ማቴዎስ 12:1-50

12  በቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ብሰንበት፡ ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ስለ ዝጠመዩ፡ ሰዊት ቀንጢቦም ኪበልዑ ጀመሩ።  ፈሪሳውያን ነዚ ርእዮም፡ “እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።  ንሱ ኸምዚ በሎም፦ “ዳዊት፡ ንሱን ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ እንታይ ከም ዝገበረዶ ኣየንበብኩምን፧  ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ነቲ ኻህናት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ንሱ ዀነ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኺበልዕዎ ዘይተፈቕደሎም እንጌራ መባእ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን፧  ወይስ ብሰናብቲ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚዓዩ ኻህናት ንሰንበት ከም ዚስዕርዋን በደል ከም ዘይኰኖምንሲ፡ ኣብ ሕጊዶ ኣየንበብኩምን፧  ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ፡ እብለኩም ኣለኹ።  ግናኸ፡ ‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ምሕረት እየ ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ነዞም ዘይበደሉ ኣይምዀነንኩምዎምን ኔርኩም።  ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ።”  ካብኡ ምስ ሓለፈ፡ ናብ ምኵራቦም ከደ። 10  እንሆ ድማ፡ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስስዎ ኸኣ፡ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ተፈቒዱ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 11  ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፡ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወዲቓ፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን ሰብ ኣሎዶ፧ 12  ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ኣዝዩ ኣይበልጽን! እምበኣር፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ተፈቒዱ እዩ።” 13  ሽዑ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ኢዱ ዘርግሐ፣ ጥዕያ እውን ከምታ ኻልአይታ ዀነት። 14  እቶም ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ። 15  የሱስ ነዚ ፈሊጡ፡ ካብኡ ኣልገሰ። ብዙሓት ከኣ ሰዓብዎ፣ ንዅላቶም እውን ኣሕወዮም። 16  ከየግህድዎ ግና ብጽኑዕ ኣዘዞም። 17  እዚ ኸኣ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዚስዕብ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ፦ 18  “እንሆ፡ ዝሓረኽዎ ኣገልጋልየይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፍቑረይ! መንፈሰይ ኣብኡ ኸሕድር እየ፣ ንሱ ድማ ንኣህዛብ ፍትሒ ኼነጽረሎም እዩ። 19  ኣይኪከራኸርን፡ ኣይኪጭድርን፡ ኣብ ጐደናታት እውን ብዋላ ሓደ ድምጹ ኣይኪስማዕን እዩ። 20  ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ። 21  ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።” 22  ድሕርዚ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉርን ዓባስን ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮ፣ እቲ ዓባስ ከኣ ተዛረበን ረኣየን። 23  ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኣስተንከሩ፣ “እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን ይኸውን፧” ከኣ በሉ። 24  እቶም ፈሪሳውያን ግና ነዚ ምስ ሰምዑ፡ “እዚ፡ ብዘይካ ብብኤል-ዜቡል እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ንኣጋንንቲ ኣየውጽኦምን እዩ” በሉ። 25  ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፡ ከምዚ በሎም፦ “ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ መንግስቲ ትጠፍእ፣ ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ ኸተማ ወይ ቤት እውን ኣይትቐውምን። 26  ከምኡ ድማ፡ ሰይጣን ንሰይጣን ዜውጽኦ እንተ ዀይኑ፡ ንሓድሕዱ ተኸፋፊሉ ማለት እዩ፣ መንግስቱ ደኣ እሞ ኸመይ ኢላ ኽትቀውም፧ 27  ብተወሳኺ፡ ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም እንተ ዀይነ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን እዮም ዜውጽእዎም፧ ስለዚ ኸኣ እዮም ንሳቶም ፈራዶኹም ዚዀኑ። 28  ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም እንተ ዀይነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ መጸትኩም። 29  ወይስ ንሓደ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት እቲ ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ድሕሪኡ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 30  እቲ ምሳይ ዘይኰነ ይጻረረኒ፣ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ። 31  “ስለዚ እብለኩም ኣለኹ፦ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ንሰብ ኪሕደገሉ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ዚዝረብ ጸርፊ ግና ኣይኪሕደግን እዩ። 32  ንኣብነት፡ ኣንጻር ወዲ ሰብ ገለ ቓል ዚዛረብ ዘበለ ኺሕደገሉ እዩ፣ ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ዚዛረብ ዘበለ ግና፡ ኣብዚ ስርዓት ዓለም ኰነ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ኰነ፡ ኣይኪሕደገሉን እዩ። 33  “ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ወይ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ ይኸውን፣ ወይ ነቲ ኦም ሕማቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን። 34  ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡* ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ እኩያት ክነስኹም፡ ከመይ ኢልኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ 35  ሕያዋይ ሰብ ካብ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ጽቡቕ የውጽእ፣ እኩይ ሰብ ግና፡ ካብ እኩይ መዝገቡ፡ እከይ የውጽእ። 36  ሰባት ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዚዛረብዎ ዘይጠቅም ዘረባ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ፣ 37  ከመይሲ፡ ብቓልካ ኢኻ እትጸድቕ፡* ብቓልካ ኢኻ እውን እትዅነን። 38  ሽዑ፡ ገለ ኻብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ “መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ንደሊ ኣለና” ኢሎም መለሱሉ። 39  ንሱ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እኩይን ዘማውን* ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፣ ብዘይካ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ግና፡ ትእምርቲ ኣይውሃቦን እዩ። 40  ከምቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ዝገበረ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። 41  ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ። 42  ንግስቲ ደቡብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ኢላ ኻብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነይራ እያ እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ። 43  “ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ መዕረፊ ደልዩ ብኣጻምእ ይሓልፍ፡ ኣይረክብን ከኣ። 44  ሽዑ፡ ‘ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል፣ ናብኣ ምስ በጽሐ ድማ፡ ጥራያን ተዀስቲራን ተሰሊማን ይረኽባ። 45  ድሕሪኡ፡ ከይዱ ኻብኡ ዝኸፍኡ ሸውዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ይማላእ እሞ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይነብሩ፣ ነቲ ሰብ እቲ ኸኣ፡ ካብ መጀመርታኡ፡ መወዳእታኡ ይገድዶ። ነዚ እኩይ ወለዶ እዚ እውን ከምኡ ኪዀኖ እዩ።” 46  ገና ነቶም ህዝቢ ኺዛረቦም ከሎ፡ እንሆ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ። 47  ሓደ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ። 48  ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሉ። 49  ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ። 50  ከመይሲ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 12:34 * መርዛም ዓይነት ተመን።
ማቴ 12:37 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ማቴ 12:39 * ወይ፡ “ዘይእሙን”