ቈሎሴ 2:1-23
2 ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ብኣካል ዘይረኣዩንን፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘሎኒ ኽትፈልጡ ኸኣ እደሊ ኣለኹ።
2 እዚ ድማ ልቦም ተጸናኒዑ ብፍቕሪ ኺሰምሩ እሞ፡ ካብ እተረጋገጸ ምስትውዓል ዚርከብ ኵሉ ሃብቲ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ልክዕ ፍልጠት እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ እውን ምእንቲ ኺረኽቡ ኢለ እየ።
3 ኣብኡ ኸኣ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ተሰዊሩ ኣሎ።
4 ሓደ እኳ ብዚሓብል ዘረባ ኸየታልለኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ።
5 ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ስርዓትኩምን ጽንዓት እታ ብክርስቶስ ዘላትኩም እምነትን እናረኣኹ እውን እሕጐስ ኣለኹ።
6 እምበኣር፡ ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ምስኡ ብሓድነት ተመላለሱ፣
7 ምስጋና ኸተቕርቡ ኸለኹም፡ ብእምነት እናዓዘዝኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ፡ ኣብኡ ሱር ስደዱን ተሃነጹን ብእምነት ጽንዑን።
8 ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
9 ከመይሲ፡ ኵሉ ምልኣት መለኮታዊ ባህርይ ብጭቡጥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ዚሓድር።
10 ንስኻትኩም እውን ብእኡ፡ በቲ ርእሲ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን፡ ምልኣት ረኺብኩም ኣለኹም።
11 ብእኡ ኸኣ በታ ብዘይ ኢድ፡ ስጋዊ ሰብነት ብምቕንጣጥ እትግበር ግዝረት ተገዘርኩም። በታ ናይ ክርስቶስ ግዝረት ኢኹም እተገዘርኩም።
12 ብጥምቀቱ ምስኡ ተቐበርኩም፣ ብእኡ እውን በታ ኣብቲ ሓያል ግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ዘላትኩም እምነት ብሓባር ተንሳእኩም።
13 ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን ምዉታት እኳ እንተ ነበርኩም፡ ኣምላኽ ምስኡ ህያዋን ገበረኩም። ንሱ ንዅሉ ኣበሳና ብለውሃት ይቕረ በለልና፣
14 ነቲ ትእዛዛት ዝሓዘን ዚቃወመናን ብኢድ እተጻሕፈ ሰነድ ከኣ ደምሰሶ። ንዕኡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ሸንኪሩ ድማ ኣርሓቖ።
15 ንመንግስትታትን ንስልጣናትን ቀንጢጡ፡ ኣብ ዓጀባ ዓወት ብእኡ* እናመርሖም፡ ብግህዶ ኸም እተሳዕሩ ኣርኣየ።
16 እምበኣር፡ ብብልዕን ብመስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰንበት ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም።
17 እዝስ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፣ እቲ ናይ ሓቂ ግና ክርስቶስ እዩ።
18 ናይ ሓሶት ትሕትናን ኣምልኾ መላእኽትን ዚፈቱ ሓደ እኳ ኣብቲ ዝረኣዮ ነገር “መርገጹ ብምግባር” ሽልማትኩም ኣይከልክልኩም። ንሱ ብስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ብኸንቱ ይንፋሕ እዩ፣
19 ኣብቲ ርእሲ እውን ኣይጸንዕን እዩ። በቲ ርእሲ እቲ፡ ብዘሎ እቲ ሰብነት ይምገብ፡ ብመላግቦን ጅማትን ከኣ ይገጣጠም እዩ፣ ካብ ኣምላኽ ብእተዋህበ ዕቤት እውን ይዓቢ እዩ።
20 ንመባእታዊ ነገራት ዓለም ብዚምልከት ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ገና ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዝዀንኩም ኴንኩም እናነበርኩም፡
21 “ኣይትሓዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ” ዚብል ትእዛዛት እትግዝኡ፧
22 እዚ ኸም ናይ ሰብ ዝበለ ትእዛዛትን ትምህርትታትን እዚ፡ ምስ ተገብረ፡ ኵሉ ይጠፍእ እዩ።
23 እዚ ብፍቓድ ርእስኻ ዚግበር ኣምልኾን ናይ ሓሶት ትሕትናን ምሕሳም ሰብነትን መልክዕ ጥበብ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ትምኒት ስጋ ንምቅላስ ግና ኣይጠቅምን እዩ።