ግብሪ ሃዋርያት 17:1-34
17 ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ናብ ተሰሎንቄ መጹ፣ ኣብኣ እውን ምኵራብ ኣይሁድ ነበረት።
2 ጳውሎስ ከኣ ከም ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዘራረበ፣
3 ክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ ይገልጸሎምን እናጠቐሰ የረድኦምን፡ “እዚ ዝሰብከልኩም ዘለኹ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ” ይብሎምን ነበረ።
4 ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣሚኖም ምስ ጳውሎስን ሲላስን ሓበሩ፣ ንኣምላኽ ዜምልኹ ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያንን ብዙሓት ኣውራታት ኣንስትን እውን ከምኡ ገበሩ።
5 ኣይሁድ ግና ቀኒኦም፡ ኣብቲ ዕዳጋ ንዜውደልድሉ እኩያት ሰብኡት ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ከኣ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ኣብ ቤት ያሶን ድማ መጥቃዕቲ ፈነዉ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ከኣ ደለዩ።
6 ምስ ሰኣንዎም፡ ንያሶንን ንገለ ኣሕዋትን ናብ ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ወጠጥዎም፣ ከምዚ እናበሉ ድማ ይጭድሩ ነበሩ፦ “እዞም ንዓለም ዜዕገርግሩስ ናብዚ እውን መጺኦም፣
7 ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ። ኵላቶም ድማ ‘የሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፡ ምስ ትእዛዝ ቄሳር ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ።”
8 እቶም ህዝብን እቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሰምበዱ፣
9 ካብ ያሶንን ካብቶም ካልኦትን ዋሕስ ምስ ተቐበሉ ድማ፡ ሓደግዎም።
10 እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስን ንሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተዉ።
11 እዚኣቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ይልብሙ ነበሩ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ኺፈልጡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።
12 ስለዚ፡ ብዙሓት ካባታቶም ኣመኑ፣ ብዙሓት ሕፉራት ግሪኻውያን ኣንስትን ሰብኡትን እውን ከምኡ ገበሩ።
13 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ እውን ቃል ኣምላኽ ከም ዝሰበኸ ምስ ፈለጡ ግና፡ ነቲ ህዝቢ ኼለዓዕሉን ኪርብሹን መጹ።
14 ሽዑ፡ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ብኡብኡ ናብ ባሕሪ ኪኸይድ ሰደድዎ፣ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ።
15 እቶም ንጳውሎስ ዘሰነይዎ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ፣ ብዛዕባ ሲላስን ጢሞቴዎስን ከኣ ቀልጢፎም ናብኡ ኺመጹ ትእዛዝ ምስ ተቐበሉ፡ ተመልሱ።
16 ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ ድማ፡ እታ ኸተማ ብጣኦታት ተመሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብውሽጡ መንፈሱ ሓረቐ።
17 ስለዚ፡ ኣብ ምኵራብ ምስ ኣይሁድን ንኣምላኽ ምስ ዜምልኹ ኻልኦትን፡ ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦም ይዘራረብ ነበረ።
18 ገለ ፈላስፋታት ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ግና ምስኡ ተኻትዑ፣ ገሊኣቶም ከኣ፡ “እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል እዩ ደልዩ፧” በሉ። ገሊኣቶም ድማ፡ “ሰባኺ ጓኖት ኣማልኽቲ ይመስል” በሉ። እዚ ዝበሉ፡ ብዛዕባ የሱስን ትንሳኤን የበስሮም ስለ ዝነበረ እዩ።
19 ሒዞም ከኣ ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ፡ ከምዚ እናበሉ፦ “ብዛዕባ እዚ እትዛረቦ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርቲ ኽንፈልጥ ንኽእልዶ፧
20 ከመይሲ፡ ንኣእዛንና ሓድሽ ነገር ኢኻ እተስምዓና ዘለኻ። ስለዚ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና።”
21 ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚቕንዩ* ጓኖትን፡ ግዜ ዕረፍቶም ሓድሽ ነገር ኣብ ምዝራብ ወይ ኣብ ምስማዕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣየሕልፍዎን ነበሩ።
22 ሽዑ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦
“ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዅሉ ነገር ብዝያዳ ፍርሃት ኣማልኽቲ ኸም ዘሎኩም እርኢ ኣለኹ።
23 ንኣብነት፡ ክሓልፍ ከለኹን እተምልኽዎ ነገር ክዕዘብ ከለኹን፡ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ እውን ረኸብኩ። እምበኣር፡ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘለኹም፡ ኣነ እሰብከልኩም ኣለኹ።
24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን ብምዃኑ፡ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ኣይነብርን እዩ፣
25 ንሱ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ዚህብ ስለ ዝዀነ እውን፡ ገለ ኸም ዚጐድሎስ ያኢ ብኢድ ሰብ ኣይግልገልን እዩ።
26 ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገበረ፣ ምዱብ እዋናትን ዚነብሩሉ ድዉብ ደረትን ከኣ ወሰነሎም፣
27 እዚ ድማ ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ ኢሉ እዩ።
28 ከመይሲ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘሎና፣ ከምቲ ገለ ኻብ ተቐነይትኹም ዚብልዎ፡ ‘ንሕና እውን ዓሌቱ ኢና።’
29 “እምበኣር፡ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንና፡ ኣምላኽ ከምቲ ብብልሓትን ብምህዞን ሰብ እተገብረ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግብኣናን እዩ።
30 ኣምላኽ ነቲ ግዜያት ድንቍርና ሸለል ኢልዎ እዩ፣ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።
31 በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፣ ንዕኡ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ።”
32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ፡ ገሊኣቶም ኣላገጹሉ፣ ገሊኣቶም ከኣ፡ “ብዛዕባ እዝስ ካልእ ግዜ እውን ክንሰምዓካ ኢና” በልዎ።
33 ጳውሎስ ድማ ካብ ማእከሎም ወጸ፣
34 ገለ ሰብኡት ከኣ ሓበርዎ፡ ኣመኑ እውን። ካባታቶም ድማ እቲ ዳኛ መጋባእያ ኣርዮስፋጎስ ዝነበረ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን ካልኦትን ነበሩ።