ሃጌ 2:1-23

  • እታ ኻልአይቲ ቤተ መቕደስ ብኽብሪ ኽትመልእ እያ (1-9)

    • ኵሎም ኣህዛብ ኪነቓነቑ እዮም (7)

    • ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገራት ኪመጽእ እዩ (7)

  • ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ምስ እትሃንጽዋ፡ በረኸት ክትረኽቡ ኢኹም (10-19)

    • ቅድስና ኣይመሓላለፍን እዩ (10-14)

  • ንዘሩባቤል እተነግሮ መልእኽቲ (20-23)

    • ‘ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ’ (23)

2  ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 21 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ብነብዪ ሃጌ+ ኣቢሉ መጸ፦  “በጃኻ ንዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤል እቲ ሹም ይሁዳን+ ንእያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ሕተቶም፦  ‘ካባኻትኩም ነዛ ቤት* እዚኣ በቲ ዝቐደመ ኽብራ ዝረኣያ መን እዩ፧+ ሕጂ ኸመይ ኰይና ትርኣየኩም ኣላ፧ ከተነጻጽርዋ ኸለኹምሲ፡ ከም ዋላ ሓንቲ ደይኰነትን፧’+  “‘ሕጂ ግና፡ ኣታ ዘሩባቤል፡ በርትዕ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኣታ እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ፡ ኣታ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ በርትዕ።’ “‘ኣቱም ህዝቢ እዛ ምድሪ ዅላትኩም እውን፡ በርትዑን+ ዕየዩን’ ይብል የሆዋ። “‘ኣነስ ምሳኻትኩም እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  ‘ነቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም ዝኣቶኹልኩም ቃል ዘክርዎ፣+ መንፈሰይ ድማ ኣብ መንጎኹም ይነብር ኣሎ።*+ ኣይትፍርሁ።’”+  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘ድሕሪ ቝሩብ፡ ገና ሓንሳእ ንሰማያትን ንምድርን ንባሕርን ንንቑጽ ምድርን ከናውጾም እየ።’+  “‘ንዅሎም ኣህዛብ ድማ ከናውጾም እየ፣ ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር* ነገራት ከኣ ኪመጽእ እዩ፣+ ነዛ ቤት እዚኣ እውን ብኽብሪ ኽመልኣ እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  “‘ብሩር ናተይ እዩ፡ ወርቂ እውን ናተይ እዩ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  “‘ናይ መጻኢ ኽብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኻብታ ዝቐደመት ዚዓቢ ኪኸውን እዩ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ሰላም ክህብ እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።” 10  ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ሃጌ መጸ፦+ 11  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘በጃኻ ነቶም ካህናት ብዛዕባ እቲ ሕጊ ሕተቶም፦+ 12  “ሰብ ኣብ ዕጻፍ ክዳኑ ቕዱስ ስጋ እንተ ጾይሩ፡ እቲ ኽዳኑ ኸኣ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ካልእ ዓይነት ምግቢ እንተ ተንክዩ፡ እዚዶ ይቕደስ እዩ፧”’” እቶም ካህናት ድማ፡ “ኣይፋልን!” ኢሎም መለሱ። 13  ሽዑ፡ ሃጌ፡ “ሬሳ ተንክዩ* ዝረኸሰ ሰብ፡ ገለ ኻብዚ እንተ ተንክዩ፡ እዚዶ ይረክስ እዩ፧”+ ኢሉ ሓተተ። እቶም ካህናት ከኣ፡ “ይረክስ እዩ” ኢሎም መለሱሉ። 14  ሃጌ ድማ፡ “‘እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ፣ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ግብሪ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፣ ኣብኡ ዜቕርቡለይ ዘበለ እውን ርኹስ እዩ።’ 15  “‘ሕጂ ግና ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ንደሓር በጃኹም ልብኹም ናብዚ ኣቕንዑ፦* ኣብታ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸይተነብረ፡+ 16  ገሊኡ 20 መስፈር ተጸብዩ ናብ ኵምራ እኽሊ ምስ መጸ፡ 10 ጥራይ ዝጸንሖ፡ ካብ ጋብላ ወይኒ 50 መስፈር ተጸብዩ ናብቲ መዋህለል ወይኒ ምስ መጸ፡ 20 ጥራይ ዝጸንሖ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ፧+ 17  ንዓኻትኩም ኰነ ንዅሉ ዕዮ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብዋግን+ ብበረድን ወቒዐ እየ፣ ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ናባይ ኣይተመልሰን’ ይብል የሆዋ። 18  “‘ካብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ካብ መበል 24 መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ መሰረት ቤተ መቕደስ የሆዋ እተሰረተትላ መዓልቲ ንደሓር፡+ በጃኹም ልብኹም ኣቕንዑ፣* ልብኹም ናብዚ ኣቕንዑ፦ 19  ዛጊትዶ ኣብ ማዕከን* ዘርኢ ኣሎ እዩ፧+ ተኽሊ ወይንን በለስን ሮማንን ኦም ኣውልዕን፡ ዛጊትዶ ፍረ ፈርዩ እዩ፧ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣትሒዘ በረኸት ክሰድደልኩም እየ።’”+ 20  ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኻልኣይ ሳዕ ናብ ሃጌ መጸ፦+ 21  “ንዘሩባቤል እቲ ሹም ይሁዳ ኸምዚ በሎ፦ ‘ንሰማያትን ንምድርን ከናውጾም እየ።+ 22  ዝፋን መንግስትታት ክግልብጥ፡ ብርታዐ መንግስትታት ኣህዛብ ድማ ከጥፍእ እየ፣+ ሰረገላን ተወጣሒኡን ክግልብጥ እየ፣ ኣፍራስን ተወጣሕቶምን ኪወድቁ እዮም፣ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ኺወድቕ እዩ።’”+ 23  “‘በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ኣነ ንዓኻ ንጊልያይ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤል+ ክወስደካ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ንዓኻ ስለ ዝሓረኹኻ ድማ፡ ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ነቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ መንፈሰይ ከኣ ኣብ መንጎኹም ቈይሙሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝኣቶኹልኩም ቃል ዘክርዎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ተባሃጊ።”
ወይ፡ “ብነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ተጠንቂቕኩም ግዳ ሕሰቡሉ።”
ወይ፡ “ተጠንቂቕኩም ግዳ ሕሰቡሉ።”
ወይ፡ “ጕድጓድ እኽሊ።”