ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

ንእተወገደ ሰብ ብኸመይ ንሕዞ፧

ንእተወገደ ሰብ ብኸመይ ንሕዞ፧

ዘመድና ወይ ናይ ቀረባ ዓርክና ሓጢኣት ፈጺሙ ብዘይምንሳሑ: ካብ ጉባኤ ኺውገድ ከሎ ምርኣይ ኣመና ዜጕሂ እዩ። ነቲ ኣብዚ ጕዳይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና መምርሒ እንቕበለሉ ኣገባብ: ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕርን ንስርዓቱ ዘሎና ተኣማንነትን ኪገልጽ ይኽእል እዩ። * ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዚለዓል ገለ ሕቶታት እስከ ንርአ።

ንእተወገደ ሰብ ብኸመይ ክንሕዞ ይግባእ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ: ወይስ ስሱዕ: ወይስ መምለኽ ጣኦት: ወይስ ተጻራፊ: ወይስ ሰካር: ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ: ምስኡ ኸይትጽምበሩ: ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ።” (1 ቈረንቶስ 5:11) ብዛዕባ እቲ “ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕ” ሰብ: “ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ: ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ” ዚብል ነንብብ። (2 ዮሃንስ 9-11) ምስ እተወገዱ ሰባት መንፈሳዊ ወይ ማሕበራዊ ሕብረት የብልናን። ናይ 15 መስከረም 1981 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 25 ከምዚ በለት:- “‘ሰላም’ ምባል ጥራይ ናብ ዕላል: ምናልባት እውን ናብ ዕርክነት ዚመርሕ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ሓደ እተወገደ ሰብ ኣብ ዘሎካ ርክብከ ነዛ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኽትወስዳ ትደሊዶ፧”

ርክብና ምሉእ ብምሉእ ክንበትኽ ብሓቂዶ ኣድላዪ እዩ፧ እወ: ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኣድላዪ እዩ። ቀዳማይ: ንኣምላኽን ንቓሉን ተኣማንነትና እነርእየሉ እዩ። ንየሆዋ እንእዘዞ ኣብ ዚምሽኣና እዋን ጥራይ ዘይኰነስ: በዳሂ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እውን ንእዘዞ ኢና። ኣምላኽ ፍትሓውን ፈቃርን ምዃኑ: ሕግታቱ ኸኣ ዘይሩ ዘይሩ ንጥቕምና ምዃኑ ስለ እንኣምነሉ: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ንዅሉ ትእዛዛቱ ንኽንሕሉ ትድርኸና። (ኢሳይያስ 48:17፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ካልኣይ: ካብ ሓደ ዘይተነስሐ ኣባሲ ምርሓቕ ንዓናን ንጉባኤናን ካብ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ብከላ የድሕን: ጽቡቕ ስም እታ ጉባኤ ድማ ይዕቀብ። (1 ቈረንቶስ 5:6, 7) ሳልሳይ: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ጽኑዕ መትከል ነቲ እተወገደ እውን ኪጠቕሞ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ኮሚተ ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ብምድጋፍና: ነቲ ሽማግለታት ንምሕጋዙ ዝገበርዎ ጻዕርታት ዘይሰምዐ ኣባሲ ልቡ ኽንትንክፎ ንኽእል ንኸውን። ምስ ዜፍቅሮም ሰባት ዝነበሮ ሕብረት ምስኣኑ: ‘ናብ ልቡ ንኺምለስ:’ ክብደት ጌጋኡ ንኺግንዘብ: ከምኡውን ናብ የሆዋ ምእንቲ ኺምለስ ስጕምቲ ንኺወስድ ይድግፎ ይኸውን።—ሉቃስ 15:17

ዘመድና እንተ ተወጊዱኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ጥብቂ ርክብ: ንተኣማንነት ብሓቂ ፈታኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንእተወገደ ዘመድና ብኸመይ ኢና ኽንሕዞ ዚግባእ፧ ኣብዚ ንዅሉ እቲ ኺለዓል ዚኽእል ኵነታት ክንሽፍኖ ኣይንኽእልን ኢና: ኣብ ክልተ መሰረታዊ ነገራት ግን ነተኵር።

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: እቲ እተወገደ ኣባል ስድራ ቤት: ክፍሊ እታ ስድራ ዀይኑ ኣብ ሓደ ቤት ይነብር ይኸውን። ምውጋዱ ነቲ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዘሎ ርክብ ስለ ዘይበትኮ: ንቡር መዓልታዊ ንጥፈታትን ርክባትን ስድራ ቤት ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ውልቀ-ሰብ ብተግባሩ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቶም ኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤቱን ዝነበረ መንፈሳዊ ማእሰር ኪበትኮ ወሲኑ እዩ። ስለዚ: እቶም እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ምስኡ መንፈሳዊ ሕብረት ኪህልዎም ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት: እታ ስድራ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ክትተኣኻኸብ ከላ እቲ እተወገደ ኣብኡ እንተ ኣልዩ: ኣብቲ መጽናዕቲ ኽሳተፍ ኣይግባእን። ይኹን እምበር: እቲ እተወገደ ዘይባጽሐ ውሉድ እንተ ዀይኑ: እቶም ወለዲ ንኺምህርዎን ንኺግስጽዎን ሓላፍነት ኣለዎም። ስለዚ: ፈቃራት ወለዲ ነቲ ውሉድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሉ ይኽእሉ እዮም። *ምሳሌ 6:20-22፣ 29:17

ኣብ ካልእ መዳያት: እቲ እተወገደ ኣባል ቤተሰብ ካብ ቤት ወጻኢ ይነብር ይኸውን። ሳሕቲ ኣብ እተወሰነ ኣጋጣሚታት ንኣገዳሲ ጕዳያት ስድራ ቤት ብዚምልከት ውሱን ርክብ ኪህሉ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ኪበዝሕ የብሉን። እሙናት ክርስትያናት ዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤት ምስቲ ኣብ ቤቶም ዘይነብር እተወገደ ዘመዶም ንኺራኸቡ ኢሎም መመኽነይታታት ኬናድዩ የብሎምን። ኣብ ክንዳኡስ: ንየሆዋን ንውድቡን ዘለዎም ተኣማንነት ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ውገዳ ንኺድግፉ ኺድርኾም ይግባእ። ተኣማንነቶም ነቲ ኣባሲ ይጠቕሞ እዩ: ካብቲ ዚወሃቦ ተግሳጽ ንኺጥቀም እውን ይሕግዞ ይኸውን። *እብራውያን 12:11

^ ሕ.ጽ. 1 ነዚ ጕዳይ እዚ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ: ነቶም ርእሶም ካብ ጉባኤ ዘግለሉ ሰባት እውን ብማዕረ ይዓዪ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 2 ብዛዕባ ገና ኻብ ቤት ዘይወጹ እተወገዱ ዘይባጽሑ ውሉዳት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ጥቅምቲ 2001 ኣብ ገጽ 16-17 ከምኡውን ናይ 15 ሕዳር 1988 (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 20 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 3 ብዛዕባ እቲ ንእተወገዱ ኣዝማድ ኪህሉ ዚግባእ ኣተሓሕዛ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 ሚያዝያ 1988 (እንግሊዝኛ) ገጽ 26-31፣ ናይ 15 መስከረም 1981 (እንግሊዝኛ) ገጽ 26-31፣ ኣብ ናይ ነሓሰ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 3-4 ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ርአ።