ግብሪ ሃዋርያት 2:1-47
2 ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ* ድማ፡ ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ ነበሩ፣
2 ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ፣ ንብዘላ እታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ቤት እውን መልኣ።
3 ልሳናት ሓዊ ዚመስል ከኣ ተራእዮም፣ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዓለበ፣
4 ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ እሞ፡ ከምቲ እቲ መንፈስ ኪዛረቡ ዝሃቦም እውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።
5 በቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዅሎም ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ነበሩ።
6 እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ተኣከቡ፣ በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም ከኣ ደንጸዎም።
7 ተደሚሞምን ተገሪሞምን ከኣ ከምዚ በሉ፦ “እንሆ፡ ኵሎም እዞም ዚዛረቡ ዘለዉ፡ ገሊላውያን ደይኰኑን፧
8 ከመይ ኢልና ደኣ ኢና ነፍሲ ወከፍና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ እንሰምዖም ዘለና፧
9 ንሕና ሰብ ጴርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን ነበርቲ መሶጶታምያን ይሁዳን ቀጶዶቅያን ጶንጦስን እስያን*
10 ፍርግያን ጰምፊልያን ግብጽን ዞባታት እቲ ናብ ቀሬኔ ገጹ ዘሎ ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመጹ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን
11 ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ በብቛንቋና ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣለና።”
12 ኵላቶም ተደሚሞምን ደንጽይዎምን፡ “እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧” ተባሃሃሉ።
13 ካልኦት ግና ኣላገጹሎም፡ “ጕዕሽ ወይኒ ጸጊቦም እዮም” ድማ በሉ።
14 ጴጥሮስ ግና ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዅላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ።
15 ሳልሰይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ* እያ እሞ፡ ከምዚ ንዓኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ኣይሰኸሩን።
16 እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፦
17 ‘“በተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ይብል ኣምላኽ፡ “ካብ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ሰብ* ከፍስስ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጕባዝኩም ራእያት ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹም እውን ሕልምታት ኪሓልሙ እዮም፣
18 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ካብ መንፈሰይ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ከፍስስ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።
19 ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓ ትክን ክገብር እየ፣
20 እታ ዓባይን ድምቕትን መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም።
21 ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ።”’
22 “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓል እዚ ስምዑ፦ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ከም እትፈልጥዎ፡ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ግብርታት ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትታትን፡ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ ነበረ።
23 ነዚ ኣምላኽ ብዝወሰኖ ምኽርን ኣቐዲሙ ብዝፈለጦ ፍልጠትን ኣሕሊፍካ እተዋህበ ድማ፡ ብኢድ እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ኣብ ጕንዲ ሰቒልኩምዎን ቀቲልኩምዎን ኢኹም።
24 ግናኸ፡ ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንሲእዎ እዩ።
25 ከመይሲ፡ ዳዊት ብዛዕባኡ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንየሆዋ ዅሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ* ገይረዮ እየ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ከቶ ኣይክናወጽን እየ።
26 ስለዚ፡ ልበይ ተሓጐሰ፡ ልሳነይ ከኣ ባህ በላ። ስጋይ እውን ብተስፋ ኺሓድር እዩ፣
27 ምኽንያቱ፡ ንነፍሰይ ኣብ መቓብር* ኣይክትሓድጋን ኢኻ፣ እሙንካ ኺብስብስ ድማ ኣይክትፈቅድን ኢኻ።
28 መገድታት ህይወት ኣፍሊጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ብሓጐስ ክትመልኣኒ ኢኻ።’
29 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት እቲ ርእሲ ዓሌት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ መቓብሩ እውን ክሳዕ ሎሚ ኣብ መንጎና ኸም ዘሎን፡ ንዓኻትኩም ብትብዓት ክዛረብ ፍቐዱለይ።
30 እምበኣር፡ ንሱ ነብዪ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ኻብ ዘርኡ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ ምዃኑ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ድማ ስለ ዝፈለጠ፡
31 ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንሱ ኣብ መቓብር* ከም ዘይሕደግ፡ ስጋኡ እውን ከም ዘይብስብስ፡ ኣቐዲሙ ርእዩ ተዛረበ።
32 ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኸኣ ኵላትና መሰኻኽር ኢና።
33 እምበኣር፡ ንሱ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ስለ ዝበለን ነቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ስለ እተቐበለን፡ ነዚ እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም ኣፍሰሶ።
34 ዳዊትሲ ናብ ሰማያት ኣይዓረገን፣ ግናኸ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ‘የሆዋ ንጐይታይ፡
35 “ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ’ በለ።
36 እምበኣር፡ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ኵላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ።”
37 ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግአ እሞ፡ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፧” በልዎም።
38 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣቱ ይጠመቕ፣ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እውን ክትቅበሉ ኢኹም።
39 ከመይሲ፡ እቲ ተስፋ ንዓኻትኩምን ንደቅኹምን ንዅሎም እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉን፡ ኰታስ ንዅሎም እቶም የሆዋ ኣምላኽና ናብኡ ዚጽውዖም ዘበሉ እዩ” በሎም።
40 “ካብዚ ቔናን ወለዶ እዚ ድሓኑ” እናበለ ኸኣ ብብዙሕ ካልእ ቃል ኣጸቢቑ መስከረሎምን መዓዶምን።
41 ስለዚ፡ እቶም ነቲ ቓሉ ኻብ ልቢ እተቐበልዎ ተጠምቁ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣስታት 3,000 ነፍሳት ተወሰኻ።
42 ብትምህርቲ ሃዋርያትን ዘለዎም ብምምቓልን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ከኣ ጸኒዖም ነበሩ።
43 ኣብ ኵሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፣ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትታትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ።
44 ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ብሓንሳእ ነበሩ፣ ዘለዎም ኵሉ እውን ናይ ሓባር ነበረ፣
45 ጥሪቶምን ንብረቶምን ሸይጦም ከኣ፡ ንዅሎም ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።
46 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ከየብኰሩ ብሓባር ይእከቡ ነበሩ፣ ኣብ ኣባይቶም ድማ ይምገቡ፡ ብታሕጓስን ብግሩህ ልብን ከኣ ይበልዑ ነበሩ፣
47 ንኣምላኽ ይውድስዎ ነበሩ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እውን ሞገስ ነበሮም። የሆዋ ድማ ዚድሕኑ መዓልቲ መዓልቲ ይውስኸሎም ነበረ።