እብራውያን 6:1-20
6 ስለዚ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ ሓዲግና፡ ናብ ብስለት ንገስግስ። ከም ብሓድሽ እውን መሰረት ኣይንሰርት፣ እዚ ድማ፡ ንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ እምነት ብኣምላኽ፡
2 ትምህርቲ ጥምቀታትን ምንባር ኣእዳውን፡ ትንሳኤ ምዉታትን ናይ ዘለኣለም ፍርድን እዩ።
3 ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና።
4 እቶም ሓደ ሳዕ ብርሃን ዝበርሃሎም፡ ነቲ ሰማያዊ ውህበት ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ፡
5 ነቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እቲ ዚመጽእ ስርዓት ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡
6 ግናኸ ዝወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎን መላገጺ ስለ ዚገብርዎን፡ ከም ብሓድሽ ናብ ንስሓ ኺምለሱ ኣይክእሉን እዮም።
7 እታ ኣብኣ ብዙሕ ግዜ ንዝዘነመ ዝናም ሰትያ፡ ነቶም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ኣትክልቲ እትህብ ምድርስ፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ።
8 እሾዅን ተዀርባን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ዘይትጠቅምን ጥቓ መርገምን እያ፣ መወዳእታኣ እውን ምንዳድ እዩ።
9 ፍቑራተየ፡ ብዛዕባኹም ግና፡ በዚ ኸምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሓይሽን ናብ ድሕነት ዜብጽሕን ነገር ከም ዘሎ ርግጸኛታት ኢና።
10 ኣምላኽሲ ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።
11 ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ርግጽ ተስፋ ኽትህልወኩም ግና፡ እዚ ትግሃት እዚ ኸተርእዩ ንደሊ ኣለና፣
12 እዚ ድማ ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ፈዛዛት ምእንቲ ኸይትዀኑ እዩ።
13 ኣምላኽ ንኣብርሃም ኬተስፍዎ ኸሎስ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘየልቦ፡ ብርእሱ መሓለ፡
14 ከምዚ ኢሉ፦ “ብርግጽ ክባርኸካን ብርግጽ ከብዝሓካን እየ።”
15 ኣብርሃም ድማ ተዓጊሱ፡ ነዛ ተስፋ እዚኣ ረኸባ።
16 ሰባትሲ በቲ ኻብኦም ዚዓቢ እዮም ዚምሕሉ፣ ማሕላኦም ከኣ ሕጋዊ ውሕስነት ስለ ዝዀኖም፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድኣሎም እዩ።
17 ከምኡ ኸኣ ኣምላኽ፡ ዕላማኡ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብንጹር ኬርእዮም ምስ ወሰነ፡ ብማሕላ ኣረጋገጸሎም።
18 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ንሕና እቶም እተማዕቈብና ዘበልና፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይክእል ክልተ ዘይልወጣ ነገራት ጌርና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሓያል መተባብዒ ምእንቲ ኽንረክብ እዩ።
19 እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ* ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ፣
20 ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።