ግብሪ ሃዋርያት 9:1-43

9  ሳውል ግና ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ እናጠለቐሎምን ከም ዚቐትሎም እናፈከረን ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ፡  በታ መገዲ እቲኣ ዝረኸቦም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽእ፡ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዚርከባ ምኵራባት ዚበጽሓ ደብዳበታት ካብኡ ለመነ።  ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ በርሀ፣  ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ወደቐ፣ “ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዐ።  ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” በለ። ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እየ።  ግናኸ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፣ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እውን ኪንገረካ እዩ” በሎ።  እቶም ምስኡ ዚጐዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ድምጺ እናሰምዑ ኽነሶም፡ ሓደ እኳ ኸይረኣዩ፡ ተዓኒዶም ደው በሉ።  ሳውል ግና ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እኳ እንተ ኣበለ፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። ብኢዱ መሪሖም ከኣ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።  ከይረኣየን ከይበልዐን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። 10  ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዝስሙ ወደ መዝሙር ነበረ፣ ጐይታ ድማ ንዕኡ ብራእይ፡ “ሃናንያ!” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ፡ ጐይታይ” በለ። 11  ጐይታ ድማ፡ “ተንስእ እሞ ናብታ ቕንዕቲ እትብሃል መገዲ ኺድ፣ ንሓደ ሳውል ዝስሙ ብዓል ጠርሴስ ከኣ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ። እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ፣ 12  ንሱ እውን ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ መጺኡ፡ ምእንቲ ኺርኢ፡ ኣእዳዉ ኸም ዜንብረሉ፡ ብራእይ ርእዩ ኣሎ” በሎ። 13  ሃናንያ ግና፡ “ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንቕዱሳትካ ኣብ የሩሳሌም ክንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ። 14  ኣብዚ ድማ ንዅሎም እቶም ስምካ ዚጽውዑ ኺኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ” ኢሉ መለሰ። 15  ጐይታ ግና፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ ስለ ዝዀነ፡ ኪድ ደኣ። 16  ከመይሲ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ” በሎ። 17  ሽዑ፡ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብታ ቤት ኣተወ፣ ኣእዳዉ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ “ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከለኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ምእንቲ ኽትርእን ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽትምላእን፡ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ። 18  ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ፣ ተንሲኡ እውን ተጠምቀ፣ 19  ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዐ። ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገለ መዓልትታት ጸንሐ፣ 20  ብኡብኡ ድማ፡ ኣብ ምኵራባት ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። 21  ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ግና ተደመሙ እሞ፡ “እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስም እዚ ዚጽውዑ ዘጥፍኦም፡ ኣሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ኢሉ እውን ናብዚ ዝመጸ፡ እዚ ደይኰነን፧” ይብሉ ነበሩ። 22  ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፣ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ኣረድኦም። 23  ብዙሕ መዓልትታት ምስ ሓለፈ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። 24  ሳውል ግና ውዲቶም ፈለጠ። ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ኪቐትልዎ፡ መዓልትን ለይትን ነቲ ኣፍ ደገታት ይሕልውዎ ነበሩ። 25  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ በቲ ኣብቲ መካበብያ ዘሎ መስኰት ኣውረድዎ። 26  ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፣ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኵላቶም ፈርህዎ። 27  ሽዑ፡ በርናባስ ረድኦ፡ ናብ ሃዋርያት እውን ወሰዶ፣ ንሱ ድማ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ኸኣ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሃረ፡ ኣዘንተወሎም። 28  ብስም ጐይታ ተቢዑ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ኣብ የሩሳሌም ብናጻ ይንቀሳቐስ* ነበረ፣ 29  ምስቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ። ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ይፈታትኑ ነበሩ። 30  እቶም ኣሕዋት እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፡ ናብ ጠርሴስ እውን ሰደድዎ። 31  ሽዑ፡ እታ ኣብ ብዘላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ጉባኤ ሰላም ረኺባ ተሃንጸት፣ ብፍርሃት የሆዋን ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስን ክትመላለስ ከላ ኸኣ፡ እናበዝሐት ከደት። 32  ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ናብ ኵሉ ኺዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቕዱሳት እውን ወረደ። 33  ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ዓራቱ ዝደቀሰ ልሙስ ረኸበ። 34  ጴጥሮስ ድማ፡ “ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣንጽፍ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ብኡብኡ ተንስአ። 35  ኵሎም እቶም ኣብ ልዳን ኣብ ጐልጐል ሳሮንን ዚነብሩ ዝነበሩ ድማ፡ ንዕኡ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 36  ኣብ ዮጴ ኸኣ ጣቢታ ዝስማ ጓለ መዝሙር ነበረት፣ ትርጕም ስማ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን ነበረት። 37  በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ሓሚማ ሞተት። ሓጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። 38  ልዳ ጥቓ ዮጴ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ጴጥሮስ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ “ከይደንጐኻ ግዳ ምጻና” ኢሎም ምእንቲ ኺልምንዎ ኽልተ ሰብኡት ለኣኹሉ። 39  ሽዑ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ናብቲ ደርቢ ኣደየብዎ፣ ኵለን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያን ዶርቃስ ምሳታተን ከላ ዝሰፈየቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦን ኣብ ቅድሚኡ ቐረባ። 40  ጴጥሮስ ግና ንዅላቶም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፣ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ጣቢታ፡ ተንስኢ!” በለ። ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፣ ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶ እውን፡ ኮፍ በለት። 41  ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፣ ነቶም ቅዱሳትን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ገይሩ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረባ። 42  እዚ ኣብ ብዘላ ዮጴ ተፈልጠ፣ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ። 43  ንሱ ድማ ንሓያሎ መዓልትታት ምስ ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ፡ ኣብ ዮጴ ቐነየ።

እግረ ጽሑፍ

ግብ 9:28 * ወይ፡ “ይኣቱን ይወጽእን።”