ያእቆብ 5:1-20

5  ኣቱም ሃብታማት፡ እስከ ሕጂ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ ጸበባ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ።  ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ክዳውንትኹም እውን ብልዒ በሊዕዎ ኣሎ።  ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ ምራተኡ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ፡ ንስጋኹም እውን ኪበልዖ እዩ። እቲ ዝኣከብኩምዎ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ሓዊ ኪኸውን እዩ።  እንሆ፡ እቲ ንስኻትኩም ዝገደብኩምዎ ውዕለት እቶም ኣብ ግራውትኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ የእዊ ኣሎ፣ ኣውያት እቶም ዓጻዶ እውን ኣብ እዝኒ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት በጺሑ ኣሎ።  ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፣ ብመዓልቲ ማሕረዲ ልብኹም ኣስቢሕኩም ኣለኹም።  ነቲ ጻድቕ ኰኒንኩምዎ፡ ቀቲልኩምዎ እውን። ንሱ ይጻረረኩምዶ የሎን፧  እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህሉ፡ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ፡ ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ክሳዕ ዚመጽእ እናተዓገሰ፡ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበ እዩ።  ንስኻትኩም እውን ተዓገሱ፣ ጐይታ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣጽንዑ።  ኣሕዋተየ፡ ምእንቲ ኸይትፍረዱ፡ ሓደ በቲ ሓደ እህህ ኣይበል።* እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ። 10  ኣሕዋተየ፡ ነቶም ብስም የሆዋ እተዛረቡ ነብያት፡ ከም ኣርኣያ መከራን ትዕግስትን ጌርኩም ርኣይዎም። 11  እንሆ፡ ‘እቶም እተጻወሩ ሕጉሳት እዮም’ ንብል ኣለና። ብዛዕባ ተጻዋርነት እዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን ርሕሩሕን እዩ እሞ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ርኢኹም ኣለኹም። 12  ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ብሰማይ ወይስ ብምድሪ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሓሉ። የግዳስ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ ‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይኰነን ይኹን። 13  ኣብ መንጎኹም መከራ ዚጸግብዶ ኣሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር። 14  ኣብ መንጎኹም ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ፣ ንሳቶም ከኣ ብስም የሆዋ ዘይቲ እናለኸዩ፡ ይጸልዩሉ። 15  እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም* ከተጥዕዮ እያ፣ የሆዋ እውን ኬተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ እውን፡ ኪሕደገሉ እዩ። 16  እምበኣር፡ ምእንቲ ኽትሓውዩ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፡ ምእንቲ ሓድሕድኩም እውን ጸልዩ። ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ።* 17  ኤልያስ ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ዝነበረ፣ ግናኸ፡ ከይዘንም ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብታ ምድሪ ኣይዘነመን። 18  ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፣ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፡ ምድሪ እውን ፍሪኣ ኣብቈለት። 19  ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ሰሓተ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ እንተ መለሶ፡ 20  እቲ ንሓጥእ ካብ ስሕተት መገዱ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ* ኻብ ሞት ከም ዜድሕና፡ ብዝሒ ሓጢኣት እውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ።

እግረ ጽሑፍ

ያእ 5:9 * ወይ፡ “ኣይተዕዘምዝሙ፣ ኣይተማርሩ።”
ያእ 5:15 * ቃል ብቓሉ፡ “ድኹም።”
ያእ 5:16 * ወይ፡ “ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።”
ያእ 5:20 * ማለት፡ ነፍሲ እቲ ሓጥእ።