ሃጌ 1:1-15

  • ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ብዘይምህናጾም እተዋህበ መግናሕቲ (1-11)

    • “ኣብ እተረብበ ኣባይትኹም እትቕመጡሉ ግዜ ድዩ፧” (4)

    • “ልብኹም ናብ መገድታትኩም ኣቕንዑ” (5)

    • ብዙሕ ዘሪእኩም፡ ግናኸ ሒደት ኣእቲኹም (6)

  • እቶም ህዝቢ ድምጺ የሆዋ ሰምዑ (12-15)

1  ኣብ ካልአይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ኣብ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ብነብዪ ሃጌ*+ ኣቢሉ ናብ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤል እቲ ሹም ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ እቲ ሊቀ ኻህናትን መጸ፦  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እዚ ህዝቢ እዚ፡ “ቤት* የሆዋ እትህነጸሉ* ግዜ ገና ኣይመጸን” ይብል ኣሎ።’”+  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ብነብዪ ሃጌ+ ኣቢሉ ኸም ብሓድሽ መጸ፦  “እዛ ቤት እዚኣ ዓንያ ኸላስ፡ ኣብ እተረብበ ኣባይትኹም እትቕመጡሉ ግዜ ድዩ፧+  ሕጂ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ልብኹም ናብ መገድታትኩም ኣቕንዑ።*  ብዙሕ ዘርኢ ዘሪእኩም፡ ግናኸ ሒደት ኣእቲኹም።+ በሊዕኩም፡ ግናኸ ኣይጸገብኩምን። ሰቲኹም፡ ግናኸ ኣይረወኹምን። ተኸዲንኩም፡ ግናኸ ኣይሞቝኩምን። እቲ ዚቝጸር፡ ንዓስቡ ኣብ ነዃል ዝመልኦ ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ።’”  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ልብኹም ናብ መገድታትኩም ኣቕንዑ።’*  “‘ናብ ከረን ደይቡ እሞ ዕንጨይቲ ኣምጽኡ።+ ብእኣ ባህ ምእንቲ ኽብለንን ኣነ ምእንቲ ክኽበርንሲ፡+ ነታ ቤት ህነጽዋ’+ ይብል የሆዋ።”  “‘ንስኻትኩም ብዙሕ ተጸቢኹም፡ ሒደት ግና ረኺብኩም፣ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኹምዎ ድማ፡ ኣነ ኡፍ ኢለ በቲነዮ።+ ስለምንታይ፧’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። ‘ነፍሲ ወከፍኩም ነንቤቱ ኺከናኸን ኢሉ ኺጓየይ ከሎ፡ ቤተይ ዓንያ ስለ ዘላ እዩ።+ 10  ስለዚ፡ ኣብ ልዕሌኹም ዘለዉ ሰማያት ኣውሎም ከሊኦም ኣለዉ፣ ምድሪ እውን ፍሪኣ ኸሊኣ ኣላ። 11  ኣነ ኸኣ ኣብ ምድርን ኣብ ኣኽራንን ኣብ እኽልን ኣብ ጕዕሽ ወይንን ኣብ ዘይትን ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዚበቍል ዘበለን ኣብ ሰባትን ኣብ ማልን ኣብ ኵሉ ጻዕሪ ኣእዳውኩምን ደርቂ ጸዊዐ ኣለኹ።’” 12  ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን+ እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ድምጺ የሆዋ ኣምላኾምን የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝለኣኾ ቃላት ነብዪ ሃጌን ሰምዑ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፈርሁ። 13  ሽዑ፡ ሃጌ እቲ ልኡኽ የሆዋ ነቶም ህዝቢ፡ ከምቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መዝነት፡ “‘ኣነ ምሳኻትኩም እየ’+ ይብል የሆዋ” ኢሉ መልእኽቲ ኣብጽሓሎም። 14  የሆዋ ኸኣ መንፈስ+ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልቲኤል እቲ ሹም ይሁዳን+ መንፈስ እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅ እቲ ሊቀ ኻህናትን መንፈስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ፣ መጺኦም ከኣ ኣብ ቤት ኣምላኾም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪዓይዩ ጀመሩ።+ 15  እዚ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡+ ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ሻድሸይቲ ወርሒ ዀነ።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ብበዓል እተወልደ።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ዳግም እትህነጸሉ።”
ወይ፡ “ንመገድታትኩም ተጠንቂቕኩም ሕሰቡሉ።”
ወይ፡ “ንመገድታትኩም ተጠንቂቕኩም ሕሰቡሉ።”