ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 54

የሱስ—“እንጌራ ህይወት”

የሱስ—“እንጌራ ህይወት”

ዮሃንስ 6:25-48

  • የሱስ “ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ” እዩ

ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ባሕሪ ገሊላ፡ የሱስ ንኣሽሓት ብተኣምራዊ መገዲ ምስ መገበ እሞ ኼንግስዎ ምስ ደለዩ፡ ኣምለጠ። በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ማዕበል ዝነበሮ ባሕሪ ገሊላ ብእግሩ ከደ፣ ነቲ ብማየ ማይ ቝሩብ ድሕሪ ምኻዱ ኺጥሕል ዝጀመረ ጴጥሮስ ከኣ ኣድሓኖ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ነቲ ንፋስ ኣህድኦ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ጃልባኦም ከይትስበር ኣድሒንዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ምዕራባዊ ሸነኽ እቲ ባሕሪ፡ ናብ ከባቢ ቅፍርናሆም ተመልሰ። እቶም ብተኣምር ዝመገቦም ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ “መዓስ ናብዚ መጺእካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ ንዕኡ ዚደልይዎ ዘለዉ፡ ከም ብሓድሽ ብናጻ ኺበልዑ ደልዮም ምዃኖም ብምንጋር ገንሖም። “ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ” ኢሉ ድማ ተማሕጸኖም። ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ዮሃንስ 6:25-28

ንሳቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ግብርታት ይሓስቡ ነይሮም ይዀኑ እዮም፣ የሱስ ግና፡ “ግብሪ ኣምላኽ፡ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” ብምባል ብሉጽ ግብሪ ሓበሮም። እቶም ህዝቢ ግና፡ የሱስ እዚ ዅሉ ገይሩ ኼብቅዕ፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። ብእኡ ምእንቲ ኺኣምኑ ድማ ትእምርቲ ኺገብር ሓተትዎ። “እንታይ ግብሪኸ ትገብር ኣለኻ፧ ኣቦታትና፡ ከምቲ፡ ‘ኪበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም’ ተባሂሉ እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በሊዖም እዮም” በልዎ።—ዮሃንስ 6:29-31፣ መዝሙር 78:24

እቶም ህዝቢ ትእምርቲ ኺገብር ብምሕታቶም፡ የሱስ ምንጪ እቲ ናይ ሓቂ ተኣምራት መን ምዃኑ ንምንጻር ከምዚ በሎም፦ “እብለኩም ኣለኹ፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ነቲ ናይ ሓቂ እንጌራ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድን ንዓለም ህይወት ዚህብን እዩ እቲ ናይ ኣምላኽ እንጌራ።” ንሳቶም ግና እንታይ ይብሎም ከም ዘሎ ስለ ዘይተረድኦም፡ “ጐይታይ፡ ነቲ እንጌራ እቲ ዅሉ ሳዕ ሃበና” በልዎ። (ዮሃንስ 6:32-34) የሱስ፡ “እንጌራ” ኺብል ከሎ ግና እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኸምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። እቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ኣይኪጠምን፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን እውን ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ። ግናኸ፡ ኢለኩም ኣለኹ፡ ርኢኹምኒ እኳ ኣይኣመንኩምንን። . . . ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ፡ . . . እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”—ዮሃንስ 6:35-40

ሽዑ፡ ኣይሁድ በዚ ተቘጥዑ፡ ኣጕረምረሙ እውን። ከመይ ኢሉ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ” ኺብል ይኽእል፧ (ዮሃንስ 6:41) ንዓታቶም ካብታ ኣብ ገሊላ እትርከብ ከተማ ናዝሬት ዝመጸ፡ ሰብኣውያን ወለዲ ዝወለድዎ ጥራይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ሰባት፡ “እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧” በሉ።—ዮሃንስ 6:42

የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ደጊም ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ። እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፣ ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ኣብ ነብያት፡ ‘ኵላቶም ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦ ዝሰምዐን እተማህረን ዘበለ፡ ናባይ ይመጽእ። ብዘይካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ንኣቦ ዝረኣዮ የልቦን፣ ንሱ ንኣቦ ርእይዎ እዩ። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።”—ዮሃንስ 6:43-47፣ ኢሳይያስ 54:13

የሱስ ኣቐዲሙ ምስ ኒቆዲሞስ ኪዛራረብ ከሎ፡ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ” ብምባል ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብወዲ ሰብ ምስ ምእማን ኣተሓሒዝዎ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 3:15, 16) ምስ ኣይሁድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ግና፡ ንብዙሓት ሰባት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብኡ ድማ ነቲ ንሱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምርካብ ዘለዎ ግደ ነገሮም፣ ማና ዀነ ኻልእ ኣብ ገሊላ ዚርከብ እንጌራ ኸኣ ከምዚ ዝበለ ዓስቢ ኺህቦም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከመይ ጌርካ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧ የሱስ፡ “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ” ኢሉ ቓላቱ ደገመሎም።—ዮሃንስ 6:48

እዚ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እተገብረ ምይይጥ፡ የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ምኵራብ ኪምህር ከሎ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጽሐ።