ግብሪ ሃዋርያት 8:1-40

8  ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ብርቱዕ መስጐጕቲ ተላዕለ፣ ብዘይካ ሃዋርያት ከኣ፡ ኵላቶም ናብ ዞባታት ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።  ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰብኡት ግና፡ ንእስጢፋኖስ ወሲዶም ቀበርዎ፣ ብዙሕ እውን ኣልቀሱሉ።  ሳውል ግና ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ ዜስካሕክሕ ተግባር ገበረ። ናብ በቤት እናኣተወ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።  እቶም እተበተኑ ግና፡ ቃል ብስራት እናኣበሰሩ ኣብታ ምድሪ ዞሩ።  ፊልጶስ ከኣ ናብ ከተማ ሰማርያ ወሪዱ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም።  እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ብሓባር ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ኣቕለቡ።  ከመይሲ፡ ርኹሳት መናፍስቲ፡ ካብቶም ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ እናጨደሩ ይወጹ ነበሩ። ብዙሓት ልሙሳትን ሓንካሳትን እውን ሓወዩ።  ኣብታ ኸተማ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።  ኣብታ ኸተማ ኸኣ ስምኦን ዝስሙ ቕድም ጠንቋሊ ዝነበረ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ድማ ‘ዓብዪ እየ’ እናበለ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10  ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ኸኣ ኵላቶም፡ “እቲ ዓብዪ ዚብሃል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ” ኢሎም የቕልቡሉ ነበሩ። 11  ንነዊሕ እዋን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ የቕልቡሉ ነበሩ። 12  ፊልጶስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም ምስ ኣመንዎ ግና፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። 13  ስምኦን ባዕሉ እኳ ኣመነ፣ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ምስ ፊልጶስ ለገበ፣ ትእምርትታትን ዓበይቲ ግብርታት ሓይልን ምስ ረኣየ እውን፡ ኣስተንከረ። 14  እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ምስ ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኹሎም፣ 15  ንሳቶም ወሪዶም ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪረኽቡ ጸለዩሎም። 16  ምኽንያቱ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ናብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ። 17  ሽዑ፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። 18  ስምኦን ከኣ እቲ መንፈስ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ ገንዘብ ኣምጺኡ፡ 19  “ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ ዘበለ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንዓይ እውን እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ” በሎም። 20  ጴጥሮስ ግና፡ “ነቲ ውህበት ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ብሩርካ ምሳኻ ይጥፋእ። 21  ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን። 22  እምበኣር፡ ካብዚ ኽፍኣትካ ተነሳሕ፣ ምናልባት ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ፡ ናብ የሆዋ ተማህለል፣ 23  ከመይሲ፡ መሪር መርዝን* ባርያ ዓመጻን ምዃንካ እርኢ ኣለኹ” በሎ። 24  ስምኦን ከኣ፡ “ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ናብ የሆዋ ተማህለሉለይ” ኢሉ መለሰ። 25  ንሳቶም ድማ ኣጸቢቖም ምስ መስከሩን ቃል የሆዋ ምስ ነገሩን፡ ኣብ ብዙሓት ኣቝሻት ሳምራውያን እናኣበሰሩ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 26  ግናኸ፡ መልኣኽ የሆዋ ንፊልጶስ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ደቡብ፡ ናብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ እተውርድ መገዲ ኺድ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሳ መገዲ ምድረ በዳ እያ። 27  ተንሲኡ ኸኣ ከደ፣ እንሆ ድማ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ፡* ኣብ ትሕቲ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ስልጣን ዝነበሮ፡ ኣብኣ ነበረ። ንሱ ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነበረ፣ 28  ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። 29  መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ “ናብዚ ሰረገላ ቕረብ እሞ ምስኡ ኺድ” በሎ። 30  ፊልጶስ ጐድኒ ጐድኑ ጐየየ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ድማ ሰምዖ እሞ፡ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ፧” በሎ። 31  ንሱ ኸኣ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” በሎ። ንፊልጶስ ድማ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። 32  እቲ ዓው ኢሉ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ቕዱስ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፦ “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተወስደ፣ ኣብ ቅድሚ ቐምቃማዩ ደሃይ ከም ዘይብሉ ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። 33  ብግዜ ውርደቱ፡ ፍትሒ ኣይተዋህቦን። ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ብዛዕባ ወለዶኡ መን ኬዘንቱ እዩ፧” 34  እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ “እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ፧ በጃኻ ንገረኒ” ኢሉ መለሰሉ። 35  ፊልጶስ ድማ ኣፉ ኸፈተ፣ ካብዚ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ። 36  መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ፣ እቲ ስሉብ ከኣ፡ “እንሆ ማይ፣ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” በለ። 37  *—— 38  ሽዑ፡ እቲ ሰረገላ ደው ኪብል ኣዘዘ፣ ክልቲኦም ፊልጶስን እቲ ስሉብን ናብቲ ማይ ወረዱ፣ ኣጥመቖ እውን። 39  ካብ ማይ ምስ ወጹ ድማ፡ መንፈስ የሆዋ ንፊልጶስ ብቕልጡፍ መርሖ፣ እቲ ስሉብ ድማ ተሓጒሱ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን። 40  ፊልጶስ ከኣ ናብ ኣሽዶድ ከደ፣ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚበጽሕ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታት እናዞረ የበስር ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ግብ 8:23 * ወይ፡ “መሪር ሓሞት።”
ግብ 8:27 * ማለት፡ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን።
ግብ 8:37 * እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ኣብቲ ብዌስትኮትን ሆርትን እተዳለወ ጽሑፍ ግሪኽኛን ኣብ ካልእ መበቈላዊ ጽሑፋት እቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ኣይትርከብን እያ።