ጠቕላላ ድምር 2019
ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፦ 87
ጸብጻብ ዝሃባ ሃገራት፦ 240
ድምር ጉባኤታት፦ 119,712
ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ፦ 20,919,041
ኣብ መላእ ዓለም ካብ ቅጫን ወይንን በዓል ዝኽሪ ዝወሰዱ፦ 20,526
ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ *፦ 8,683,117
ወርሓዊ ገምጋም ቍጽሪ ኣስፋሕቲ፦ 8,471,008
ኣብ ልዕሊ 2018 እተራእየ ሚእታዊ ወሰኽ፦ 1.3
ጠቕላላ ቝጽሪ ተጠመቕቲ *፦ 303,866
ወርሓዊ ገምጋም ፈለምቲ * ኣስፋሕቲ፦ 1,277,738
ወርሓዊ ገምጋም ሓገዝቲ ፈለምቲ ኣስፋሕቲ፦ 464,980
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝወዓለ ጠቕላላ ሰዓታት፦ 2,088,560,437
ወርሓዊ ገምጋም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ *፦ 9,618,182
ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2019፡ * ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ፍሉያት ፈለምትን ሚስዮናውያንን ሓለውቲ ወረዳን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚገብርዎ ዕዮ ንምድጋፍ፡ ዳርጋ 224 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺኦም። ኣብ መላእ ዓለም፡ ብድምር 20,858 ዝዀኑ እተመዘዙ ኣገልገልቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ይዓይዩ። ኵሎም ድማ ኣባላት እቲ ንፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚምልከት ዓለምለኻዊ ስርዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።
^ ሕ.ጽ. 7 ኣስፋሒ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ንዜስፍሕ ወይ ንዚሰብኽ ሰብ የመልክት። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ቝጽሪ እዚ ብኸመይ ከም ዚውሰን ዚገልጽ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ “ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
^ ሕ.ጽ. 10 ብምጥማቕ ናይ የሆዋ ምስክር ምእንቲ ኽትከውን እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም ዘሎካ ዚገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
^ ሕ.ጽ. 11 ፈላሚ ዚብሃል ኣብ ወወርሒ እተወሰነ ሰዓታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኽ፡ ኣብነት ዚኸውን እተጠመቐ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ።
^ ሕ.ጽ. 14 ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
^ ሕ.ጽ. 15 ዓመት ኣገልግሎት 2019፡ ካብ 1 መስከረም 2018 ክሳዕ 31 ነሓሰ 2019 ይዝርጋሕ።