ህዝቅኤል 8:1-18

  • ህዝቅኤል ብራእይ ናብ የሩሳሌም ተወስደ (1-4)

  • ኣብ ቤተ መቕደስ ፍንፉን ነገራት ረኣየ (5-18)

    • ኣንስቲ ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ (14)

    • ሰብኡት ንጸሓይ ይሰግዱላ ነበሩ (16)

8  ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፡ ኣብ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ ኸለኹ፡ ዓበይቲ ይሁዳ እውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ኢድ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብኡ ሓዘትኒ። 2  ምስ ጠመትኩ፡ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ ረኣኹ፣ ካብቲ ማዕጥቖኡ ዚመስል ንታሕቲ ሓዊ ነበረ፣+ ካብ ማዕጥቖኡ ንላዕሊ ኸኣ ትርኢቱ ብሩህ ከም ምንጽብራቕ ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ነበረ።+ 3  ንሱ ድማ ኢድ እትመስል ዘርግሐ እሞ፡ ብዕታሮ ጸጕሪ ርእሰይ ሒዙ ወሰደኒ፣ መንፈስ ከኣ ናብ መንጎ ምድርን ሰማያትን ኣልዓለኒ፣ ብራእያት ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ናብ መእተዊ እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ውሽጣዊ ኣፍ ደገ፡+ ናብቲ ቕንኢ ዜለዓዕል ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ምልክት* ቅንኢ ኣምጽኣኒ።+ 4  እንሆ ኸኣ፡ ከም ትርኢት እቲ ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ ዝረኣኽዎ+ ዝበለ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ነበረ።+ 5  ሽዑ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ በጃኻ ናብ ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ምስ ኣልዓልኩ፡ ኣብኡ ብሰሜን እቲ ኣፍ ደገ መሰውኢ፡ እዚ ምልክት* ቅንኢ ኣብቲ መእተዊ ነበረ። 6  ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብዚ ኸመይ ዝበለ ኽፉእን ፍንፉንን+ ካብ መቕደሰይ ዜርሕቐንን+ ነገራት ይገብሩ ኸም ዘለዉዶ ርኢኻ፧ ገና ኻብዚ ዚኸፍእ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። 7  ናብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ከኣ ኣምጽኣኒ፣ ምስ ጠመትኩ ድማ፡ ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ረኣኹ። 8  ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ” በለኒ። ስለዚ፡ ነቲ መንደቕ ኰዓትክዎ፣ መእተዊ ድማ ረኣኹ። 9  ንሱ ኸኣ፡ “እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ እከይን ፍንፉን ነገራትን ርአ” በለኒ። 10  ኣትየ ድማ ጠመትኩ፣ ኵሉ ዓይነት ምስልታት ለመምትን ፍንፉናት እንስሳታትን+ ኵሎም ጽዩፋት ጣኦታት* ቤት እስራኤልን ከኣ ረኣኹ፣+ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ድማ ተቐሪጾም ነበሩ። 11  ኣብ ቅድሚኦም ከኣ 70 ኻብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል ቈይሞም ነበሩ፣ ያዛንያ ወዲ ሻፋን+ ድማ ኣብ መንጎኦም ቈይሙ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ጽንሃህ ሒዙ ነበረ፣ እቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደበና ዕጣን እውን ይዓርግ ነበረ።+ 12  ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል ኣብ ጸልማት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብተን ጣኦታቱ ዜንብረለን ውሽጣዊ ኽፍልታት፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ዘለዉ ትርኢዶ ኣለኻ፧ ንሳቶምሲ፡ ‘የሆዋ ኣይርእየናን እዩ። የሆዋ ነዛ ምድሪ ሓዲግዋ እዩ’ ይብሉ ኣለዉ።”+ 13  ንሱ ኸኣ ኣስዒቡ፡ “ካብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። 14  ናብ መእተዊ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ፣ ኣብኡ ድማ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ኣምላኽ ኪበኽያሉ ረኣኹ። 15  ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ካብዚ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።+ 16  ስለዚ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ።+ ኣብኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን፡ ኣስታት 25 ሰብኡት ዝባኖም ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ገይሮም ነበሩ፣ ናብታ ብምብራቕ ዘላ ጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።+ 17  ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ቤት ይሁዳ እዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ኺገብሩ፡ ነዛ ምድሪ ብዓመጻ ኺመልእዋን+ ንዓይ መመሊሶም ኬዀርዩንንሲ ቀሊል ነገር ድዩ፧ ኣብዚ ድማ ጨንፈር* ናብ ኣፍንጫይ ይዝርግሑ ኣለዉ። 18  ስለዚ፡ ብነድሪ ስጕምቲ ኽወስድ እየ። ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ኣብ ኣእዛነይ ዓው ኢሎም እኳ እንተ ጨርሑ፡ ኣይክሰምዖምን እየ” በለኒ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምስሊ።”
ወይ፡ “ምስሊ።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ንኣምልኾ ጣኦት ዜገልግል ጨንፈር ኪኸውን ኣለዎ።