ግብሪ ሃዋርያት 26:1-32
26 ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ፡ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኸምዚ ኢሉ ተማጐተላ፦
2 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ብኣይሁድ እተኸሰስኩሉ ነገር ብምምጓተይ፡ ንርእሰይ ሕጉስቲ ገይረ እየ ዝርእያ፣
3 ምናዳ ንስኻ ንዅሉ ልምድን ክርክርን ኣይሁድ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዚ፡ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣለኹ።
4 “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኣብ መንጎ ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ናብራ እኳ፡ ኵሎም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም፣
5 እቶም ካብ ቀደም ኣትሒዞም ዚፈልጡኒ፡ ኪምስክሩ እንተ ደልዮምሲ፡ ከምቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና፡ ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ ይፈልጡ እዮም።
6 ሕጂ ድማ ስለቲ ኣምላኽ ንኣቦታትና ዘተስፈዎ ቓል ተስፋ ኣብ ፍርዲ ቘይመ ኣለኹ፣
7 እቶም ዓሰርተው ክልተ ነገዳትና ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገልዎ፡ እዚ ቓል ተስፋ እዚ ኺፍጸም ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ኦ ንጉስ፡ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ እተኸሰስኩ።
8 “ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ጌርኩም ትርእይዎ ኣለኹም፧
9 ኣነ እውን ምስ ስም የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይመስለኒ ነይሩ።
10 ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚ እየ ገይረ፣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ድማ፡ ንብዙሓት ቅዱሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም፣ ኪቕተሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰመርኩ።
11 ኣብ ኵሉ ምኵራባት ብዙሕ ሳዕ እናቐጻዕክዎም፡ እምነቶም ኪኽሕዱ ኸገድዶም ፈተንኩ፣ ኣዝየ ተሃንዲደዮም ስለ ዝነበርኩ፡ ክሳዕ እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ከይደ ሰጐጕክዎም።
12 “በዚ ነገር እዚ፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣንን መዝነትን ተዋሂቡኒ፡ ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከለኹ፡
13 ኦ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኪበርህ ከሎ ረኣኹ።
14 ኵላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ‘ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧ ንበሊሕ በትሪ* እንተ ረጋሕካ፡ ንዓኻ እዩ ዚገድደካ’ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
15 ኣነ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧’ በልኩ። ጐይታ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ ‘እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እየ።
16 ግናኸ፡ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል። ኣገልጋልን ምስክርን እቲ ብዛዕባይ ዝረኣኻዮን ገና ዘርእየካን ምእንቲ ኽትከውን ክሓርየካ ኢለ እየ እተገለጽኩልካ፣
17 ካብዚ ህዝቢ እዝን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ዘለኹ ኣህዛብን ድማ ከናግፈካ እየ፣
18 ሕድገት ሓጢኣትን ኣብ መንጎ እቶም ብኣይ ብምእማኖም እተቐደሱ ኸኣ ርስትን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣን እውን ናብ ኣምላኽ ክትመልሶም ኢኻ።’
19 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለዚ፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን፣
20 የግዳስ፡ ቅድም ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ፡ ደሓር ከኣ ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ዝነበሩን ንኣህዛብን ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን ነገርክዎም።
21 ስለዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፡ ኪቐትሉኒ እውን ፈተኑ።
22 ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ስለ ዝረኸብኩ ግና፡ ንንእሽቶን ንዓብይን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እምስክር ኣለኹ፣ ብዘይካ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ካልእ ሓንቲ እኳ ኣይበልኩን፣
23 እዚ ኸኣ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ካብ ምዉታት ቀዳማይ ኰይኑ ዚትንስእ ከም ምዃኑ መጠን እውን፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዚሰብኽ ዚብል እዩ።”
24 ከምዚ ኢሉ ኺማጐት ከሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ “ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ! ብዙሕ ትምህርቲ የጸልለካ ኣሎ!” በሎ።
25 ጳውሎስ ግና፡ “ኦ ኽቡር ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ልብምናን ደኣ እዛረብ ኣለኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን።
26 እዚ ኣነ ብትብዓት ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ እኳ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ እዚ ብሕቡእ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ገለ እኳ ኸም ዘይጠፍኦ እኣምን እየ።
27 ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ” በለ።
28 ኣግሪጳ ግና ንጳውሎስ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜስ ክርስትያን ክኸውን መእመንካኒ” በሎ።
29 ጳውሎስ ከኣ፡ “ኣብ ሓጺር ወይስ ኣብ ነዊሕ ግዜ ንስኻ ጥራይ ዘይኰንካስ፡ ኵሎም እዞም ሎሚ ዚሰምዑኒ ዘለዉ እውን፡ ብዘይካ እዚ መቝሐይሲ፡ ከምዚ ኸማይ ኪዀኑ እየ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝምነ” በለ።
30 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ተንስአ፣ እቲ ራእስን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን እውን ከምኡ።
31 ካብኡ ምስ ኣልገሱ ግና፡ “እዚ ሰብ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን” ኢሎም ንሓድሕዶም ተዘራረቡ።
32 ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ “እዚ ሰብ እዚ ናብ ቄሳር ይግባይ እንተ ዘይብል ነይሩ፡ ኪፍታሕ ምተኻእለ” በሎ።