ኤፌሶን 2:1-22
2 ኣምላኽ ድማ፡ ንዓኻትኩም ብኣበሳኹምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ንዝነበርኩም ህያዋን ገበረኩም፣
2 ንስኻትኩም ሓደ እዋን ከም ስርዓት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ ሓለቓ ስልጣን ኣየር፡ ማለት ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ፡ ትመላለሱ ነበርኩም።
3 ንሕና ዅላትና ኸኣ ሓደ እዋን፡ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትናን ድሌት እናፈጸምና፡ ምስ ትምኒት ስጋና ተሰማሚዕና ኣብ መንጎኦም ንነብር ነበርና፣ ከምቶም ካልኦት እውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
4 ኣምላኽ ግና ብምሕረት* ሃብታም እዩ፣ ሳላ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ ኸኣ፡
5 ብኣበሳና ምዉታት እኳ እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡—ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።
6 ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት ድማ፡ ኣተንስኣናን ኣብ ሰማያት ኣቐመጠናን፣
7 ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓታት ዓለም፡ እቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ጸጋኡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎና ብሕያውነቱ ምእንቲ ኼርኢ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝገበረ።
8 በዚ ጸጋ እዚ ድማ፡ ብእምነት ድሒንኩም ኣለኹም፣ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
9 ሓደ እኳ መመክሒ ምእንቲ ኸይረክብሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን።
10 ንሕና ፍጥረት ኣምላኽ ኢና፣ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ኽንከውን ከኣ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት ተፈጠርና።
11 ስለዚ፡ ኣቱም ብስጋ ኣህዛብ፡ በቶም ብኢድ ኣብ ስጋ ብዚገብርዎ ነገር “ግዙራት” ዚብሃሉ፡ ሓደ እዋን “ዘይግዙራት” ከም እተብሃልኩም ዘክሩ፣
12 በቲ ግዜ እቲ፡ ብዘይ ክርስቶስ፡ ካብ ህዝቢ እስራኤል ዝረሓቕኩም፡ ንኺዳናት ተስፋ እውን ኣጋይሽ ነበርኩም፣ ተስፋ ኣይነበረኩምን፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ ነበርኩም።
13 ሕጂ ግና፡ ኣቱም ሓደ እዋን ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብደም ክርስቶስ ቀሪብኩም ኣለኹም።
14 ከመይሲ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ጕጅለ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ መንደቕ ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ።
15 ነቶም ክልተ ጕጅለ ምስኡ ብዘለዎም ሓድነት ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺገብርን ሰላም ምእንቲ ኺገብርን፡ ብስጋኡ ነቲ ጽልኢ፡ ማለት ነቲ ትእዛዛትን ስርዓታትን ዝሓዘ ሕጊ ሰዓሮ፣
16 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብርእሱ ነቲ ጽልኢ ስለ ዝቐተለ፡ ንኽልቲኦም ኣብ ሓደ ሰብነት ገይሩ ምስ ኣምላኽ ብጕንዲ ስቅያት ምእንቲ ኼተዓርቖም እዩ።
17 መጺኡ ኸኣ ንዓኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩም፡ ሰላም ኣበሰረኩም፣ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ እውን ሰላም ኣበሰሮም፣
18 ምኽንያቱ፡ ክልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ኣሎና።
19 እምበኣርሲ፡ ንስኻትኩም ንቕዱሳት ደቂ ዓዶምን ኣባላት ቤተ ሰብ ኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኰንኩምን፣
20 ክርስቶስ የሱስ ባዕሉ እምኒ መኣዝን መሰረት ኪኸውን ከሎ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ተነዲቕኩም ኣለኹም።
21 ምስኡ ብሓደ ድማ ብዘሎ እቲ ህንጻ እናተገጣጠመ ንየሆዋ ዚኸውን ቤተ መቕደስ ንምዃን ይዓቢ ኣሎ።
22 ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብመንፈስ ማሕደር ኣምላኽ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።