ዮሃንስ 2:1-25

2  ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፣ ኣደ የሱስ እውን ኣብኡ ነበረት።  የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደሙ።  ወይኒ ምስ ተወድአ፡ ኣደ የሱስ፡ “ወይኒ የብሎምን” በለቶ።  የሱስ ግና፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እዚ ንዓይን ንዓኽን ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧* ግዜይ ገና ኣይበጽሐን” በላ።  ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ፡ “ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” በለቶም።  ኣብኡ ድማ ከም ስርዓት ንጽህና ኣይሁድ፡ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዚሕዝ ሽዱሽተ ኣጋንእ* እምኒ ተቐሚጡ ነበረ።  የሱስ ከኣ፡ “ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ” በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ።  ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ቕድሕዎ እሞ፡ ንኣቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።  እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ ናብ ወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ኣይፈለጠን፣ እቶም ነቲ ማይ ዝቐድሑ ኣገልገልቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፣ ሽዑ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ 10  “ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ” በሎ። 11  የሱስ ነዚ መጀመርታ ትእምርቱ እዚ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ፡ ክብሩ ድማ ኣግሃደ፣ ደቀ መዛሙርቱ እውን ብእኡ ኣመኑ። 12  ድሕርዚ፡ ንሱን ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረዱ፣ ኣብኡ ግና ብዙሕ መዓልትታት ኣይጸንሑን። 13  ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፣ የሱስ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 14  ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ከብትን ኣባጊዕን ረገቢትን ዚሸጡ፡ ኣሽረፍቲ ድማ ተቐሚጦም ረኸበ። 15  ካብ ገመድ መግረፊ ሰሪሑ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምስተን ኣባጊዕን ምስቶም ከብትን ዝነበሩ ኻብ ቤተ መቕደስ ሰጐጎም፣ ንሰልዲ እቶም ኣሽረፍቲ እውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ገልበጦ። 16  ነቶም ረገቢት ዚሸጡ ድማ፡ “ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ! ንቤት ኣቦይ፡ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዋ!” በሎም። 17  ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ቅንኣት ቤትካ ኺበልዓኒ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ። 18  ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “እዚ እትገብር ካብ ኣለኻስ፡ እንታይ ትእምርቲኸ ኸተርእየና ኢኻ፧” በልዎ። 19  የሱስ ድማ፡ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፣ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተንስኣ እየ” በሎም። 20  እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ብኣርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እያ ተሃኒጻ፣ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተተንስኣ ኢኻ፧” በልዎ። 21  ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ። 22  ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ግና፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ይብል ከም ዝነበረ ዘከሩ፣ በቲ ቕዱስ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። 23  ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ፡ ብዙሓት ነቲ ዝገበሮ ትእምርትታት ርእዮም ብስሙ ኣመኑ። 24  የሱስ ግና፡ ንዅሎም ይፈልጦም ስለ ዝነበረ፡ ኣይኣመኖምን፣ 25  ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ብዛዕባ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን።

እግረ ጽሑፍ

ዮሃ 2:4 * ቃል ብቓሉ፡ “ንዓይን ንዓኽን እንታይ እዩ፧” እዚ ቝንቍኛ እዚ፡ ተቓውሞ ዜመልክት ሕቶ እዩ።
ዮሃ 2:6 * ሓደ ገንኢ፡ ካብ 44 ክሳዕ 66 ሊትሮ ኣቢሉ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።