ህዝቅኤል 31:1-18

  • ውድቀት ግብጺ፡ እቲ ነዊሕ ዝቝመቱ ቄድሮስ (1-18)

31  ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንጭፍራኡን ከምዚ በሎ፦+ ‘ብዕቤትካ ንመን ኢኻ እትመስል፧  3  እንሆ፡ ሓደ ኣሶራዊ፡ ከም ናይ ጣሻ ዝበለ ጽላል ዝነበሮ ጽቡቕ ዝጨናፍሩ፡ነዊሕ ዝቝመቱ ቄድሮስ ኣብ ሊባኖስ ነበረ፣ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ነበረ።  4  ማያት ኣዕበዮ፡ ዓሚቝ ዓይኒ ማያት ኣንውሖ። ኣብ ዙርያ እቲ እተተኽለሉ፡ ወሓይዝ ነበረ፣እቲ ናቱ መትረባት ከኣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር የስቲ ነበረ።  5  ስለዚ፡ ካብ ኵሉ ኣእዋም መሮር ነውሐ። ሳላ እቲ ኣብ ወሓይዙ ዘሎ ብዙሕ ማይ፡ጨናፍሩ በዝሐ፡ ቅርንጫፋቱ ኸኣ ነውሐ።  6  ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍሩ ሰፈራ፣ኵለን እንስሳታት መሮር ኣብ ትሕቲ ቕርንጫፋቱ ወለዳ፣ኵሎም ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ተቐመጡ።  7  ሱሩ ናብ ብዙሕ ማያት ወሪዱ ነበረ እሞ፡ ብጽባቐኡን ብንውሓት ቅርንጫፋቱን ዓብዪ ነበረ።  8  ኣብ ገነት* ኣምላኽ+ ካብ ቄድሮሳት ምስኡ ዚወዳደር ኣይነበረን። ካብ ኣእዋም ጽሕዲ* ኸኣ ከም ናቱ ዝበለ ጨናፍር ዝነበሮ ኣይነበረን። ካብ ኣእዋም ዓርሞን ድማ ምስ ቅርንጫፋቱ ዚመሳሰል ዝነበሮ ኣይነበረን። ኣብ ገነት ኣምላኽ ምስ ጽባቐኡ ዚመዓራረ ኦም ኣይነበረን።  9  ብብዝሒ ልሙዕ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፣ኵሉ ኣእዋም ኤደን፡ ገነት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ ቀንኣሉ።’ 10  “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝዀነ፡* ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ልዕል ስለ ዝበለ፡ ልቡ ኸኣ ብቝመቱ ስለ እተዓበየ፡ 11  ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ገዛኢ ኣህዛብ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።+ ንሱ ድማ ብርግጽ ኣብ ልዕሊኡ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፣ ኣነ እውን ብሰሪ እከዩ ኽድርብዮ እየ። 12  እቶም ካብ ኣህዛብ ኣዝዮም ጨካናት ዝዀኑ ጓኖት ኪቘርጽዎ፡ ኣብ ኣኽራን እውን ኪሓድግዎ እዮም፣ እቲ ልሙዕ ጨናፍሩ ኣብ ኵሉ ስንጭሮታት ኪወድቕ፡ ቅርንጫፋቱ ተሰባቢሩ ኣብ ኵሉ ወሓይዝ ምድሪ ኪኸውን እዩ።+ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኻብ ጽላሉ ኼልግሱን ኪሓድግዎን እዮም። 13  ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብቲ ዝወደቐ ጕንዱ፡ ኵለን እንስሳታት መሮር እውን ኣብ ቅርንጫፋቱ ኺነብራ እየን።+ 14  ኣብ ጥቓ ማያት ዚርከብ ዘበለ ኦም ኣዝዩ ኸይነውሕ ወይ ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ልዕል ከይብል እሞ ማይ ኣጸቢቑ ዝሰተየ ኦም ቍመቱ ኣብኡ ኸይበጽሕ እዩ እዚ ዚኸውን። ኵላቶምሲ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ደቂ ሰብ፡ ንሞት፡ ንታሕተዋይ ምድሪ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም።’ 15  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘በታ ንሱ ናብ መቓብር* ዚወርደላ መዓልቲ፡ ኣነ ንሰብ ከሕዝን እየ። ስለዚ፡ እቲ ብዙሕ ማያት ምእንቲ ኺግታእ፡ ንዓሚቝ ማያት ክኸድኖን ንወሓይዙ ኽዓግቶን እየ። ብሰሩ ንሊባኖስ ከጸልምታ እየ፣ ኣእዋም መሮር ድማ ኪጽምልዉ እዮም። 16  ምስ ኵሎም እቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ናብ መቓብር* ምስ ኣውረድክዎ፡ ብደሃይ ውድቀቱ ንኣህዛብ ራዕራዕ ከብል እየ፣ ኵሎም ኣእዋም ኤደን፡+ ሕሩያትን ብሉጻትን ሊባኖስ፡ ኵሎም እቶም ማይ ኣጸቢቖም ዝሰተዩ፡ ኣብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኺጸናንዑ እዮም። 17  ንሳቶም ምስኡን ምስቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣብ ጽላሉ ዚነብሩ ዝነበሩ ደገፍቱን*+ ናብ መቓብር፡* ናብቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም ኣለዉ።’+ 18  “‘ብኽብርን ብዕቤትን ካብ ኣእዋም ኤደን ንዓኻ ዚመስል ኣየናይ እዩ፧+ ግናኸ፡ ምስ ኣእዋም ኤደን ብርግጽ ናብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ። ኣብ መንጎ እቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ክትብል ኢኻ። ፈርኦንን ኵሎም ጭፍራኡን ከምዚ ኪዀኑ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”
ወይ፡ “ተርሚን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዚኻ ነዊሕ ስለ ዝዀንካ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቅልጽሙን።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።