ግብሪ ሃዋርያት 13:1-52
13 ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ ኸኣ፡ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፣ ንሳቶም ድማ በርናባስን እቲ ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቀሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ኣውራጃ እተማህረ ማናይንን ሳውልን ነበሩ።
2 ንየሆዋ ኼገልግልዎን ኪጾሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ “ንበርናባስን ንሳውልን፡ ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ” በሎም።
3 ሽዑ፡ ጾሙን ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ድማ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።
4 ስለዚ፡ እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተላኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፣ ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ድማ፡ ኣብ ምኵራባት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ሰበኹ። ዮሃንስ ከኣ የገልግሎም ነበረ።
6 ብመንጎ ዅላ እታ ደሴት ሓሊፎም ክሳዕ ጳፎስ ምስ ከዱ፡ ሓደ ኣስማተኛን ናይ ሓሶት ነብይን ዝዀነ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ።
7 ንሱ ምስቲ ምስለኔ ዝዀነ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዚብሃል ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንበርናባስን ንሳውልን ጸውዖም።
8 ኤልማስ እቲ ጠንቋሊ ግና፡ (ስሙ እውን ከምኡ እዩ ዚትርጐም፡) ነቲ ምስለኔ ኸይኣምን ኪመልሶ ደልዩ፡ ተጻረሮም።
9 እቲ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ጠመቶ እሞ፡
10 “ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ኣታ ጸላእ ኵሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገድታት የሆዋ ኻብ ምጥዋይሲ ኣይትዓርፍን ዲኻ፧
11 ሕጂ ኸኣ፡ እንሃ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሌኻ እያ፣ ክትዓውር፡ ንግዜኡ እውን ብርሃን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ” በሎ። ብቕጽበት ድማ፡ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፣ ብኢዱ ዚመርሖ ደልዩ ኸኣ ናብዝን ናብትን ተመላለሰ።
12 ሽዑ፡ እቲ ምስለኔ፡ እቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብትምህርቲ የሆዋ ተገሪሙ ኣመነ።
13 ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ናብ ጴርጌ ናይ ጰምፍልያ በጽሑ። ዮሃንስ ግና ካባታቶም ተፈልዩ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።
14 ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሓሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ምኵራብ ኣትዮም ከኣ ተቐመጡ።
15 ሕግን ነብያትን ምስ ተነብበ፡ እቶም መራሕቲ ምኵራብ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንህዝቢ ዚንገር ገለ ዜተባብዕ ቃል እንተ ኣሎኩም፡ ንገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።
16 ሽዑ፡ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ ኸምዚ በለ፦
“ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ።
17 ኣምላኽ እዚ ህዝቢ እስራኤል እዚ ንኣቦታትና ሓረዮም፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ልዕል ኣበሎ፣ በታ እተላዕለት ቅልጽሙ ኸኣ ካብኣ ኣውጽኦም።
18 ንኣስታት ኣርብዓ ዓመት ድማ ኣብ በረኻ ተዓገሶም።
19 ኣብ ምድሪ ከነኣን ሸውዓተ ኣህዛብ ምስ ኣጥፍአ፡ ምድሮም ዓደሎም፣
20 እዚ ዅሉ ብኣስታት 450 ዓመት ኰነ።
“ድሕርዚ ኸኣ፡ ክሳዕ ሳሙኤል እቲ ነብዪ፡ መሳፍንቲ ሃቦም።
21 ድሕሪኡ ግና፡ ንጉስ ለመኑ፣ ኣምላኽ ከኣ ንሳኦል ወዲ ቂስ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ብንያም ዝዀነ ሰብኣይ፡ ንኣርብዓ ዓመት ሃቦም።
22 ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን ኣተንስኣሎም፣ ብዛዕባኡ ኸኣ፡ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ፡ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ ረኸብኩ’ ኢሉ መስከረ።
23 ካብ ዘርኡ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ንእስራኤል መድሓኒ ኣተንስአ፣ ንሱ ኸኣ የሱስ እዩ።
24 ቅድሚ ምምጻኡ እውን፡ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ።
25 ዮሃንስ ጕያኡ ኺፍጽም ከሎ ግና፡ ‘ኣነ መን ዝዀንኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ግና፡ እቲ ኣነ ኣሳእን ኣእጋሩ ምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፡ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ’ ይብል ነበረ።
26 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣቱም ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ድሕነት እዚ ናባና እዩ ተላኢኹ።
27 ከመይሲ፡ ነበርቲ የሩሳሌምን ኣሕሉቖምን ንዕኡ ኣይፈለጥዎን፣ ኪፈርድዎ ኸለዉ ግና፡ ነቲ ሰንበት ሰንበት ዓው ኢሎም ዜንብብዎ ቓል ነብያት ፈጸምዎ።
28 ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እኳ እንተ ሰኣኑሉ፡ ምእንቲ ኪቕተል፡ ንጲላጦስ ለመንዎ።
29 እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ጕንዲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣንበርዎ።
30 ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ፣
31 ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መሰኻኽሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ተራእዮም።
32 “ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣቦታትና እተተስፈወ ተስፋ ነበስረኩም ኣለና።
33 ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ኸኣ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ብምትንሳእ፡ ንዓና ንደቆም ምሉእ ብምሉእ ፈጺሙልና እዩ።
34 ብዛዕባ ኻብ ምዉታት ከም ዘተንስኦን ደጊም ናብ ምብስባስ ከም ዘይምለስን ድማ፡ ‘ከምቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዎ ብተኣማንነት ክልውሃልኩም እየ’ በለ።
35 ስለዚ፡ ኣብ ካልእ መዝሙር እውን፡ ‘እሙንካ ኺብስብስ ኣይክትፈቅድን ኢኻ’ በለ።
36 ዳዊት እኳ ኣብ ወለዶኡ ንኣምላኽ ምስ ኣገልገለ፡* ዓሪፉን ምስ ኣቦታቱ ተነቢሩን በስቢሱን እዩ።
37 እቲ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና ኣይበስበሰን።
38 “እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይስበኸልኩም ከም ዘሎ፡ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፣
39 ካብ ኵሉ እቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣልኩም ድማ፡ ዚኣምን ዘበለ ብእኡ ይጸድቕ እዩ።
40 ስለዚ፡ እቲ ኣብ ነብያት ከምዚ እተባህለ ኸይበጽሓኩም ተጠንቀቑ፦
41 ‘ኣቱም ነዓቕቲ፡ እንተ ኣዘንተዉልኩም እኳ ኸቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ፡ ብመዓልትታትኩም እገብር ስለ ዘለኹ፡ ርኣዩን ተገረሙን ጥፍኡን።’”
42 ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበት እውን እዚ ነገር እዚ ኺነግርዎም ለመንዎም።
43 እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ድማ፡ ብዙሓት ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ጵሮሴሊታትን ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም፣ ንሳቶም ኪዛረብዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ ይምሕጸንዎም ነበሩ።
44 በታ እትቕጽል ሰንበት፡ ዳርጋ ዅላ እታ ኸተማ ቓል የሆዋ ኽትሰምዕ ተኣከበት።
45 ኣይሁድ ነቲ ህዝቢ ምስ ረኣዩ፡ ብቕንኢ ተመሊኦም፡ ነቲ ጳውሎስ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓል እናተጻረፉ ተቓወምዎ።
46 ሽዑ፡ ጳውሎስን በርናባስን ብትብዓት፡ “ቃል ኣምላኽ ቅድም ንዓኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ደፋእኩምዎን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ባዕላትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣለና።
47 ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንድሕነት ምእንቲ ኽትከውን፡ ብርሃን ኣህዛብ ገይረ ሸምኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ” በልዎም።
48 ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሓጐሱ፡ ንቓል የሆዋ እውን ኣሞገሱ፣ ኵሎም እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ ድማ ኣመኑ።
49 ቃል የሆዋ ኸኣ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሐ።
50 ኣይሁድ ግና ነተን ንኣምላኽ ዜምልኻ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ኣውራታት እታ ኸተማን ኣናዒቦም፡ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን መስጐጕቲ ኣለዓዓሉ፡ ካብ ወሰኖም እውን ሰጐጕዎም።
51 ንሳቶም ድማ ደሮና ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፡ ናብ ኢቆንዩም ከዱ።
52 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።