ማቴዎስ 2:1-23

2  ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ፡ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ፣  ከምዚ እናበሉ፦ “እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና፡ ክንሰግደሉ* መጺእና።”  ንጉስ ሄሮድስ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ተሸበረ፣ ኵላ የሩሳሌም እውን ምስኡ ተሸበረት።  ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ ድማ፡ ክርስቶስ ኣበይ ከም ዚውለድ ሓተቶም።  ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብነብዪ ኸምዚ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፦  ‘ኣቲ ቤት-ልሄም ናይ ምድሪ ይሁዳ፡ ካባኺ ንህዝበይ እስራኤል ዚጓሲ ሹም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ’” በልዎ።  ድሕሪኡ፡ ሄሮድስ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ብሕቡእ ጸዊዑ፡ ካባታቶም እቲ ኰዀብ እተራእየሉ ግዜ ኣርጊጹ ፈለጠ።  ናብ ቤት-ልሄም ኪሰድዶም ከሎ ድማ፡ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣጸቢቕኩም መርምሩ፣ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ እውን ከይደ ምእንቲ ኽሰግደሉ፡ ንገሩኒ” በሎም።  ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምስ ሰምዕዎ፡ ከዱ፣ እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ከለዉ ዝረኣይዎ ኰዀብ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። 10  ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ። 11  ናብ ቤት ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ እሞ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። መዛግብቶም ከፊቶም ድማ፡ ህያባት ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ሃብዎ። 12  ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተዋህቦም ግና፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። 13  ንሳቶም ምስ ተመልሱ፡ እንሆ፡ መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ “ሄሮድስ ነዚ ሕጻን ኬጥፍኦ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፣ ክሳዕ ዝነግረካ ድማ ኣብኡ ጽናሕ” በሎ። 14  ተንሲኡ ኸኣ ነቲ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ፣ 15  እቲ የሆዋ ብነብይኡ ኣቢሉ፡ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሐ። 16  ድሕሪኡ፡ ሄሮድስ በቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኸም እተታለለ ምስ ፈለጠ፡ ኣመና ነደረ፣ ብመሰረት እቲ ኻብቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኣርጊጹ ዝፈለጦ ግዜ፡ ኣብ ቤት-ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታን ንዝጸንሑ፡ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት ልኢኹ ኣቕተለ። 17  ሽዑ፡ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ ተባሂሉ ዝነበረ ኸምዚ ዚብል ትንቢት ተፈጸመ፦ 18  “ኣብ ራማ ድምጺ ብኽያትን ዋይዋይታን ተሰምዐ፣ ራሄል ንደቃ በኸየትሎም፣ ስለ እተወድኡ ድማ፡ ምጽንናዕ ኣበየት።” 19  ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እንሆ፡ መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ፡ ኣብ ግብጺ ብሕልሚ ተራእዮ፣ 20  “ነፍሲ* እዚ ሕጻን እዚ ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” ድማ በሎ። 21  ንሱ ኸኣ ተንስአ፡ ነቲ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዙ እውን፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣተወ። 22  ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ ምስ ሰምዐ ግና፡ ናብቲ ቦታ ምኻድ ፈርሀ። ብሕልሚ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ስለ እተዋህቦ እውን፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። 23  እቲ ብነብያት፡ “ናዝሬታዊ ኺብሃል እዩ” እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ፡ ናዝሬት ናብ እትብሃል ከተማ መጺኡ ተቐመጠ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 2:2 * ወይ፡ “ኢድ ክንነስኣሉ።”
ማቴ 2:20 * ወይ፡ “ህይወት።”