ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 79

ጥፍኣት እቶም ዘይኣምኑ ኣይሁድ ቀሪቡ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ጥፍኣት እቶም ዘይኣምኑ ኣይሁድ ቀሪቡ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ሉቃስ 13:1-21

  • የሱስ ካብ ክልተ ዜሕዝን ፍጻመታት ዚርከብ ትምህርቲ ገለጸ

  • ሓንቲ ዝጐበጠት ሰበይቲ ብሰንበት ሓወየት

የሱስ ንሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ከም ዚሓስቡ ንምትብባዕ ብዙሕ መገድታት ተጠቒሙ እዩ። ኣብ ወጻኢ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ዀይኑ ንህዝቢ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ካልእ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ተፈጥረ።

ገሊኣቶም ሓደ ዜሕዝን ፍጻመ ጠቐሱሉ። እወ፡ “ብዛዕባ እቶም [እቲ ሮማዊ ሹም ጶንጥዮስ] ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን” ነገርዎ። (ሉቃስ 13:1) ስለምንታይ እዮም ነዚ ጠቒሶምሉ፧

ምናልባት እቶም ገሊላውያን እቲኦም፡ ጲላጦስ ካብቲ መመጽወቲ ቤተ መቕደስ እተረኽበ ገንዘብ ንየሩሳሌም ዚኸውን መትረብ ማይ ንምስራሕ ምስ ኣውዓሎ ብምቅዋሞም እተቐትሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጲላጦስ ነቲ ገንዘብ ንምርካብ፡ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ተሓባቢሮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ነቲ ዜሕዝን ፍጻመ እቲ ዜዘንትዉ ዝነበሩ፡ እቶም ገሊላውያን እኩያት ብምዃኖም እዚ መዓት እዚ ዝወረዶም መሲልዎም ነይሩ ይኸውን። የሱስ ግና ምስ ሓሳቦም ኣይተሰማምዐን።

ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እዞም ገሊላውያን እዚኦም፡ እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧” ኢሉ ሓተተ። “ኣይፋሎምን” ኢሉ እውን ባዕሉ መለሰ። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ድማ ነቶም ኣይሁድ፡ “እንተ ዘይተነሲሕኩም፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም” በሎም። (ሉቃስ 13:2, 3) ቀጺሉ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣጋ እቲ ግዜ እቲ ዘጋጠመ ኻልእ ዜሕዝን ፍጻመ ተዛረበ፣ ምናልባት ንሱ እውን ምስ ምህናጽ እቲ መትረብ ማይ እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

“እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሸሞንተኸ፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝገደዱ በደልቲ ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧” ኢሉ ድማ ሓተተ። (ሉቃስ 13:4) እቶም ህዝቢ፡ እቶም ሰባት ብኽፍኣቶም ከም ዝሞቱ ይመስሎም ነይሩ ይኸውን። የሱስ ግና ኣብዚ እውን ምስ ሓሳቦም ኣይተሰማምዐን። “ግዜን ኣጋጣምን” ከም ዜጓንፍ፡ እቲ ዜሕዝን ፍጻመ ድማ ብሰንኪ እዚ ኸም እተኸሰተ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መክብብ 9:11) ሰባት ግና ካብቲ ፍጻመ እቲ ኺምሃሩ ነበሮም። የሱስ ድማ፡ “እንተ ዘይተነሲሕኩም፡ ኵላትኩም ከማታቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም። (ሉቃስ 13:5) ነቲ ትምህርቲ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘጕልሖ ግና ስለምንታይ እዩ፧

ከምኡ ኺብል ዝደረኾ፡ ንኣገልግሎቱ ተሪፍዎ ዝነበረ ግዜ ኪኸውን ከሎ፡ ነዚ እውን በዛ እትስዕብ ምሳሌ ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ገለጾ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ፡ ኦም በለስ ነበረቶ፣ ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ‘እንሆ፡ ካብዛ ኦም በለስ እዚኣ ፍረ እናደለኹ ሰለስተ ዓመት መጺአስ፡ ኣይረኸብኩላን። ቍረጻ! ስለምንታይ ምድሪ እተባኽን፧’ በሎ። ንሱ ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ ሓንቲ ዓመት ሕደጋ። ኣብ መጻኢ እንተ ፈርያ፡ ጽቡቕ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ትቘርጻ’ ኢሉ መለሰሉ።”—ሉቃስ 13:6-9

የሱስ ኣብቶም ኣይሁድ እምነት ንምዅስኳስ፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ፈቲኑ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ፍረ ጻዕሩ ጌርካ ዚርኣዩ ደቀ መዛሙርቱ ብተዛማዲ ሒደት ጥራይ እዮም ነይሮም። ድሕርዚ፡ ኣብ ራብዓይ ዓመት ኣገልግሎቱ፡ ኣብ ይሁዳን ጴርያን ጻዕርታቱ ኣሐየለ። በቲ ኣብ ይሁዳን ጴርያን ዚገብሮ ዝነበረ ስብከትን ትምህርትን ኣቢሉ ነታ ብኣይሁድ እተመሰለት ኦም በለስ ወሰነ ወሰና ይዅስኵሳን ይድኵዓን ነይሩ ኪብሃል ይከኣል እዩ። እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ ሒደት ኣይሁድ ጥራይ እዮም ተቐቢሎምዎ። እቶም ህዝቢ ብሓፈሻኡ ኺንስሑ ፍቓደኛታት ብዘይምንባሮም፡ ጥፍኣት ይጽበዮም ነይሩ እዩ።

ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ብዙሓት ኪቕበልዎ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም፡ ብመዓልቲ ሰንበት ነጸረ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ ኣብ ምኵራብ ይምህር ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ብሰንኪ ጋኔን ን18 ዓመት ዝጐበጠት ሰበይቲ ረኣየ። ብርሕራሐ ድማ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ድኻምኪ ተፈቲሕኪ ኢኺ” በላ። (ሉቃስ 13:12) ኣእዳዉ ኸኣ ኣንበረላ፣ ብቕጽበት ድማ ቀንዐት፡ ንኣምላኽ እውን ኣሞገሰቶ።

እቲ መራሕ ምኵራብ ግና ተቘጢዑ፡ “ኪዕየየለን ዚግባእ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣለዋ፣ እምበኣር፡ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን” በለ። (ሉቃስ 13:14) እቲ መራሒ እቲ፡ የሱስ ኬሕዊ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣይኰነን ዚኽሕድ ነይሩ፣ የግዳስ፡ እቶም ሰባት ኪሓውዩ ኢሎም ብመዓልቲ ሰንበት ብምምጻኦም እዩ ዀኒንዎም! የሱስ ድማ፡ “ኣቱም ግቡዛት፡ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይስ ንኣድጉ ብሰንበት ካብ ጋጹ ፈቲሑ፡ ኬስትዮ ኢሉ ይመርሖ ደይኰነን፧ እዛ ን18 ዓመት ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፡ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን እዩ፧” ኢሉ ንጹር ምላሽ ሃበ።—ሉቃስ 13:15, 16

እቶም ተጻረርቲ በዚ ሓፈሩ፣ እቶም ህዝቢ ግና በቲ የሱስ ኪገብሮ ዝረኣይዎ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ተሓጐሱ። ሽዑ፡ የሱስ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ጃልባ ዀይኑ ዝነገሮም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ክልተ ትንቢታዊ ምሳሌታት ደገመሎም።—ማቴዎስ 13:31-33፣ ሉቃስ 13:18-21