ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 71

ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ተጻረርዎ

ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ተጻረርዎ

ዮሃንስ 9:19-41

  • ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ተጻረርዎ

  • እቶም መራሕቲ ሃይማኖት “ዕዉራት” እዮም ነይሮም

እቶም ፈሪሳውያን፡ የሱስ ነቲ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል ስለ ዘይኣመኑ፡ ንወለዱ ጸውዕዎም። ወለዱ ድማ፡ ‘ካብ ምኵራቦም ኬውጽእዎም’ ከም ዚኽእሉ ፈሊጦም ነበሩ። (ዮሃንስ 9:22) ውጉዛት ኰይኖም ካብ ካልኦት ኣይሁድ ምስ ዚፍለዩ፡ ኣብታ ስድራ ቤት ከቢድ ማሕበራውን ቍጠባውን ሳዕቤን እዩ ዚህልዎ።

እቶም ፈሪሳውያን ከኣ፡ “እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧” ኢሎም ክልተ ሕቶ ሓተትዎም። ወለዱ ድማ፡ “እዚ ወድና ምዃኑን ብዕዉሩ ኸም እተወልደን ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኸም ዘሎ ግና ኣይንፈልጥን ኢና፣ ወይስ መን ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን ኢና” ኢሎም መለሱ። ወዶም ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር እኳ እንተ ነገሮም፡ “ንዕኡ ሕተትዎ። ንሱ በጽሒ እዩ። ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ” ብምባል ተጠንቂቖም መለሱ።—ዮሃንስ 9:19-21

ስለዚ፡ እቶም ፈሪሳውያን ነቲ ሰብኣይ መሊሶም ጸዊዖም፡ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” ብምባል ንየሱስ ዚፈልጡሉ ነገር ከም ዘለዎም ኣምሲሎም ኬፈራርህዎ ፈተኑ። እቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ግና ንኽሶም ጐስዩ፡ “ኣነስ፡ ሓጥእ እንተ ዀይኑ ኣይፈልጥን እየ። ዕዉር ከም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ግና እርኢ ኸም ዘለኹ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም።—ዮሃንስ 9:24, 25

እቶም ፈሪሳውያን ነቲ ነገር ኣብኡ ኺሓድግዎ ስለ ዘይደለዩ፡ “እንታይ እዩ ገይሩልካ፧ ከመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ፧” በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ተቢዑ፡ “ነጊረኩምሲ፡ ኣይሰማዕኩምን። ስለምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም፧ ንስኻትኩም እውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። እቶም ፈሪሳውያን ድማ ተቘጢዖም፡ “ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፣ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ ንፈልጥ ኢና፣ እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ።—ዮሃንስ 9:26-29

እቲ ለማኒ ድማ፡ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ብሓቂ ዜገርም እዩ፣ ንዓይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ” ኢሉ ኸም እተገረመ ገለጸሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ኣምላኽ ንመን ከም ዚሰምዕን ከም ዚቕበልን ብዚምልከት፡ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ፍቓዱ ዚገብርን እንተሎ፡ ንዕኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና። ብዕዉሩ ንእተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ኸቶ ኣይተሰምዐን” ኢሉ ባይታ ዘይወድቕ ዘረባ ተዛረበ። “እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ እኳ ኺገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ” ኢሉ እውን ደምደመ።—ዮሃንስ 9:30-33

እቶም ፈሪሳውያን ነቲ እቲ ለማኒ ዘቕረበሎም መርትዖ ኣሉ ኺብልዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ “ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፣ ንስኻዶ ንዓና ትምህረና፧” ኢሎም ጸረፍዎ። ሰጐጕዎ ድማ።—ዮሃንስ 9:34

የሱስ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ፡ “ብወዲ ሰብዶ ትኣምን ኢኻ፧” በሎ። እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ፡ መን እዩ ንሱ፧” ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፡ “ርኢኻዮ ኢኻ፣ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ እኳ ንሱ እዩ” ኢሉ ብንጹር ነገሮ።—ዮሃንስ 9:35-37

እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እኣምን እየ” በለ። እምነቱን ኣኽብሮቱን ኬርኢ ኢሉ ድማ ንየሱስ ሰገደሉ። ሽዑ ኸኣ የሱስ፡ “ኣነ፡ እቶም ዘይርእዩ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ ነዚ ፍርዲ እዚ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝመጻእኩ” ኢሉ ዓሚቝ ትርጉም ዘለዎ ዘረባ ተዛረበ።—ዮሃንስ 9:38, 39

እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ቃል ብቓሉ ዕዉራት ዘይምዃኖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣብቲ ኸም መንፈሳውያን መራሕቲ መጠን ዝነበሮም ግደ ግና ከመይ እዮም ነይሮም፧ ንሳቶም ንርእሶም ኪከላኸሉ ኢሎም፡ “ንሕናኸ ዕዉራት ዲና፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ድማ፡ “ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ኣለኹም። ስለዚ፡ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር” በሎም። (ዮሃንስ 9:40, 41) መምህራን እስራኤል እንተ ዘይኰኑ ነይሮም፡ ንየሱስ ከም መሲሕ ዘይምቕባሎም ምናልባት ዕሽሽ ምተባህለሎም ነይሩ። ሕጊ ሙሴ ይፈልጡ ብምንባሮም ግና፡ ንየሱስ ዘይምቕባሎም ከቢድ ሓጢኣት እዩ ነይሩ።