ሆሴእ 1:1-11

  • ሰበይቲ ሆሴእን እቶም ዝወለደትሉ ውሉዳትን (1-9)

    • ይዝርኤል (4)፡ ሎ-ሩሓማ (6)፡ ሎ-ዓሚ (9)

  • ተስፋ ምምላስን ሓድነትን (10, 11)

1  ብዘመን ዑዝያን+ ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን+ እቶም ነገስታት ይሁዳን+ ብዘመን የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ+ ንጉስ እስራኤልን፡ ንሆሴእ* ወዲ ብኤሪ ዝመጾ ቓል የሆዋ እዚ እዩ።  የሆዋ ብሆሴእ ኣቢሉ ቓሉ ኺዛረብ ምስ ጀመረ፡ የሆዋ ንሆሴእ፡ “እዛ ምድሪ ብምንዝርናኣ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ጠሪሳ ርሒቓ ኣላ እሞ፡ ኪድ ሰበይቲ ምንዝርና ተመርዖ፡ ውሉዳት ምንዝርና እውን ይሃልዉኻ” በሎ።+  ስለዚ፡ ንሱ ኸደ እሞ፡ ንጎሜር ጓል ዲብላይም ተመርዓዋ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደትሉ።  ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ንቤት የሁ+ በቲ ምፍሳስ ደም ይዝርኤል* ተሓታቲት ክገብራ፡ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል እውን መወዳእታ ኽገብረላ እየ እሞ፡ ይዝርኤል ኢልካ ስመዮ።+  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቀስቲ እስራኤል ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል ክሰብር እየ።”  ከም ብሓድሽ ድማ ጠነሰት፡ ጓል እውን ወለደት። ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ንቤት እስራኤል ብርግጽ ክሰጕጎም እየ እምበር፡+ ደጊም ኣይክምሕሮምን እየ እሞ፡ ሎ-ሩሓማ* ኢልካ ስመያ።+  ንቤት ይሁዳ ግና ክምሕሮም እየ፣+ ብየሆዋ ኣምላኾም ከኣ እየ ዘድሕኖም እምበር፡+ ብቐስቲ፡ ወይ ብሰይፊ፡ ወይ ብውግእ፡ ወይ ብኣፍራስ፡ ወይ ብፈረሰኛታት ኣይከድሕኖምን እየ።”+  ንሎ-ሩሓማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ድማ፡ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት።  ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ ኣነ እውን ናታትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፡ ሎ-ዓሚ* ኢልካ ስመዮ። 10  “ቍጽሪ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ከምቲ ኺስፈር ወይ ኪቝጸር ዘይከኣል ሑጻ ባሕሪ ኪኸውን እዩ።+ ኣብታ፡ ‘ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ ድማ፡+ ‘ደቂ እቲ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም።+ 11  መዓልቲ ይዝርኤል ዓባይ ክትከውን እያ እሞ፡+ ህዝቢ ይሁዳን ህዝቢ እስራኤልን ብሓድነት ኪእከቡ፡+ ሓደ ርእሲ ድማ ኪሓርዩ፡ ካብታ ምድሪ እውን ኪወጹ እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ብያህ ዝደሓነ፣ ያህ ኣድሓነ።”
ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ኪዘርእ እዩ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ትርጉሙ፡ “ዘይተማሕረት።”
ትርጉሙ፡ “ዘይህዝበይ።”