ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጠቕላላ ድምር 2020

ጠቕላላ ድምር 2020
  • ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፦ 87

  • ጸብጻብ ዝሃባ ሃገራት፦ 240

  • ድምር ጉባኤታት፦ 120,387

  • ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ፦ 17,844,773

  • ኣብ መላእ ዓለም ካብ ቅጫን ወይንን በዓል ዝኽሪ ዝወሰዱ፦ 21,182

  • ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ *፦ 8,695,808

  • ወርሓዊ ገምጋም ቍጽሪ ኣስፋሕቲ፦ 8,424,185

  • ኣብ ልዕሊ 2019 እተራእየ ሚእታዊ ወሰኽ፦ -0.6

  • ጠቕላላ ቝጽሪ ተጠመቕቲ *፦ 241,994

  • ወርሓዊ ገምጋም ፈለምቲ * ኣስፋሕቲ፦ 1,299,619

  • ወርሓዊ ገምጋም ሓገዝቲ ፈለምቲ ኣስፋሕቲ፦ 338,568

  • ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝወዓለ ጠቕላላ ሰዓታት፦ 1,669,901,531

  • ወርሓዊ ገምጋም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ *፦ 7,705,765

ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2020፡ * ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ፍሉያት ፈለምትን ሚስዮናውያንን ሓለውቲ ወረዳን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚገብርዎ ዕዮ ንምድጋፍ፡ ዳርጋ 231 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺኦም። ኣብ መላእ ዓለም፡ ብድምር 20,994 ዝዀኑ እተመዘዙ ኣገልገልቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ይዓይዩ። ኵሎም ድማ ኣባላት እቲ ንፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚምልከት ዓለምለኻዊ ስርዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣስፋሒ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ንዜስፍሕ ወይ ንዚሰብኽ ሰብ የመልክት። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ቝጽሪ እዚ ብኸመይ ከም ዚውሰን ዚገልጽ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ “ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብምጥማቕ ናይ የሆዋ ምስክር ምእንቲ ኽትከውን እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም ዘሎካ ዚገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ፈላሚ ዚብሃል ኣብ ወወርሒ እተወሰነ ሰዓታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኽ፡ ኣብነት ዚኸውን እተጠመቐ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ዓመት ኣገልግሎት 2020፡ ካብ 1 መስከረም 2019 ክሳዕ 31 ነሓሰ 2020 ይዝርጋሕ።