዲ ዚሓድጎም ከኣ፡ ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ዝገበረ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።” ዮናስ ብሓደ ዓብዪ ዓሳ ተዋሒጡ ኻብኡ ምስ ወጸ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ እዩ ዀይኑ። ስለዚ፡ የሱስ ከም ዚመውት፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ከም ዚትንስእ እዩ ዚንበ ነይሩ። ደሓር ከምኡ ምስ ኰነ፡ እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ስለ ዘይተነስሑን ስለ ዘይተለወጡን፡ ነቲ “ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ” ኣይተቐበልዎን። (ማቴዎስ 27:63-66፣ 28:12-15) ብኣንጻሩ ግና፡ “ሰብ ነነዌ” ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ወለዶ እቲ ኪዅንንዎ እዮም። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ንግስቲ ሳባ ብኣብነታ ኸም እትዅንኖም ገለጸ። ንሳ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ደልያን፡ ምስ ሰምዓቶ ተደኒቓን እያ። የሱስ ከኣ፡ “ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ” በሎም።—ማቴዎስ 12:40-42

ድሕርዚ፡ የሱስ ነቲ እኩይ ወለዶ ምስ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝወጸሉ ሰብ ኣመሳሰሎ። (ማቴዎስ 12:45) እቲ ሰብ ግና፡ ነቲ ባዶ ቦታ ብጽቡቕ ነገራት ስለ ዘይመልኦ፡ እቲ እኩይ መንፈስ ኻብኡ ምስ ዚኸፍኡ ሸውዓተ መናፍስቲ ተመሊሱ ናብኡ ኣተወ። ህዝቢ እስራኤል ከምቲ ርኹስ መንፈስ ዝወጸሉ ሰብ፡ ብተዛማዲ ጸርዮምን ተሓዲሶምን ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግና፡ እቶም ህዝቢ ንነብያት ኣምላኽ ኣይተቐበልዎምን፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ ነቲ ብንጹር መንፈስ ኣምላኽ ዝነበሮ የሱስ ተጻረርዎ። እዚ ድማ እቶም ህዝቢ ኻብ መጀመርታኦም፡ መወዳእታኦም ከም ዚገድዶም ዜመልክት ነበረ።

የሱስ ኪዛረብ ከሎ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ እሞ ብሓደ ወሰን እቲ ህዝቢ ደው በሉ። ገሊኦም ኣብ ጥቓኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸኣ፡ “ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ” በልዎ። የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ከም ናይ ሓቂ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣዴታቱን ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ ክንደይ ኣቕሪቡ ኸም ዚርእዮም ገለጸ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኢዱ ዘርጊሑ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገብርዎን እዮም” በለ። (ሉቃስ 8:20, 21) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሱስ ምስ ቤተ ሰቡ ዘለዎ ዝምድና ኣኽቢሩ ዚርእዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ርክብ ከም ዚበልጾ ኣርኣየ። ንሕና እውን ብሕልፊ ሰባት ንዓናን ንጽቡቕ ግብርናን ኣብ ዚጠራጠሩሉን ኣብ ዚወቕሱሉን እዋን፡ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትና ኸምዚ ዝበለ ምቅርራብ ኪህልወናስ ክሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ዜምጽእ ኰን እዩ!