ገላትያ 2:1-21

2  ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት፡ ንቲቶስ ተማሊአ፡ ምስ በርናባስ ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ።  ብምኽንያት ሓደ ራእይ እየ ደዪበ። ምናልባት ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ ወይ ጐዪየ ኸይከውን ግና፡ ነቶም ምርኡያት በይኖም ገይረ፡ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዘለኹ ብስራት ነገርክዎም።  ኰይኑ ግና፡ እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ፡ ግሪኻዊ ኽነሱ፡ ኪግዘር ኣይተገደደን።  እቲ ጕዳይ እቲ እተላዕለ፡ ብሰሪ እቶም ባሮት ኪገብሩና ኢሎም ነታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትና ናጽነት ኪስልዩ ሰላሕ ኢሎም ዝኣተዉ ናይ ሓሶት ኣሕዋት እዩ።  ሓቂ እቲ ብስራት ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ነዚኣቶም ሓንሳእ* እኳ ኣይተገዛእናዮምን።  ብዛዕባ እቶም ከም ኣገደስቲ ጌርካ ዚረኣዩ ግና፡—ንምዃኑ እኳ ቐደም እንታይ ዓይነት ሰብ ምንባሮም ኣይግድሰንን እዩ፡ ኣምላኽ እውን ገጽ ሰብ ርእዩ ኣይፈርድን እዩ፡—ንዓይ እቶም ምርኡያት ዋላ ሓንቲ ሓድሽ ነገር ኣይወሰኹለይን።  ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምቲ ጴጥሮስ ንእተገዝሩ ኼበስር ሕድሪ እተዋህቦ፡ ንዘይተገዝሩ ኸበስሮም ሕድሪ ኸም እተዋህበኒ ምስ ፈለጡ፡  (ከመይሲ፡ እቲ ንጴጥሮስ ኣብቶም ግዙራት ሃዋርያ ኪኸውን ስልጣን ዝሃቦ፡ ንዓይ እውን ኣብቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ስልጣን ሂቡኒ እዩ፡)  ነቲ እተዋህበኒ ጸጋ እውን ምስ ፈለጡ፡ እቶም ከም ኣዕኑድ ጌርካ ዚርኣዩ ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን፡ ንዓይን ንበርናባስን ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ግዙራት ኪኸዱ፡ ስምረቶም ንምግላጽ የማናይ ኢዶም ሃቡና። 10  ንድኻታት ክንዝክሮም ጥራይ ሓተቱና፣ ነዚ እውን ክገብሮ ተጋዲለ እየ። 11  ይኹን እምበር፡ ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ፡ ንጹር ጌጋ ስለ ዝገበረ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12  ከመይሲ፡ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ቅድሚ ምምጻኦም፡ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነበረ፣ ንሳቶም ምስ መጹ ግና፡ ነቶም ሰብ ግዝረት ስለ ዝፈርሀ፡ ከምኡ ምግባር ሓዲጉ፡ ርእሱ ፈለየ። 13  እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ምስኡ ተገበዙ፣ በርናባስ እኳ ብግብዝናኦም ተለከመ። 14  ምስ ሓቂ እቲ ብስራት ተሰማሚዖም ይመላለሱ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣኹ፡ ንኬፋ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ከም ኣይሁድ ዘይኰነስ፡ ከም ኣህዛብ ትነብር ካብ ኰንካ፡ ንኣህዛብ ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኪነብሩ ስለምንታይ ትግድዶም ኣለኻ፧” በልክዎ። 15  ንሕና ብትውልዲ ኣይሁድ ዘበልና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ እውን ዘይኰንና፡ 16  ሰብ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ብምእማን ከም ዚጸድቕ* ንፈልጥ ኢና። እምበኣር፡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ ዋላ ሓደ* ስለ ዘየልቦ፡ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኽንጸድቕ፡ ብክርስቶስ የሱስ ኣሚንና ኣለና። 17  ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለና ኸለና፡ ሓጥኣን ኴንና እንተ ተረኸብና፡ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ኣይፋሉን! 18  ነቲ ዘፍረስክዎ ኸም ብሓድሽ ዝሃንጾ እንተ ዀይነ፡ ኣባሲ ምዃነይ እየ ዘርኢ። 19  ኣነስ፡ ንኣምላኽ ህያው ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ሕጊ ኣቢለ፡ ነቲ ሕጊ ምዉት ኰንኩ። 20  ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር ክርስቶስ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ። እወ፡ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት፡ በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ። 21  ንጸጋ ኣምላኽ ኣይነጽጎን እየ፣ ከመይሲ፡ ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ንኸንቱ ሞይቱ ማለት እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ገላ 2:5 * ቃል ብቓሉ፡ “ንሓንቲ ሰዓት።”
ገላ 2:16 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ገላ 2:16 * ቃል ብቓሉ፡ “ስጋ።”