ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 35

እቲ ውሩይ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

እቲ ውሩይ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

ማቴዎስ 5:1–7:29 ሉቃስ 6:17-49

  • ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

የሱስ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ድሕሪ ምሕዳሩን ካብ ደቀ መዛሙርቱ 12 ሃዋርያት ድሕሪ ምሕራዩን ደኺሙ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። መዓልቲ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰባት ኪሕግዝ ብርታዐን ድሌትን ነበሮ። ኣብ ገሊላ፡ ንሓደ ኸረን ኣብ ጎቦኡ ዀይኑ ድማ ከምኡ ገበረ፣ እቲ ኸረን ከኣ ምናልባት ካብታ ማእከል ንጥፈታቱ ዝዀነት ቅፍርናሆም ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ይርከብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካብ ርሑቕ ኸኣ ህዝቢ ናብኡ መጸ። ገሊኦም ካብ ደቡብ ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን እዮም መጺኦም። ገሊኦም ድማ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካብተን ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚርከባ ኸተማታት ጢሮስን ሲዶንን እዮም መጺኦም። ስለምንታይ እዮም ንየሱስ ደልዮም ዝመጹ፧ “ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሓውዩን” እዮም መጺኦም። ከምኡ ድማ ኰነ፣ የሱስ ‘ንዅላቶም የሕውዮም ነበረ።’ ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኵሎም እቶም ሕሙማት ሓውዮም እዮም። የሱስ ነቶም “ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩ፡” ማለት ነቶም ብእኩያት መላእኽቲ ሰይጣን እተወጽዑ ሰባት እውን ረዲእዎም እዩ።—ሉቃስ 6:17-19

ድሕርዚ፡ የሱስ ነቲ ኸረን ብሓደ ሸነኹ ሰጥ ዝበለ ቦታ ረኸበ እሞ እቲ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተኣከበ። ደቀ መዛሙርቱ፡ ምናዳ ድማ እቶም 12 ሃዋርያቱ ኣብ ቀረባኡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኵላቶም ካብቲ ግብርታት ሓይሊ ዝገበረ መምህር ኪሰምዑ ተሃንጥዮም ነበሩ። የሱስ ንሰማዕቱ ብሓቂ ዝጠቐሞም ስብከት ኣቕረበ። ካብኡ ንነጀው እውን ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ካብቲ ስብከት ተጠቒሞም እዮም። እቲ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብቐሊልን ብንጹርን መገዲ ስለ ዝቐረበ፡ ንሕና እውን ካብኡ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። የሱስ ተራ ተመክሮታትን ሰባት ዚፈልጥዎ ነገራትን እዩ ተጠቒሙ። እዚ ድማ፡ ኵሎም እቶም ብመገዲ ኣምላኽ ዝሓሸ ህይወት ኪረኽቡ ዚደልዩ ሰባት፡ ሓሳባቱ ብቐሊሉ ኸም ዚርድእዎ ገይሩ እዩ። ነቲ የሱስ ዝሃቦ ስብከት ኣዝዩ ጠቓሚ ዝገበሮ እንታይ ኣገዳሲ መዳያት እዩ፧

ብሓቂ ሕጉሳት መን እዮም፧

ኵሉ ሰብ ሕጉስ ኪኸውን ይደሊ እዩ። የሱስ ነዚ ስለ ዚፈልጥ፡ መን ብሓቂ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ብምግላጽ ስብከቱ ጀመረ። እዚ ንኣቓልቦ ሰማዕቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሰሓበ እሞ ገምቶ። ገሊኡ ነጥብታት ግና ደንጽይዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

የሱስ ከምዚ በለ፦ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። ዚሓዝኑ፡ ኪጸናንዑ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። . . . ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። . . . ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። ምእንታይ ምስ ዚጸርፉኹምን ምስ ዚሰጕጉኹምን . . . ሕጉሳት ኢኹም። . . . ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።”—ማቴዎስ 5:3-12

የሱስ “ሕጉሳት” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ጸወታ ዚህሉ ወኻዕታ ወይ ሰሓቕ ማለቱ ኣይኰነን ነይሩ። ናይ ሓቂ ሓጐስ፡ ናይ ላዕለ ላዕሊ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ናይ ሓቂ ርውየትን ዕግበትን ዜጠቓልል እዩ።

የሱስ፡ እቶም መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉን ብሓጢኣቶም ዚጕህዩን እሞ ንኣምላኽ ዚፈልጥዎን ዜገልግልዎን ብሓቂ ሕጉሳት ምዃኖም ሓበረ። ዋላ እኳ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሮም እንተ ተጸልኡ ወይ እንተ ተሰጕጉ፡ ንኣምላኽ ባህ የብልዎ ኸም ዘለዉን ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህቦምን ብምፍላጦም ሕጉሳት እዮም።

ብዙሓት ሰባት፡ ሃብታም ምዃንን ደድሕሪ ተድላ ምስዓብን ሓጐስ ዜምጽእ ይመስሎም እዩ። የሱስ ግና ከምኡ ኣይበለን። የግዳስ፡ ንብዙሓት ካብ ሰማዕቱ ኼገርም ዚኽእል ንጽጽር ብምግባር ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ሃብታማት ግና፡ ምጽንናዕኩም ብምሉኡ ረኺብኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ ዝጸገብኩም፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትሓዝኑን ክትበኽዩን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኵሎም ሰባት ጽቡቕ ምስ ዚዛረቡልኩም፡ ኣቦታቶም ንናይ ሓሶት ነብያት ከምኡ ገይሮምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።”—ሉቃስ 6:24-26

ሃብትን ሰሓቕን ውዳሰ ሰባትን ምርካብ ወይለኻ ዜብል ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ እዚ ነገራት እዚ እንተ ኣልይዎን ነዚ ኽብ ኣቢሉ ዚርእዮ እንተ ዀይኑን፡ ነቲ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽኣሉ ንኣምላኽ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ዕሽሽ ኪብሎ ይኽእል እዩ። የሱስ፡ ድኽነት ወይ ጥሜት ንሰብ ሕጉስ ይገብሮ ማለቱ ኣይነበረን። ብዙሕ ግዜ ግና ጽጉም ሰብ እዩ ንትምህርትታት የሱስ ዚቕበልን በረኸት ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚቕበልን።

የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 5:13) ርግጽ እዩ፡ ቃል ብቓሉ ጨው እዮም ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጨው ንምዕቃብ ይጠቅም እዩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኸኣ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ብዙሕ ጨው ይቕመጥ ነበረ፡ ምስ መስዋእቲ እውን ይቐርብ ነበረ። ካብ ብልሽውና ሓራ ምዃን ድማ የመልክት ነበረ። (ዘሌዋውያን 2:13፣ ህዝቅኤል 43:23, 24) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እምበኣር ንሰባት ካብ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ብልሽውና ኺርሕቁ ብምሕጋዝ፡ ናይ ምድሓን ጽልዋ ስለ ዘለዎም፡ “ጨው ምድሪ” እዮም። እወ፡ መልእኽቶም፡ ህይወት እቶም ዚሰምዕዎም ሰባት ይዕቅብ ወይ የድሕን እዩ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” እውን በሎም። መብራህቲ ኣብቲ ኺበርሃሉ ዚኽእል ቀዋሚ ቐንዴል እምበር፡ ትሕቲ ኸፈር ኣይኰነን ዚቕመጥ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—ማቴዎስ 5:14-16

ንሰዓብቱ ዝሃቦም ልዑል ስርዓታት

መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ፡ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚጥሕስ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም፡ ኣቐዲሞም ከኣ ኪቐትልዎ ውዲት ኣሊሞም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ብግህዶ፡ “ንሕጊ ዀነ ንነብያት ክስዕር ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ክፍጽም ደኣ እምበር፡ ክስዕር ኣይመጻእኩን” በሎም።—ማቴዎስ 5:17

እወ፡ የሱስ ንሕጊ ኣምላኽ ልዑል ኣኽብሮት እዩ ነይርዎ፣ ካልኦት ከምኡ ዝበለ ኣረኣእያ ኺህልዎም ከኣ ኣተባብዐ። ስለዚ፡ “ሓንቲ ኻብዘን ንኣሽቱ ትእዛዛት ዚጥሕስ፡ ንሰብ ከኣ ከምኡ ዚምህር ዘበለ፡ ምስ መንግስተ ሰማያት ብእተተሓሓዘ ንእሽቶ ኺብሃል እዩ” በለ። ከምዚ ዝገበረ ሰብ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣቱ እዩ ዝገልጽ ነይሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እናገበረ ዚምህር ዘበለ ግና፡ ምስ መንግስተ ሰማያት ብእተተሓሓዘ ዓብዪ ኺብሃል እዩ” በለ።—ማቴዎስ 5:19

የሱስ ነቲ ናብ ጥሕሰት ሕጊ ኣምላኽ ኪመርሕ ዚኽእል ኣመለኻኽታ እውን ከይተረፈ ዀኒኑ እዩ። እቲ ሕጊ “ኣይትቕተል” ከም ዚብል ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ብሓዉ ተቘጢዑ ዚነብር ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:21, 22) ንብጻይካ እተቘጣዕካዮ ቝጥዓ ኣብ ውሽጥኻ ሒዝካ ምንባር ከቢድ ነገር እዩ፣ ምናልባት እውን ናብ ቅትለት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሱስ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ሰላም ክሳዕ ክንደይ ኪጽዕር ከም ዘለዎ ኸምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “እምበኣር፡ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።”—ማቴዎስ 5:23, 24

ኣብቲ ሕጊ ዚርከብ ካልእ ትእዛዝ፡ “ኣይትዘሙ” ዚብል እዩ። የሱስ ድማ፡ “‘ኣይትዘሙ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ። (ማቴዎስ 5:27, 28) የሱስ ኣብዚ ብዛዕባ ሓላፊ ርኹስ ሓሳብ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ‘ዚርእያ’ ብምባል ዘይኰነስ፡ “ዚጥምታ” ብምባል ንኽብደት እቲ ጕዳይ ኣጕሊሑ እዩ። እወ፡ ምጥማት ፍትወት ወይ ብርቱዕ ባህጊ የለዓዕል እዩ። ኣጋጣሚ ምስ ተረኽበ ድማ፡ ዝሙት የስዕብ። ሓደ ሰብ ከምዚ ኸየጋጥሞ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧ ከቢድ ስጕምቲ ኺወስድ የድልዮ ይኸውን። የሱስ፡ “የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ፡ ጐጥጒጥካ ደርብያ። . . . የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሒታትካ እውን፡ ቈሪጽካ ደርብያ” በለ።—ማቴዎስ 5:29, 30

ገሊኦም ሰባት ህይወቶም ንምድሓን፡ እናለሓመ ዚኸይድ ዝመሽመሸ ቝስሊ ዘለዎ መሓውሮም ኪቘርጹ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። የሱስ ከኣ ካብ ርኹስ ሓሳብን ሳዕቤናቱን ንምርሓቕ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ዋላ እኳ ኸም ዓይኒ ወይ ኢድ ዝበለ ኽቡር ነገር ‘ክንድርቢ’ ኸም ዚግባእ ተዛሪቡ እዩ። የሱስ ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዘሎ ሰብነትካ ናብ ገሃነም (ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዜመልክት ኣብ ወጻኢ መካበብያ የሩሳሌም ዝነበረ ዚነድድ ጐሓፍ) ካብ ዚድርበ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ” በለ።

የሱስ፡ ንዚጐድኡናን ንዚብድሉናን ሰባት እንታይ ምላሽ ክንህብ ከም ዘሎና ኺገልጽ ከሎ እውን፡ “ንእኩይ ኣይትቃወምዎ፣ የግዳስ፡ የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 5:39) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሱ ወይ ኣብ ስድራ ቤቱ ኻብ ዚወርድ መጥቃዕቲ ኺከላኸል የብሉን ማለቱ ኣይኰነን። ጽፍዒት ንሰብ ዜዋርድ ደኣ እምበር፡ ከቢድ ኣካላዊ ጕድኣት ዜውርድ ወይ ዚቐትል ኣይኰነን። ስለዚ፡ የሱስ፡ ሓደ ሰብ ብጽፍዒት ኰነ ብጸርፊ ገይሩ፡ ባእሲ ወይ ቈየቛ ኼለዓዕል ምስ ዚፍትን፡ ሕነ ኣይትፍደ እዩ ዚብል ነይሩ።

እዚ ምኽሪ እዚ፡ ምስቲ ንብጻይና ኸነፍቅር እተዋህበና ሕጊ ኣምላኽ ዚሳነ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ” ኢሉ መኸሮም። ከምዚ ዚገብሩሉ ሓያል ምኽንያት ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 5:44, 45

የሱስ ነዚ ኽፋል ስብከቱ እዚ፡ “እምበኣር፡ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ፍጹማት ኩኑ” ብምባል ደምደሞ። (ማቴዎስ 5:48) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ፍጹማት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ንኣምላኽ ብምምሳል፡ ንጸላእትና እውን ከይተረፈ ኸነፍቅሮም ንኽእል ኢና። ነዚ ብኻልእ ኣበሃህላ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ከምቲ ኣቦኹም መሓሪ ዝዀነ፡ መሓርቲ ኹኑ” በለ።—ሉቃስ 6:36

ጸሎትን ኣብ ኣምላኽ ምውካልን

የሱስ ስብከቱ ኪቕጽል ከሎ፡ ንሰማዕቱ፡ “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም፡ ጽድቅኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ” በሎም። ብግብዝና ዚግበር ፍርሃት ኣምላኽ ኪዅንን ከሎ ድማ፡ “ክትምጽውት ከለኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት . . . ዚገብርዎ፡ ኣቐዲምካ መለኸት ኣይትንፋሕ” በለ። (ማቴዎስ 6:1, 2) ምጽዋት ብሕቡእ እዩ ኺውሃብ ዚግባእ።

የሱስ ቀጺሉ፡ “ክትጽልዩ ኸለኹም እውን፡ ከምቶም ግቡዛት ኣይትኹኑ፣ ንሳቶም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ኣብ ምኵራባትን ኣብ መኣዝናት ጐደናታትን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንስኻ ኽትጽሊ ኸለኻ ግና፡ ናብ ብሑት ክፍልኻ እቶ፡ ማዕጾኻ ዓጺኻ ኸኣ፡ ናብቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ” በለ። (ማቴዎስ 6:5, 6) የሱስ ንባዕሉ እውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ይጽሊ ብምንባሩ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምጽላይ ኣይኰነን ዚዅንን ነይሩ። የግዳስ፡ ነቲ ንሰማዕቲ ንምምሳጥን ናእዳ ንምርካብን ተባሂሉ ዚግበር ጸሎት እዩ ዚዅንን ነይሩ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ነቶም ህዝቢ፡ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምቲ . . . ኣህዛብ ዚገብርዎ፡ ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ” ኢሉ መኸሮም። (ማቴዎስ 6:7) የሱስ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ደጋጊምካ ምጽላይ ጌጋ እዩ ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ እቲ ብመቝጸርያ ወይ ብመድገምያ ዚጽልዩ ሰባት ሸምዲዶም ‘ዚደጋግምዎ’ ዓይነት ጸሎት እዩ ዚነቅፍ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሸውዓተ ልማኖ ዜጠቓልል ኣብነት ዚኸውን ጸሎት መሃሮም። እቲ ናይ መጀመርታ ሰለስተ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ዘለዎ መሰልን ብዛዕባ ዕላማታቱን፡ ማለት ስሙ ኪቕደስ፡ መንግስቱ ኽትመጽእ፡ ፍቓዱ ኸኣ ኪፍጸም ዚቐርብ ልማኖ እዩ። ድሕሪ እዚ ልማኖ እዚ ድማ ናይ ብሕትና ልማኖታት ከነቕርብ፡ ማለት ናይ ዕለት እንጌራ ኺውሃበናን ሓጢኣትና ኺሕደገልናን ክንጻወሮ ኣብ ዘይንኽእል ፈተና ኸየእትወናን ካብቲ እኩይ ኬድሕነናን ክንልምን ንኽእል ኢና።

ንጥሪትና ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና፧ የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ” በሎም። ሓቁ እዩ። ስጋዊ መዛግብቲ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ፡ ይጠፍእ ድማ እዩ፣ ንዕኡ ምጥራይና ኸኣ ኣብ ኣምላኽ ሞገስ ከም እንረክብ ኣይገብረናን እዩ። ስለዚ የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ” በለ። ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ብምሃብ፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ሞገስ ወይ ከም ዓስቢ ገይሩ ዚህበና ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪምንዝዓና ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። የሱስ፡ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ” ኺብል ሓቁ እዩ።—ማቴዎስ 6:19-21

የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ንምጕላሕ፡ “መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ትኵርቲ እንተ ዀይና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ቐናእ እንተ ዀይና ግና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን” ኢሉ ብምሳሌ ገይሩ ኣብርሀ። (ማቴዎስ 6:22, 23) ዓይንና ብግቡእ እትርኢ እንተ ዀይና፡ ንሰብነትና ኸም መብራህቲ እያ እትዀኖ። ከምኡ ምእንቲ ኽትከውን ግና፡ ዓይንና ኣብ ሓደ ነገር እተተኵር ክትከውን ኣለዋ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ግጉይ ኣረኣእያ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘይኰነስ፡ ኣብ ስጋዊ ጥሪት ምስ እነተኵር፡ ናብ ሕማቕ ተግባር ክንስሓብ ስለ እንኽእል፡ ‘ብዘሎ ሰብነትና ጸልማት እዩ ዚኸውን።’

የሱስ ቀጺሉ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ብምባል ብኣብነት ገይሩ ሓያል ትምህርቲ ሃበ።—ማቴዎስ 6:24

ገሊኦም ሰማዕቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ከም ዚግባእ ኣተሓሳሲብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ከኣ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ቀዳምነት እንተ ሂቦምዎ፡ ኪጭነቑ ኸም ዘይብሎም ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣረጋገጸሎም፦ “ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን።”—ማቴዎስ 6:26

ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ኸረን ዝነበሩ ዕምባባታት መሮርከ፧ የሱስ፡ “ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን” በለ። እዚ እንታይ ይምህረና፧ የሱስ፡ “ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ . . . ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧” በለ። (ማቴዎስ 6:29, 30) እዚ ዚስዕብ ጥበባዊ ምሕጽንታ ድማ ኣቕረበ፦ “እምበኣር፡ ‘እንታይ ንበልዕ፧’ ወይ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። . . . እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”—ማቴዎስ 6:31-33

ህይወት ብኸመይ ከም ዚርከብ

ሃዋርያትን ካልኦት ቅኑዓት ሰባትን ንኣምላኽ ባህ ብዜብል መገዲ ኺመላለሱ ይደልዩ ነይሮም እዮም፣ ግናኸ፡ እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ብዙሓት ፈሪሳውያን ንኻልኦት ዚነቕፉን ዚፈርዱን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ፣ ብእትፈርድዎ ፍርድስ ኪፍረደኩም፡ ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ድማ ኪስፈረልኩም እዩ” ኢሉ መዓዶም።—ማቴዎስ 7:1, 2

ከምቲ የሱስ “ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኦም ደይኰኑን ኣብ ጕድጓድ ዚወድቁ፧” ብምባል ብምሳሌ ገይሩ ዘብርሆ፡ ደድሕሪ እቶም እምብዛ ነቐፍቲ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ምስዓብ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ሰማዕቲ የሱስ ብዛዕባ ኻልኦት እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ነበሮ፧ ብዓይኒ ነቐፌታ ኺርእይዎም ኣይግባእን፣ ከምኡ ምግባርሲ ኸቢድ በደል እዩ። የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ኸይረኣኻስ፡ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ‘ሓወየ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካ ሕደገኒ’ እትብሎ፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ” በለ።—ሉቃስ 6:39-42

ይኹን እምበር፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እንታይነት ሰባት ኣስተውዒሎም ኬለልዩ ኸለዉ፡ ይፈርዱ ነይሮም ማለት ኣይኰነን። የሱስ፡ “ቅዱስ ዘበለ ንኣኽላባት ኣይትሃቡ። . . . ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ማቴዎስ 7:6) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ኸም ምሳልያዊ ሉል ክቡር እዩ። ገሊኦም ሰባት ከም እንስሳ እንተ ዀይኖም እሞ ነዚ ኽቡር ሓቅታት ኣኽቢሮም ዘይርእይዎ እንተ ዀይኖም፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንዓታቶም ሓዲጎም፡ ንዚቕበልዎ ሰባት ኪደልዩ ይግባእ።

የሱስ ናብቲ ብዛዕባ ጸሎት ዝሃቦ ትምህርቲ ተመሊሱ፡ ብጸሎት ምጽናዕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ” በለ። ኣምላኽ፡ ጸሎት ንምምላስ ድሉው እዩ፣ የሱስ ነዚ ንምጕላሕ፡ “ካባኻትኩምከ ወዱ እንጌራ እንተ ለሚንዎ፡ እምኒ ዚህቦ መን እዩ፧ . . . እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም!” በለ።—ማቴዎስ 7:7-11

የሱስ ቀጺሉ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” ብምባል ውርይቲ ሕጊ ኣውጽአ። ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ነዚ ኣወንታዊ ምሕጽንታ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎንዶ ኣይግባእን፧ ከምኡ ምግባር ግና በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ የሱስ ነዚ ኣብ ትምህርቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ፡ መገዳ እውን ርሕብቲ እያ፣ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም፣ እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” በለ።—ማቴዎስ 7:12-14

ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ኼስሕትዎም ዚፍትኑ ሰባት ስለ ዚልዓሉ፡ የሱስ፡ “ካብቶም ብውሽጦም ሃርጓማት ተዃሉ ኽነሶም፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዚመጹኹም ናይ ሓሶት ነብያት ተጠንቀቑ” በሎም። (ማቴዎስ 7:15) የሱስ ኣስዒቡ፡ ጽቡቕ ኦምን ሕማቕ ኦምን ብፍሪኡ ኸም ዚልለ ገለጸ። ሰባት እውን ከምኡ እዮም። ስለዚ፡ ንናይ ሓሶት ነብያት ብትምህርቶምን ብግብሮምን ከነለልዮም ንኽእል ኢና። እወ፡ ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር የሱስ ዚኸውን፡ በቲ ዚብሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ዚገብሮ እውን እዩ። ገለ ሰባት የሱስ ጐይታኦም ከም ዝዀነ ይዛረቡ ይዀኑ፣ ፍቓድ ኣቦኡ ዘይገብሩ እንተ ዀይኖም ግና እንታይ እዮም ዚዀኑ፧ የሱስ፡ “ኣነ ግና፡ ‘ኣቱም ጠሓስቲ ሕጊ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን! ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም እየ” በለ።—ማቴዎስ 7:23

የሱስ ንስብከቱ ኺድምድም ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ነዚ ቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሃነጸ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስ እውን ነፈሰ፣ ነታ ቤት ከኣ ደፍኣ፣ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ግና፡ ኣይወደቐትን።” (ማቴዎስ 7:24, 25) እታ ቤት ስለምንታይ እያ ዘይወደቐት፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ሰብኣይ ‘ኣዕሚቑ ዅዒቱን መሰረት ኣብ ከውሒ ሰሪቱን እዩ።’ (ሉቃስ 6:48) ስለዚ፡ ቃላት የሱስ ምስማዕ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ‘ንምግባሩ’ እውን ክንጋደል ኣሎና።

እቲ “ነዚ [ቓል የሱስ] ሰሚዑ ዘይገብሮ” ደኣኸ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ንሱ “ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሃነጸ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል።” (ማቴዎስ 7:26) ዝናምን ውሒዝን ንፋስን ምስ መጸ፡ ነታ ቤት ዓብዪ ውድቀት እዩ ዜጋጥማ።

እቶም ህዝቢ በቲ የሱስ ኣብ ስብከቱ እተጠቕመሉ ኣመሃህራ ተገረሙ። ምኽንያቱ፡ ከምቶም መራሕቲ ሃይማኖቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ እዩ ዚምህሮም ነይሩ። ምናልባት ሓያሎ ኻብቶም ዝሰምዕዎ ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።