ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 81

ምስ ኣቦ ሓደ ኽነሱ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን

ምስ ኣቦ ሓደ ኽነሱ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን

ዮሃንስ 10:22-42

  • “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና”

  • የሱስ፡ እቲ ንርእሱ ኣምላኽ ገይሩ ተባሂሉ ዝቐረበሉ ኽሲ ጌጋ ምዃኑ ገለጸ

የሱስ በዓል ወፈያ (ወይ ሓኑካ) ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነበረ። እዚ በዓል እዚ ንዝኽሪ ዳግመ ወፈያ እታ ቤተ መቕደስ ዚብዓል እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ሓደ ዘመን ይገብር፡ ኣንቲቆስ ኢጲፋነስ ንጉስ ሶርያ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ መሰውኢ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ፡ ካልእ መሰውኢ ሰርሐ። ደቂ ሓደ ኣይሁዳዊ ኻህን ድማ ጸኒሖም ንየሩሳሌም ሓዝዋ፡ ነታ ቤተ መቕደስ እውን ዳግም ንየሆዋ ወፈይዋ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ብ25 ከስለው፡—እታ መፋርቕ ሕዳርን መፋርቕ ታሕሳስን እትሽፍን ወርሒ፡—ዓመታዊ በዓል ይብዓል ነበረ።

እዋኑ ቘራሪ ወቕቲ እዩ ነይሩ። የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይኸይድ ነበረ። ሽዑ፡ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሰንፈላል ክትገብረና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ብግልጺ ንገረና” በልዎ። (ዮሃንስ 10:22-24) የሱስከ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧ “ነጊረኩምሲ፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። ከምቲ ነታ ኣብ ዒላ ዝረኸባ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝነገራ ገይሩ ክርስቶስ ምዃኑ ብቐጥታ ኣይነገሮምን። (ዮሃንስ 4:25, 26) “ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ኣነ ኣለኹ” ብምባል ግና መንነቱ ገሊጹሎም እዩ።—ዮሃንስ 8:58

የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝዀነ፡ ነቲ ግብርታቱ ምስቲ ክርስቶስ ኪፍጽሞ ምዃኑ ብትንቢት እተነግረ ነገር ብምንጽጻር ሰባት ባዕላቶም ኣብ ውሳነ ኺበጽሑ እዩ ዝደሊ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣብ ካልእ ግዜ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ዝኣዘዞም። ነቶም ተጻባእቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ግና፡ “እቲ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ብዛዕባይ ይምስክር እዩ። ንስኻትኩም ግና . . . ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎም።—ዮሃንስ 10:25, 26

ስለምንታይ እዮም የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዘይኣመኑ፧ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም ግና፡ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ እፈልጠን፡ ንሳተን እውን ይስዕባኒ እየን። ኣነ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ከቶ ኣይኪጠፍኣን እየን፣ ካብ ኢደይ ዚምንዝዐን እውን የልቦን። እቲ ኣቦይ ዝሃበኒ፡ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ።” የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ብምባል ነቲ ንሱ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ጥብቂ ርክብ ነገሮም። (ዮሃንስ 10:26-30) የሱስ ኣብ ምድሪ፡ ኣቦኡ ኸኣ ኣብ ሰማይ ብምንባሩ፡ ቃል ብቓሉ ንሱን ኣቦኡን ሓደ እዮም ማለቱ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓደ ዝዕላማኦምን ሓድነት ዘለዎምን ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ቃላት የሱስ ንኣይሁድ ብዙሕ ስለ ዘቘጥዖም፡ ኪቐትልዎ ኣእማን ኣልዓሉ። እዚ ግና ንየሱስ ኣየፍርሆን። የግዳስ፡ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርእየኩም እየ። ስለ ኣየኖት ግብርታት ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ስለ እተጻረፍካ፡ . . . ርእስኻ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ እምበር፡ ስለቲ ሰናይ ግብርኻስ ኣይኰንናን ብዳርባ እምኒ እንቐትለካ” ኢሎም መለሱሉ። (ዮሃንስ 10:31-33) የሱስ ‘ኣምላኽ እየ’ ኢሉ ዘይፈልጥ ክነሱ፡ ከምኡ ኢሎም ዝኸሰስዎ ስለምንታይ እዮም፧

ኣይሁድ ከምኡ ዝበልዎ፡ የሱስ እቲ ንሳቶም ናይ ኣምላኽ ጥራይ ኢሎም ዚኣምኑሉ ስልጣናት ከም ዘለዎ ብምዝራቡ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እተን “ኣባጊዕ” ኪዛረብ ከሎ “ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን” ኢሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሰብ ኪገብሮ ዘይክእል ነገር እዩ። (ዮሃንስ 10:28) እንተዀነ ግና፡ እቶም ኣይሁድ ነቲ የሱስ ካብ ኣቦኡ ስልጣን ከም እተዋህቦ ብግህዶ ዝነገሮም ነገር ዕሽሽ ኢሎምዎ ነይሮም እዮም።

እቲ ኽሶም ጌጋ ምዃኑ መርትዖ ንምቕራብ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም፦ “ኣብ ሕግኹም፡ [ኣብ መዝሙር 82:6] ‘ኣነ፡ “ኣማልኽቲ ኢኹም” ኢለ’ ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን፧ ነቶም ኣንጻሮም ቃል ኣምላኽ ዝመጾም፡ ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ ዚብሎም፡ . . . ንዓይ፡ ኣቦ ንዝቐደሰኒ፡ ናብ ዓለም እውን ንዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ’ ስለ ዝበልኩዶ፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም፧”—ዮሃንስ 10:34-36

እወ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ዘይቅኑዓት ሰብኣውያን ፈራዶ እኳ “ኣማልኽቲ” ኢሉ ይጽውዖም እዩ። እሞ ደኣ የሱስ “ወዲ ኣምላኽ እየ” ብምባሉስ ኣይሁድ ከመይ ገይሮም በዳሊ ይገብርዎ፧ ቀጺሉ ሓደ ኼእምኖም ዚግባእ ነገር ጠቐሰ፦ “ግብርታት ኣቦይ እገብር እንተ ዘየለኹ፡ ኣይትእመኑኒ። እገብር እንተ ኣለኹ ግና፡ ኣቦ ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎን ኣነ ምስ ኣቦ ሓድነት ከም ዘሎንን ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትግንዘቡንሲ፡ ንዓይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብርታት እመንዎ።”—ዮሃንስ 10:37, 38

ሽዑ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ኪሕዝዎ ፈተኑ፡ ንሱ ግና ኣምለጠ። ካብ የሩሳሌም ወጺኡ ናብታ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ዮሃንስ ዜጥምቐላ ዝነበረ ስግር ፈለግ ዮርዳኖስ እትርከብ ቦታ ኸደ። እዛ ቦታ እዚኣ ኻብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ገሊላ ብዙሕ ዘይትርሕቕ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ።

ብዙሓት ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ “ዮሃንስ ሓንቲ ትእምርቲ እኳ ኣይገበረን፣ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ እተዛረቦ ዅሉ ግና፡ ሓቂ እዩ” በሉ። (ዮሃንስ 10:41) በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ብየሱስ ኣመኑ።