ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 37

የሱስ ንሓንቲ መበለት ወዳ ኣተንስኣላ

የሱስ ንሓንቲ መበለት ወዳ ኣተንስኣላ

ሉቃስ 7:11-17

  • ኣብ ናይን እተገብረ ትንሳኤ

የሱስ ንጊልያ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድሕሪ ምሕዋዩ፡ ካብ ቅፍርናሆም ነቒሉ ናብታ ብደቡባዊ ምዕራብ ልዕሊ 32 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ናይን ከደ። ኰይኑ ግና፡ በይኑ ኣይነበረን። ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ናብ ጥቓ ናይን ኪቐርቡ ኸለዉ ኣጋ ምሸት ኰይኑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ኣይሁድ ናብ ቀብሪ ኪኸዱ ተጓነፍዎም። ሬሳ ሓደ ጐበዝ ተጾይሩ ኻብታ ኸተማ ይወጽእ ነበረ።

ምናዳ ኣደ እቲ ጐበዝ ብሓዘን ተደቚሳ እያ ነይራ። ከመይሲ፡ መበለት እያ ነይራ፣ ሓደ ወዳ ኸኣ እዩ ሞይትዋ። ሰብኣያ ኺመውት ከሎ፡ ፍቑር ወዲ ስለ ዝነበራ ተጸናኒዓ ኽትከውን ትኽእል እያ። ተስፋኣን ጠዋሪኣን ንሱ ብምንባሩ፡ ኣጸቢቓ ትፈትዎ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። እንተዀነ ግና፡ ንሱ እውን ሞተ። ጨና ዚዀናን ዚድግፋን ሓደ እኳ ኣይተረፋን።

የሱስ ነታ ሰበይቲ ምስ ረኣያ፡ በቲ ብርቱዕ ሓዘናን በቲ ዜጕሂ ዅነታታን ልቡ ተተንከየ። ስለዚ፡ ብለውሃት፡ “ደጊም ኣይትብከዪ” ኢሉ ኣጸናንዓ። ኰይኑ ግና፡ በዚ ኣየብቅዐን። ቀሪቡ ነቲ ሬሳ ዝነበሮ ቓሬዛ ተንከዮ። (ሉቃስ 7:13, 14) እቶም ሓዘንተኛታት ድማ፡ እቲ ተግባራቱ ደንጽይዎም ደው በሉ። ‘እንታይ ማለቱ እዩ፧ እንታይ እዩ ኺገብር፧’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም።

እቶም ምስ የሱስ ዚኸዱ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ግብርታት ሓይሊ ኺገብር፡ ብዙሓት ሕሙማት እውን ኬሕዊ ርእዮምዎ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ካብ ምዉታት ኬተንስእ ርእዮምዎ ዘይፈልጡ እዮም ዚመስሉ። ቅድሚኡ ነዊሕ ይገብር ትንሳኤ ዀይኑ ዚፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስከ ኼተንስእ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ (1 ነገስት 17:17-23፣ 2 ነገስት 4:32-37) የሱስ፡ “ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣለኹ!” በለ። (ሉቃስ 7:14) ከምኡ እውን ኰነ። እቲ ጐበዝ ተንሲኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብ እውን ጀመረ! የሱስ ከኣ ነታ ሰምቢዳን ተሓጒሳን ዝነበረት ኣዲኡ ሃባ። ደጊም በይና ኣይኰነትን።

እቶም ህዝቢ፡ እቲ ጐበዝ ብሓቂ ህያው ከም ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ “ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና” እናበሉ ነቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ወደስዎ። ገሊኦም ከኣ፡ “ኣምላኽ፡ ቈላሕታኡ ናብ ህዝቡ ገይሩ” ብምባል ኣገዳስነት እቲ የሱስ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብሪ ኸም እተገንዘቡ ኣርኣዩ። (ሉቃስ 7:16) ወረ እዚ ዜገርም ተግባር፡ ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ተዘርግሐ፣ ናብታ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ዓዲ የሱስ ዝዀነት ናዝሬት እውን በጺሑ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ወረ ኽሳዕ እታ ብደቡብ እትርከብ ይሁዳ እውን በጽሐ።

ዮሃንስ መጥምቕ ግና ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ግብርታት ከኣ ኣጸቢቑ ኺፈልጥ ደለየ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ተኣምራት እዚ ነገርዎ። እቲ ዝሃቦ ምላሽከ እንታይ ነበረ፧