ህዝቅኤል 42:1-20

  • መረባዕ እቲ መመገቢ ኽፍሊ (1-14)

  • ኣርባዕተ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ ተለክዐ (15-20)

42  ሽዑ፡ ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ናብ ሰሜን መርሓኒ።+ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ኽፉት ቦታ፡+ ብሰሜን እቲ ምስኡ ዝለገበ ህንጻ ዘሎ መረባዕ እቲ መመገቢ ኽፍሊ ኣምጽኣኒ።+ 2  ንውሓቱ ኸኣ ብሰሜናዊ መእተዊ 100 እመት* ነበረ፣ ግፍሑ ድማ 50 እመት ነበረ። 3  ኣብ መንጎ እቲ 20 እመት ዝግፍሑ ናይ ውሽጢ ኣጸድን+ እምኒ እተነጽፎ ባይታ እቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድን ነበረ። መተሓላለፊታቱ ኣብ ሰለስቲኡ ባይታ ሓደ ኣብ መንጽር እቲ ሓደ ነበረ። 4  ኣብ ቅድሚ እቲ መመገቢ ኽፍልታት* 10 እመት ዝግፍሑን 100 እመት ዝንውሓቱን* ውሽጣዊ መገዲ ኣሎ።+ 5  እቲ መተሓላለፊታት ስፍራ ስለ ዝወሰደ፡ ላዕለዋይ መመገቢ ኽፍልታት እቲ ህንጻ፡ ካብቲ ኣብ ታሕተዋይን ኣብ ማእከላይን ባይታ ዘሎ ይጸብብ ነበረ። 6  ሰለስተ ባይታ ዘለዎ እኳ እንተ ዀነስ፡ ከምቲ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ ዝበለ ኣዕኑድ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ካብቲ ታሕተዋይን ማእከላይን ባይታ ዚዛይድ ስፍራ ኻብኡ ተወስደ። 7  እቲ ኣብ ጥቓ መመገቢ ኽፍልታት ናብቲ ኻልእ መመገቢ ኽፍልታት ገጹ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ዜብል ናይ ወጻኢ መንደቕ 50 እመት ዝንውሓቱ ነበረ። 8  ከመይሲ፡ ንውሓት እቲ ናብቲ ናይ ኣጸድ ዜብል መመገቢ ኽፍልታት 50 እመት ነበረ፣ እቲ ናብታ መቕደስ ገጹ ዜብል ግና፡ 100 እመት ነበረ። 9  እቲ መመገቢ ኽፍልታት፡ ብሸነኽ ምብራቕ ካብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ናብኡ ዜምርሕ መእተዊ ነበሮ። 10  ኣብ ውሽጢ* እቲ ናብ ምብራቕ ዜብል መንደቕ እቲ ኣጸድ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽፉት ቦታን እቲ ህንጻን እውን መመገቢ ኽፍልታት ነበረ።+ 11  ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ከምቲ ናይተን ሰሜናዊ መመገቢ ኽፍልታት ዝበለ መገዲ ነበረ።+ ንሳተን ድማ ሕደ ንውሓትን ግፍሕን፡ ሕደ መውጽእን ንድፍን ነበረን። መእተዊታተን ከኣ 12  ከም መእተዊታት እተን ናብ ደቡብ ዜብላ መመገቢ ኽፍልታት እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ መገዲ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናብ ምብራቕ ዜብል ምስኡ ዝለገበ መንደቕ፡ ሰብ ዚኣትወሉ መእተዊ ነበረ።+ 13  ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እተን ኣብ ጥቓ ኽፉት ቦታ+ ዘለዋ መመገቢ ኽፍልታት ሰሜንን መመገቢ ኽፍልታት ደቡብን፡ እቶም ናብ የሆዋ ዚቐርቡ ኻህናት ነቲ ቕዱስ ቅዱሳን ዚበልዑለን ቅዱሳት መመገቢ ኽፍልታት እየን።+ እቲ ቦታ ቕዱስ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ቕዱስ ቅዱሳንን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን የንብሩ።+ 14  እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፡ እቲ ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ+ ኸየውጽኡ፡—እዝስ ቅዱስ እዩ፡—ካብታ መቕደስ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ። ናብቲ ንህዝቢ እተፈቕደ ቦታታት ምእንቲ ኪቐርቡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ።” 15  ነቲ ውሽጣዊ ቦታ ቤተ መቕደስ* ለኪዑ ምስ ወድአ፡ በቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል መገዲ ኣፍ ደገ ኣውጽኣኒ፣+ ንብዘሎ እቲ ቦታ እውን ለክዖ። 16  ነቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ከኣ ብሻምብቆ* መለክዒ ለክዖ። በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ ካብ ሓደ ሸነኽ ክሳብ እቲ ሓደ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 17  ነቲ ሰሜናዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 18  ነቲ ደቡባዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 19  ነቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 20  ብኣርባዕቲኡ ሸነኽ ለክዖ። ኣብ መንጎ እቲ ቕዱስን ተራን ንምፍልላይ ከኣ፡+ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱን 500 ሻምብቆ ዝግፍሑን+ መንደቕ ብዙርያኡ ነበሮ።+

እግረ ጽሑፍ

እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “እቲ ኽፍልታት።”
ብመሰረት እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ሰፕቱጀንት (ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት)፡ “100 እመት ዝንውሓቱ።” እቲ ብእብራይስጢ እተዳለወ ጽሑፍ፡ “መገዲ ሓደ እመት።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ግፍሒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነታ ውሽጣዊት ቤት።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።