ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 1

“ፍቕሪ ንኣምላኽ”

“ፍቕሪ ንኣምላኽ”

“ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።” —1 ዮሃንስ 5:3

1, 2. ንየሆዋ ኣምላኽ ንኸተፍቅሮ ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

ንኣምላኽ ተፍቅሮ ዲኻ፧ ርእስኻ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝወፈኻ እንተ ዄንካ: መልስኻ ብዘይ ውልውል ‘እወ’ ዚብል ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ፣ እዚ እውን ግቡእ እዩ። ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ባህርያዊ ነገር እዩ። ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ: ነታ ንሱ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ እነርእያ ምላሽ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ: “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና” ኢሉ ኣሎ።—1 ዮሃንስ 4:19

2 የሆዋ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ንኺገልጸልና ተበግሶ ወሲዱ እዩ። መንበሪ እትዀነና ጽብቕቲ ምድሪ ሂቡና። ብስጋዊ መዳይ ዜድልየና ነገራት ይሓልየልና። (ማቴዎስ 5:43-48) ካብዚ ንላዕሊ ኸኣ: ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ነገራት የማልኣልና። ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና። ብተወሳኺ እውን ከም ዚሰምዓና መረጋገጺ ብምሃብ ናብኡ ኽንጽሊ ዓዲሙና: ንኺሕግዘና ኢሉ ኸኣ መንፈስ ቅዱሱ ይህበና። (መዝሙር 65:2፣ ሉቃስ 11:13) ልዕሊ ዅሉ ድማ: ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኽንድሕን ነቲ ኣዝዩ ዚፈትዎ ወዱ ኺብጀወና ኢሉ ለኣኸልና። የሆዋ ኸመይ ዝበለት ዓባይ ፍቕሪ ዀን እዩ ኣርእዩና!—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8

3. (ሀ) ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ኣገዳሲት ሕቶ ኢና ኽንሓስበላ ዘሎና፧ መልሳኸ ኣበይ ይርከብ፧

3 የሆዋ ኻብ ፍቕሩ ንዘለኣለም ክንጥቀም እዩ ዚደልየና። ክንጥቀም ወይ ከይንጥቀም ግን ኣባና እዩ ዚምርኰስ። ቃል ኣምላኽ: “ነቲ ናብ ሕይወት ዘለዓለም ዜብጽሕ . . . እናተጸቤኹም ከኣ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ኢሉ ይምዕደና። (ይሁዳ 21 ትርጕም 1990) እታ “ሓልውዋ” እትብል ቃል: ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ ሓሳብ ስለ እትህብ: ንሕና ኽንገብሮ ዘሎና ተግባር እያ እተጕልሕ። ነታ ፍቕሩ ብጭቡጥ መገዲ ምላሽ ክንህበላ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር: ‘ከመይ ገይረ እየ ንኣምላኽ ዘላትኒ ፍቕሪ ዘርኢ፧’ እትብል ሕቶ ኽንሓስበላ ዚግባእ ኣገዳሲት ሕቶ እያ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ: ኣብተን ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈን: “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ዚብላ ቓላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 5:3) ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ ኸነርኢ ስለ እንደሊ: ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ተጠንቂቕና ኽንምርምር ይግብኣና።

“ፍቕሪ ንኣምላኽ”

4, 5. ፍቕሪ ንየሆዋ ኣብ ልብኻ ብኸመይ ኪዓቢ ኸም ዝጀመረ ግለጽ።

4 “ፍቕሪ ንኣምላኽ”—ሃዋርያ ዮሃንስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪጽሕፍ ከሎ እንታይ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ፧ ነታ ንኣምላኽ ብውልቂ ዘላትና ዓማቝ ስምዒት እዩ ዜመልክት ነይሩ። ፍቕሪ ንየሆዋ ኣብ ልብኻ መዓስ ክትዓቢ ኸም ዝጀመረት ትዝክሮዶ፧

ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኺእዘዞ ኸም ዝጀመረ ዚሕብር መጀመርታ ዚወስዶ ስጕምቲ፡ ወፈያን ጥምቀትን እዩ

5 ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ንፈለማ ግዜ እታ ሓቂ ምስ ፈለጥካን ኣብኡ ኽትኣምን ምስ ጀመርካን ዝነበረ እዋን እሞ ሓንሳእ ምልስ ኢልካ ሕሰቦ። ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕካ ሓጥእ ኴንካ እኳ እንተ ተወለድካ: የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ፍጽምና ንኽትረክብን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽትወርስን ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፈተልካ ተገንዚብካ። (ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 5:12, 18) የሆዋ ነቲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ ወዱ ንኺሞተልካ ኢሉ ብምልኣኽ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኽትርዳእ ጀሚርካ። ልብኻ ተተንኪፉ: ነቲ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ዓባይ ፍቕሪ ዘርኣየካ ኣምላኽ ከኣ ከተፍቅሮ ጀሚርካ።—1 ዮሃንስ 4:9, 10

6. ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብኸመይ ትግለጽ፧ ፍቕሪ ንኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ እትድርኸካ፧

6 እቲ ስምዒት እቲ ግን መጀመርታ እታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ጥራይ እዩ። ፍቕሪ: ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን፣ ብቓላት ጥራይ እትግለጽ እውን ኣይኰነትን። ንኣምላኽ ዘላትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ: “ንየሆዋ አፍቅሮ እየ” ኻብ ምባል ንላዕሊ ተጠቓልል። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ልክዕ ከም እምነት: በቲ እተፍርዮ ግብርታት እያ እትግለጽን እትልለን። (ያእቆብ 2:26) ፍቕሪ ብፍላይ በቲ ነቲ እተፈቕረ ዚግበረሉ ዜሐጕሶ ግብርታት እያ እትግለጽ። ስለዚ: ፍቕሪ ንየሆዋ ኣብ ልብኻ ሱር ምስ ሰደደት: ንሰማያዊ ኣቦኻ ብዜሐጕስ መገዲ ኽትነብር ተደሪኽካ ኢኻ። ጥሙቕ ናይ የሆዋ ምስክር ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: እዚ ዓሚቝ ፍቕርን ተወፋይነትን ኣብ ህይወትካ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ውሳነ ንኽትገብር ደሪኹካ እዩ። ፍቓድ የሆዋ ንኽትገብር ርእስኻ ንዕኡ ወፊኻ: ወፈያኻ ድማ ብጥምቀት ኣርኢኻ። (ሮሜ 14:7, 8) ነዚ ንየሆዋ ዝኣተኻሉ ልባዊ መብጽዓ እዚ ምፍጻም: ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ቀጺሉ ዝጠቐሶ ነገር የጠቓልል።

“ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ”

7. ገለ ኻብ ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ ንዕኡ ምሕላውከ እንታይ የጠቓልል፧

7 ዮሃንስ: ፍቕሪ ንኣምላኽ እንታይ ማለት ምዃና ኺገልጽ ከሎ: “ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” በለ። ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ የሆዋ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ሓያሎ ንጹር ትእዛዛት ሂቡና ኣሎ። ንኣብነት: ካብ ከም ስኽራን: ምንዝር: ኣምልኾ ጣኦት: ስርቂ: ሓሶት ዝኣመሰለ ተግባራት ከልኪሉና እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11፣ 6:18፣ 10:14፣ ኤፌሶን 4:28፣ ቈሎሴ 3:9) ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ኪበሃል ከሎ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንጹር ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ተሰማሚዕካ ምምልላስ የጠቓልል።

8, 9. ኣብቲ ቐጥታዊ ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብሉ ዅነታት እውን እንተ ዀነ: ንየሆዋ ዜሐጕሶ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

8 ይኹን እምበር: ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንተ ዄንና: ነቲ ቐጥታዊ ትእዛዛት ካብ ምሕላው ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። የሆዋ ንዅሉ መዳይ መዓልታዊ ህይወትና ብዚቈጻጸር ሕግታት ኣይሓጸረናን። ስለዚ: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና: ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊኻ ዘይተዋህበሉ ሓያሎ ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ንየሆዋ ዜሐጕሶ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ብንጹር ዚሕብር ነጥብታት ሒዙ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና: የሆዋ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ንመሃር። (መዝሙር 97:10፣ ምሳሌ 6:16-19) ነቲ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ከነስተውዕል ንጅምር። ብዛዕባ ባህርያትን መገድታትን የሆዋ ዝያዳ ብእተመሃርና መጠን: ኣተሓሳስባኡ ንውሳነታትና ኪቐርጾ: ንተግባራትና ኸኣ ኪጸልዎ ዝያዳ ነፍቅደሉ። በዚ ኸምዚ: ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ሕጊ ዘይህበሉ መዳያት እውን እንተ ዀነ: “ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ” ኸነስተውዕል ንኽእል።—ኤፌሶን 5:17

9 ንኣብነት: ዓመጻ ወይ ጾታዊ ርኽሰት ዜርኢ ፊልምታት ወይ መደባት ተለቪዥን ክንርኢ ኸም ዘይብልና ዚገልጽ ቀጥታዊ ትእዛዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን። ኰይኑ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከይንርኢ ፈልዩ ዚኽልክል ሕጊ ብሓቂ የድልየና ድዩ፧ የሆዋ ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ከም ዚርእዮ ንፈልጥ ኢና። ቃሉ ብንጹር: “ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ይብለና። (መዝሙር 11:5) “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ” እውን ይብል። (እብራውያን 13:4) ብዛዕባ እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ብምስትንታን: ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ ነቲ ኣምላኽና ዚጸልኦ ዓይነት ተግባራት ዜቕርብ መዘናግዒ ኣይንርእን። ካብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይጐድእ መዘናግዒ ገይራ ኸተቕርቦ እትፍትን ስነ-ምግባራዊ ጽያፍ ክንርሕቕ ከለና ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ንፈልጥ ኢና። *

10, 11. ንየሆዋ እዙዛት ክንከውን እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ እንታይ ዓይነት ተኣዛዝነትከ ኢና እንህቦ፧

10 ትእዛዛት ኣምላኽ እንሕልወሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንነብር እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ ካብ መቕጻዕቲ ንኸነምልጥ ኢልና ወይ ካብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ ንዚብሉ ሰባት ዜጋጥሞም ጐዳኢ ሳዕቤናት ንኽንስተር ኢልና ጥራይ ኣይኰንናን ከምኡ እንገብር። (ገላትያ 6:7) ኣብ ክንዳኡስ: ንየሆዋ ዘሎና ተኣዛዝነት: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ ብሉጽ ኣጋጣሚ ጌርና ኢና እንርእዮ። ከምቲ ሓደ ውሉድ ካብ ኣቦኡ ሞገስ ኪረክብ ዚህንጠ: ንሕና እውን ጸጋ ወይ ሞገስ የሆዋ ኽንረክብ ንደሊ ኢና። (መዝሙር 5:12) ንሱ ኣቦና እዩ: ንሕና እውን ነፍቅሮ ኢና። ‘ካብ የሆዋ ሞገስ ክንቅበል’ ብእንኽእለሉ ኣነባብራ ንነብር ከም ዘሎና ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ሓጐስ ወይ ዕግበት ዚህበና ኻልእ ነገር የልቦን።—ምሳሌ 12:2

11 ስለዚ: ተኣዛዝነትና ኸይፈተኻ ዚግበር ኣይኰነን፣ መሪጽካ ዚግበር ወይ ኣብ ኵነት እተመርኰሰ እውን ኣይኰነን። * ዚጥዕመና ወይ ዘየጸግመና ዅነታት ጥራይ ሓሪና ኣይኰንናን እንእዘዝ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ‘ካብ ልቢ ኢና እንእዘዝ።’ (ሮሜ 6:17) ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ጸሓፍ መዝሙር: “በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ” ኢሉ ብምጽሓፍ ዝገለጾ ስምዒት እዩ ዘሎና። (መዝሙር 119:47) እወ: ንየሆዋ ኽንእዘዞ ንፈቱ ኢና። ምሉእ ዘይጕዱል ከምኡውን ኣብ ኵነት ዘይተመርኰሰ ተኣዛዝነት ከም ዚግብኦን ከም ዚደልን ንፈልጥ ኢና። (ዘዳግም 12:32) የሆዋ ብዛዕባና ኸምቲ ቓሉ ብዛዕባ ኖህ ዝበሎ ኺብል ኢና እንደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንሓያሎ ዓመታት እዙዝ ብምዃን ፍቕሪ ንኣምላኽ ዘርኣየ እሙን ኣበው: “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” ይብል።—ዘፍጥረት 6:22

12. ተኣዛዝነትና ንየሆዋ ሓጐስ ዜምጽኣሉ መዓስ እዩ፧

12 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ብፍታው እንገብሮ ተኣዛዝነት ከመይ ይስምዖ፧ ከምኡ ምግባር: ‘ንልቡ ኸም ዜሐጕሶ’ ቓሉ ይነግረና። (ምሳሌ 27:11) ተኣዛዝነትና ብሓቂዶ ንልቢ እቲ ልዑላዊ ጐይታ የሐጕሶ እዩ፧ እወ: ብርግጽ የሐጕሶ እዩ: ነዚ ድማ እኹል ምኽንያት ኣለዎ። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ እዩ ፈጢሩና፣ ንኣምላኽ ንኽንእዘዞ ወይ ንኸይንእዘዞ ኽንመርጽ ንኽእል ኢና። (ዘዳግም 30:15, 16, 19, 20) ብፍታው ንየሆዋ ንኽንእዘዞ ኽንመርጽ ከለና: ነዚ ንኽንገብር እትድርኸና ኸኣ እታ ንኣምላኽ ብዘላትና ፍቕሪ ዝመልአት ልብና እንተ ዀይና: ንሰማያዊ ኣቦና ብዙሕ ሓጐስን ደስታን ነምጽኣሉ። (ምሳሌ 11:20) በዚ ኸምዚ ድማ ብሉጽ መገዲ ህይወት ንመርጽ።

“ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ”

13, 14. ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ኣይከቢድን እዩ’ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ ኸመይ ጌርና ብምሳሌ ነብርሆ፧

13 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚሓቶ ብቕዓታት: “ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ብምባል ዜበራትዕ ነገር ነጊሩና ኣሎ። እታ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 “ከቢድ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣቓልቦ እትስሕብ እያ። * ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ: “ትእዛዛቱ ኸኣ ከቢድ ኣይኮነን” ይንበብ። (ትርጕም 1990) የሆዋ ዚሓቶ ብቕዓታት ዘይርትዓዊ ወይ ጨቋኒ ኣይኰነን። ሕግታቱ ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ኪእዘዝዎ ዘይክእሉ ኣይኰነን።

14 ነዚ ነገር እዚ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ኸነብርሆ ንኽእል ኢና። ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ መንበሪ ንኪቕይር ክትሕግዞ ይሓተካ። ናብቲ ሓድሽ መንበሪኡ ኺወስዶ ዘዳለዎ ሓያሎ ኣቕሑ ዝመልአ ካርቶናት ተዳልዩ ኣሎ። ገሊኡ ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ኺስከሞ ዚኽእል ፈኲስ እዩ: ገሊኡ ግን ከቢድ ስለ ዝዀነ ንምስካሙ ኽልተ ሰብ የድልዩ። እቲ ዓርክኻ ኣየኖት ካርቶናት ክትጽዕነሉ ኸም ዚደልየካ ይሕብረካ። ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀና ካርቶናት ክትስከም ምሓተተካዶ፧ ኣይምሓተተካን። በይንኻ እንተ ኣልዒልካዮ ዚጐድኣካ ካርቶናት ክትስከም ኣይደልየካን እዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ፈቃርን ለዋህን ኣምላኽ ክንፍጽሞ ኣመና ዜጸግም ትእዛዛት ክንሕሉ ኣይሓተናን እዩ። (ዘዳግም 30:11-14) ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ጾር ክንስከም ከቶ ኣይሓተናን እዩ። የሆዋ: “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ተባሂሉ ስለ ዘሎ: ዓቕምና ይፈልጥ እዩ።—መዝሙር 103:14

15. ትእዛዛት ኣምላኽ ንጥቕምና ምዃኑ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

15 ትእዛዛት የሆዋ ብርግጽ ከቢድ ኣይኰነን: የግዳስ ንጥቕምና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ስለዚ ድማ እዩ ሙሴ ንጥንታውያን እስራኤላውያን: “ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪዀነልና ኸምዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኸኣ: ብህይወት ኬንብረና: እግዚኣብሄር ነዚ ዅሉ ትእዛዛት ክንገብሮ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ አዘዘና” ኺብሎም ዝኸኣለ። (ዘዳግም 6:24) ንዓና እውን ሕጉ ኺህበና ኸሎ: ንነባርን ዘለኣለማውን ጥቕምና ኢሉ ምዃኑ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንጕድኣትና ኢሉ ይእዝዘና ኸይህሉ ዚብልዎ ጥርጣረ ኽንሓስቦ እውን የብልናን። የሆዋ መወዳእታ ዘይብሉ ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። (ሮሜ 11:33) ስለዚ: ንዓና ዚሕሸና ይፈልጥ እዩ። የሆዋ ቐንዲ ኣብነት ፍቕሪ እውን እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) እታ መግለጺ እንታይነቱ ዝዀነት ፍቕሪ: ንዅሉ እቲ ዚብሎን ዚገብሮን ትጸሉ እያ። ንዅሉ እቲ ንኣገልገልቱ ዚህቦም ትእዛዛት ከኣ መሰረት እትኸውን እያ።

16. ጽልዋ እዛ ብልሽውቲ ዓለምን ዝንባለ እቲ ዘይፍጹም ስጋናን እናሃለወ ኽነሱ: እዙዛት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ምስ ጽልዋታት እዛ ‘በቲ እኩይ ተታሒዛ ዘላ’ ብልሽውቲ ዓለም ክንቃለስ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 5:19) ምስቲ ሕግታት ኣምላኽ ናይ ምጥሓስ ዝንባለ ዘለዎ ዘይፍጹም ስጋና እውን ክንቃለስ ኣሎና። (ሮሜ 7:21-25) ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዕወት ትኽእል እያ። የሆዋ ነቶም ብተኣዛዝነቶም ንዕኡ ዘላቶም ፍቕሪ ኼርእዩ ዚደልዩ ይባርኾም እዩ። ‘ነቶም ዚእዘዝዎ መንፈስ ቅዱሱ ይህቦም’ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:32) እቲ መንፈስ እቲ ኸኣ ኣባና ብሉጽ ፍረ የፍሪ፣ እዚ ፍረ እዚ ድማ እዙዛት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብሉጽ ባህርያት እዩ።—ገላትያ 5:22, 23

17, 18. (ሀ) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ነዚ ኽንገብር ከለናኸ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ እዩ ኺግለጽ፧

17 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ መሰረታዊ ስርዓታትን ስነ-ምግባራዊ መለክዒታትን የሆዋ: ከምኡውን ፍቓዱ ዚሕብረና ብዙሕ ካልእ ነጥብታት ክንምርምር ኢና። ነዚ ኽንገብር ከለና: እተወሰነ ኣገዳሲ ነገራት ክንዝክር ኣሎና። የሆዋ: ሕግታቱን ስርዓታቱን ክንሕሉ ኸም ዘየገድደና: የግዳስ ካብ ልብና ብፍታው ክንእዘዞ ኸም ዚደሊ ንዘክር። ሕጂ ብዙሕ በረኸት: ኣብ መጻኢ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረኽበሉ ብእንኽእል መገዲ ኽንነብር ይሓተና ኸም ዘሎ ኣይንረስዕ። እቲ ብምሉእ ልብና እንገብሮ ተኣዛዝነት እውን ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ እንገልጸሉ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርና ንርኣዮ።

18 ቅኑዕን ጌጋን ክንፈሊ ምእንቲ ኽንክእል: የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ሕልና ሂቡና ኣሎ። ኰይኑ ግን: ሕልናና ዜተኣማምን መራሒ ምእንቲ ኪኸውን: ከምቲ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ዚግለጽ: ኪስልጥን ኣለዎ

^ ሕ.ጽ. 9 ጥዑይ መዘናግዒ ኸመይ ጌርካ ኸም እትመርጽ ብዚምልከት: ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 እኩያት መናፍስቲ እውን ከይተረፉ ኸይፈተዉ ኺእዘዙ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ንኣጋንንቲ ኻብቶም ዝሓደርዎም ሰባት ኪወጹ ኺእዝዞም ከሎ: እቶም ኣጋንንቲ ኸይፈተዉ ንስልጣኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ኪእዘዙ ይግደዱ ነበሩ።—ማርቆስ 1:27፣ 5:7-13

^ ሕ.ጽ. 13 እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ማቴዎስ 23:4 ነቲ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነቲ ተራ ህዝቢ ዘሰከምዎ “ኸቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር” ተባሂሉ ዘሎ ዝርዝር ሕግታትን ሰብ ዘቘሞ ስርዓታትን ንምምልካት ኣገልጊላ ኣላ። እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30 ዘላ “እኩያት” እትብል ቃል እውን ካብዛ ናይ ግሪኽ ቃል እዚኣ ስለ እተተርጐመት: ነቶም “ቄናን ነገር” ዚምህሩን ኬስሕቱ ዚፍትኑን ንምጻሮም ዜጸግሙ ኸሓድቲ ተመልክት።