ማቴዎስ 16:1-28

16  ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ሓተትዎ።  ንሱ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “[ምስ መሰየ፡ ‘ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ’ ትብሉ፣  ምስ ወግሐ፡ ‘እቲ እተደባነወ ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ’ ትብሉ። ትርኢት ሰማይ ብኸመይ ከም እተለልዩ ትፈልጡ፣ ምልክት ግዜያት ግና ከተለልዩ ኣይትኽእሉን።]*  እኩይን ዘማውን* ወለዶ፡ ትእምርቲ ይደሊ፣ ብዘይካ ትእምርቲ ዮናስ ግና፡ ትእምርቲ ኣይኪውሃቦን እዩ።” ሓዲግዎም ከኣ ከደ።  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ስግር ሰገሩ፣ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ።  የሱስ ከኣ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” በሎም።  ንሳቶም ድማ፡ “እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ” እናበሉ ተዘራረቡ።  የሱስ ነዚ ፈሊጡ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እንጌራ ስለ ዘይብልኩም ትዘራረቡ ኣለኹም፧  እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ን5,000 ኣኺሉስ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይተስተውዕሉን ወይ ኣይትዝክሩን ኢኹም፧ 10  ወይስ እቲ ሸውዓተ እንጌራ ን4,000 ኣኺሉስ ክንደይ ዓብዪ መሶብ ኢኹም ዘልዓልኩም፧ 11  ብዛዕባ እንጌራ ኸም ዘይተዛረብኩኹም ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ግናኸ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተሓለዉ።” 12  ሽዑ፡ ካብ ማይ ብሑቝ እንጌራ ዘይኰነስ፡ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪሕለዉ ኸም ዝበሎም ኣስተውዓሉ። 13  የሱስ ናብ ዞባ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም። 14  ንሳቶም ከኣ፡ “ገሊኣቶም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ኤልያስ፡ ካልኦት ከኣ ኤርምያስ ወይ ሓደ ኻብ ነብያት ይብሉ” በልዎ። 15  ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” በሎም። 16  ስምኦን ጴጥሮስ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 17  የሱስ ከኣ መሊሱ ኸምዚ በሎ፦ “ስምኦን ወዲ ዮናስ፡ ነዝስ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ሕጉስ ኢኻ። 18  ኣነ ኸኣ እብለካ ኣለኹ፦ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፣ ንጉባኤይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፣ ኣፍ ደገታት መቓብር* እውን ኣይኪሕይልዋን እዮም። 19  መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፣ ኣብ ምድሪ እትኣስሮ ዘበለ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እትፈትሖ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” 20  ድሕርዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣዘዞም። 21  ካብ ሽዑ ንደሓር፡ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ኪቕተል፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ፡ ኪገልጸሎም ጀመረ። 22  ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። 23  ንሱ ግና ንጴጥሮስ ዝባኑ እናሃቦ፡ “ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንዓይ መዐንቀፊ ኢኻ” በሎ። 24  ድሕርዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ ጕንዲ ስቅያቱ ኣልዒሉ፡ ይስዓበኒ። 25  ከመይሲ፡ ንነፍሱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኪረኽባ እዩ። 26  ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ* እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ ኣብ ክንዲ ነፍሱ እንታይ ይህብ፧ 27  ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 28  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ገለ ኻብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ፡ ሞት ኣይኪጥዕሙን እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 16:3 * እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት ዚርከባ እኳ እንተ ዀና፡ ኣብ ሓያሎ ወግዓዊ ኢደ ጽሑፋት ግና ኣይርከባን እየን።
ማቴ 16:4 * ወይ፡ “ዘይእሙን።”
ማቴ 16:18 * ወይ፡ “ሲኦል።” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 8 ርአ።
ማቴ 16:25 * ወይ፡ “ንህይወቱ።”
ማቴ 16:26 * ወይ፡ “ህይወቱ።”